ኣብ በረድ ቀላይ ዝወደቑ ሰለስተ ኣሕዋት ቆልዑ ሞይቶም

ብበረድ ዝተመልአ ቐላይ

ምንጪ ስእሊ, KTVT/CBS News Texas

መግለጺ ስእሊ, እቶም ህጻናት ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ እዚ ቐላይ እናተጻወቱ ነይሮም

ኣብ ኣመሪካ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ በረድ ቀላይ ዝወደቑ ሰለስተ ኣሕዋት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ሰሜን ቴክሳስ ቦንሃም እዩ ኣጋጢሙ።

ኣደ እቶም ኣወዳት ዝዀነት ቸይን ሃንጋማን፡ ካብቲ ማይ ኣልዒላ ኣብ ልዕሊ እቲ በረድ ብምቕማጥ ከተድሕኖም ፈቲና እኳ እንተነበረት፡ እቲ በረድ ግን ብቐጻሊ እናተሰበረ ጻዕራ ከምዘይተዓወተ ገሊጻ።

"ንሳቶም ሰለስተ ኣነ ድማ በይነይ እየ ነይረ... ስለዚ ከድሕኖም ኣይከኣልኩን" ክትብል መሻርኽቲ ቢቢሲ ንዝዀነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢራ።

እቶም ቆልዑ ደቂ ሽዱሽተ፡ ሸሞንተን ትሽዓተን ዓመት ከምዝነበሩ እውን ጠቒሳ። ስድራቤታት "ደቅኹም ኣቕሪብኩም ምሓዝኩም ኣረጋግጹ፡ ኩሉ ግዜ ድማ ከም እትፈትውዎም ንገርዎም" ክትብል ተማሕጺና።

እዚ ዛንታ ንገለ ኣንበብቲ ከጨንቑ ዝኽእሉ ስእላዊ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑ ዝዀነት ሃንጋማን፡ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝፈለጠት፡ ጓላ፡ ደቃ ከምዝጠሓሉ እናጨደረት ምስ ነገረታ እዩ።

እቶም ቆልዑ ካብቲ መንበሪ ገዝኦም ኣስታት 30 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቀላይ እናተጻወቱ ነይሮም።

እቲ ብዕድመ ካብ ኵሎም ዝነኣሰ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዝርግአ በረድ ዝተሸፈነ ማይ "ክንሸራተት" ድሕሪ ምፍታኑ ከምዝወደቐ ሃንጋማን ትገልጽ። ድሕሪኡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ደድሕሪኡ ዘሊሎም ኣትዮም።

"ክርእዮም እንከለኹ፡ ይቃለሱ ነይሮም፡ ኣካላቶም ድማ ድሮ ኣብ ስንባደ ከምዝነበረ ፈሊጠ" ዝበለት እታ ኣደ "እቲ ማይ ኣዝዩ ቆራሪ እዩ ነይሩ" ክትብል ነቲ ኩነታት ትገልጾ።

"ንህይወት ደቀይ ክቃለስ ፈቲነ፡ ክሕግዞም ኣይከኣልኩን" ብምባል'ውን ምስ መሪር ጓሂ ትዛረብ።

ኣብቲ ደቃ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ዝዀነ ጎረቤታ፡ ኣውያታ ሰሚዑ ካብቲ ቐላይ ስሒቡ ኣውጺኡዋ።

"ኣውያት ሰሚዑ ብጉያ ከምዝመጸ ነጊሩኒ። ዓርከይ ናይ ፈረስ ገመድ ነይርዎ፡ ብእኡ ድማ ኣውጺኡኒ" ትብል።

ሃንጋማን

ምንጪ ስእሊ, KTVT/CBS News Texas

መግለጺ ስእሊ, ሃንጋማን፡ ንደቃ ካብቲ ቆራር ማይ ከተውጽኦም ፈቲና፡ ግን እቲ በረድ ብቐጻሊ ይስበር ስለዝነበረ ከቢድዋ

ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣወዳት መጀመርታ ብሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን ጎረቤቶምን ካብቲ ማይ ከምዝተሰሓቡን፡ ናብ ሆስፒታል እቲ ከባቢ ከምዝተወስዱን ገሊጹ።

እቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቆልዓ ድማ ድሒሩ "ኣብቲ ቐላይ ሰፊሕ ፍተሻ" ምስተ ገብረ እዩ ተረኺቡ።

ሰብመዚ ኣስማት እቶም ህጻናት እኳ እንተዘይገለጹ፡ ኣባላት ስድራቤት ግን ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ሃዋርድ ዶስ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ካሌብ ዶስን ወዲ ትሽዓተ ዓመት ኢ.ጀይ ዶስን ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቶም ኣሕዋት ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ፡ "በዚ ክትሓስቦ ዝኸብድ ክሳራ ዓቢ ሓዘን ከምዝተሰምዖን" ከምኡ'ውን፡ ንተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ስነኣእምሮኣዊ ዝህቡ ኣማኸርቲ ከምዘዳለወ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝረኣዮም ናብ ስድራቤታት ዝተለኣኸ ደብዳበ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቴክሳስ ሓዊሱ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ኣመሪካ ዘጋጠመ ቀታሊ ህቦብላ ሓጋይ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ክሞቱን ሓያሎ ኣሽሓት ሰባት ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተረፉሉን እዋንን እዩ ሞት እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ኣጋጢሙ ዘሎ።