ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካ ትዓጽዎ ዘላ ማዕጾ ንሳ ከተርሑዎ ምዃና ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣመሪካ፡ ክኢላታት ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ማዕጾኣ ኣብ ተጽብበሉ ዘላ እዋን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብኣ ክመጽኡ ክትስሕቦም ከም እትደሊ ምኒስተር ፋይናንስ ዓባይ ብሪጣንያ ራቸል ሪቭስ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዋጋ ቪዛ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ናብ 100,000 ዶላር ዓቢይ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ትካላት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ምድንጋር ፈጢሩ ይርከብ።
ራቸል ሪቭስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ክኢላታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ንሕና ግን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክመጽኡ ቀሊል ክንገብሮ ንደሊ፡" ኢላ።
ቢቢሲ፡ መንግስቲ ብዝሒ ናይቶም ልዑል ክእለት ዘለዎም ወጻእተኛታት ቪዛ ኣብ ዓመት ናብ ኣስታት 18,000 ክብ ብምባል ብዕጽፊ ከዕብዮ መደብ ከም ዘለዎ እዩ ዝርዳእ።
ሪቭስ ነዚ ርእይቶ እትህብ ዘላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ኣመሪካ ናይ 150 ቢልዮን ፓውንድ ናይ ቴክኖሎጂ ስምምዕ ድሕሪ ምፍጻማ እዩ።
እዛ ምኒስተር ኣብ ሓድሽ ዋና ቤትጽሕፈት ሪቮሉት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ሪቮሉት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ 3 ቢልዮን ፓውንድ ወፍሪ ከም ዝገብርን 1,000 ሓድሽ ዕዮታት ከም ዝፈጥርን ገሊጻ።
መንግስቲ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ዝወስዶ ዘሎ፡ ኣብ ቅልጡፍ ዕብየት ይርከባ ንዘለዋ ኣህጉራውያን ኩባንያታት ዕንቅፋታት ክዀነን ንዝኽእል ንምእላይ ብዝሓንጸጾ መደብ መሰረት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትራምፕ ኣብ ቪዛ ዝገበሮ ለውጢ፡ ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ንኤች-1ቢ ቪዛታት ምርባሽ ፈጢሩ። እዚ ቪዛ'ዚ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ካብ ወጻኢ ሃገራት ክኢላታት ሰራሕተኛታት ንምቝጻር ዝጥቀማሉ እዩ።
እቲ ምልክታ ክእወጅ ከሎ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ዝነበሩ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ቴክኖሎጂ፡ ብነፋሪት ናብ ሃገር ክምለሱ ተጓይዮም፣ ገሊኦም ድማ ኣሽሓት ዶላራት ከውጽኡ ተገዲዶም።
ዋይት ሃውስ እቲ ሓድሽ ክፍሊት ንሓደስቲ ኣመልከትቲ ጥራይ ከም ዝምልከትን ንሓደ ግዜ ዝኽፈል ምዃኑን ይገልጽ። መጻኢ መደብ H-1B ገና ርግጸኛ ኣይኰነን።
እዚ ዓይነት ቪዛ'ዚ ዝነበሮም ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ክጥቀሱ ይኽእሉ፤ ገለ ካብኦም ሜላንያ ትራምፕ፡ ኤሎን ማስክ፡ ሱንዳር ፒቻይ፡ ከምኡ'ውን ሳትያ ናዴላ ይርከቡዎም።
ሪብስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተፈላለየ ኣገባብ ከም እትጥቀም ብምግላጽ፡ "ለንደን ርእሰ-ኸተማ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ኣይኰነትን፣ ሓንቲ ካብተን ክልተ ፋይናንሳዊ ርእሰ ከተማታት ዓለም እያ። ካብ መላእ ዓለም ንዝመጽኡ ብሉጻት ክኢላታት ክፉታት ብምዃንና ፍሉያት ክንከውን ንደሊ፡" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







