ኣብ ካናዳ ዕቝባ ዝሓተተት ኣመሪካዊት - እንታይ ኰይና?

ሃና ክሬገር

ምንጪ ስእሊ, Hannah Kreager

ጓል 22 ዓመት ሃና ክሬገር፡ "ካብዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኪ ክትወጽኢ ኣለኪ፡" ክትብል ንነብሳ ኣእመነታ።

እታ ልውጠ-ጾታ ዝገበረት መንእሰይ፡ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ ኣብ ቱክሰን፡ ኣሪዞና ኣመሪካ ኰይና፡ ንኣዋርሕ ካብ ሃገራ ክትወጽእ ክትሓስብ ጸኒሓ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣባጽሕ ጾታኦም ክልውጡ ድሕሪ ምኽልካሉ፡ ደለይቲ ፍትሕን ትካላትን ንማሕበረሰብ ሕደ-ጾታውያን ዝያዳ ተጻባኢ ዝዀነ ሃዋሁ እዩ ገጢምዎም ዘሎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ክሬገር ህዝባዊ ሽቓቕ ምጥቃም ብምውጋድ፡ ካብ ህዝቢ ብምርሓቕን መድሃኒታት ፍወሳ ሆርሞን ብምኽዛንን ጥንቃቐታት ክትገብር ጀሚራ።

ትራምፕ፡ "ንህጻናት ዝወሃብ ፍወሳ ሆርሞን "ከሚካላውን መጥባሕታውን ምቝራጽ ኣካላት" ኢሉ ክጽውዖ እንከሎ፡ ኣጠቓቕማኡ ብኸቢድ ንምድራት ስጕምትታት ከም ዝተወሰደ ይፍለጥ።

ሃና፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ መንግስቲ ውሽጣዊ ናዕቢ ንምዕጋት ሰራዊት ከዋፍር ዘኽእል ኣዋጅ 1807 ይሓስበሉ ከም ዘሎ ዝገልጽ ወረ ምስ ሰምዐት ግን፡ ኵሉ መደባታ ክቀላጠፍ ወሲና።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ሰበስልጣን ደው ኣቢሎም መንነታ እንተሓቲቶምዋ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ከም ዘስግኣ ትገልጽ።

ሃና ክትውለድ እንከላ ተባዕታይ ኰይና ተመዝጊባ ነይራ፤ ሕጂ ግን ንነብሳ ጓለንስተይቲ እያ ትብላ።

ሕጂ ምስ ዘሎ ሕጋዊ ስማን ጾታዊ መንነታን ንኽሰማማዕ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኣ እኳ እንተ ኣሐደሰቶ፡ ፓስፖርታ ግን ገና ቅድሚ ጾታ ምልዋጣ ዝነበረ ስማን "X" ዝብል ናይ ጾታ ምልክትን ሒዙ ኣሎ።

እዚ ድማ ትራምፕ መንግስቲ ንኽልተ "ዘይልወጡ ጾታታት" -ወዲን ጓልን-ጥራይ ኣፍልጦ ክህብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።

"ዋላ'ኳ ወተሃደራዊ ሕጊ እንተዘይተኣወጀ፡ ዝዀነ ሓደጋ ክወስድ ፍቓደኛ ከም ዘይኰንኩ ግን ወሲነ" ትብል።

ስለዚ ኣብ ቱክሰን ንዝነበራ መሓዙታ ተፋንያ ንብረታ ዓሺጋ ብደገፍ ስድራኣ ብመኪና ናብ ሰሜን ገጻ ናብ ዶብ ካናዳ ብምኻድ ዕቝባ ሓተተት።

ሕጂ ኣብ ካልጋሪ ኣልበርታ ውጽኢት ሕቶ ዕቍባኣ ትጽበ ኣላ።

ጠበቓ ያሜና ኣሳሪ፡ ክሬገር ሓለዋ እንተረኺባ፡ ንኻልኦት እውን ቅድመ ኵነት ክኸውን ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ኣሳሪን ካልኦት ካናዳውያን ጠበቓታት ኢሚግሬሽንን፡ መንገዲ ክሬገር ክኽተሉ ዝደልዩ ካብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ዓማዊል ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቦርድ ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን ካናዳ ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2025 ካብቲ ኣብ 2024 ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ኣብታ ሃገር ወረቐት ስደተኛ ሓቲቶም።

ካብ ጠቕላላ ሕቶታት ዕቝባ ንእሽቶ ክፋል ክዀኑ እንከለዉ - ካብ ኣስታት 55,000 እቶም 245 ሕቶኦም ተቐባልነት ረኺቡ።

ትራምፕ ፈጻሚ ትእዛዛት እናፈረመ

ምንጪ ስእሊ, Andrew Harnik/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ፈጻሚ ትእዛዛት እናፈረመ

ዓበይቲ ብድሆታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕረ ባይታ ክሬገር ኣብ ግምት ብምእታው - ኣብ ቀረባ እዋን ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ወዲኣ ኣብ እንዳ ፒዛ ትሰርሕ ነይራ - ንልዑል ክእለት ዘለዎም ውልቀሰባት ዝኸውን ቪዛ ካናዳ ምርካብ ክውንነታዊ ኣማራጺ ኣይነበረን።

ሃና ግን ምምሕዳር ትራምፕ ኣንጻር ሕጋጋትን ሓለዋታትን ጸረ-ልውጠ-ጾታን ሕደ-ጾታን ምዃኑ ዘርኣዮም ተመኵሮታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕቝባ እቲ እንኮ መንገዲ ኰይኑ ተሰሚዕዋ።

"ዕቝባ ምሕታት ሳሕቲ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ዝውሰድ መንገዲ'ዩ። ነዊሕ ግዜ ይወስድ-ክሳብ ክልተ ዓመት-ከም ዝወሃበካ ድማ ውሕስነት የለን። እቲ ዘይርጉጽነት ዓቢይ'ዩ፡ ናብ ዓድኻ ክትምለስ ዘይምኽኣል ማለት'ዩ፡" ትብል ኣሳሪ።

ኣብ ካናዳ ንዕቝባ ብቑዓት ንክዀኑ፡ ኣመልከትቲ ኣብ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ዜግነት፡ ማሕበራዊ ጕጅለ ወይ ፖለቲካዊ ኣረእያ ዝተመርኰሰ ርጡብ ስግኣት ከም ዘለዎም ከረጋግጹ ኣለዎም-ከምኡ'ውን ናብ ዓዶም ብውሑስ መንገዲ ክግዕዙ ወይ ሓለዋ ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ከርእዩ ኣለዎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትራምፕ ንስግረ ጾታን ጾታ ዘይፈልዩን (ዘይ-ባይነሪ) ዜጋታትን ዝጸሉ ዝተፈላለዩ ፈጸምቲ ትእዛዛት ፈሪሙ ኣሎ።

እዚኦም ድማ ህጻናት ካብ ኬሚካላውን መጥባሕታውን ምጕዳል ኣካል ምክልኻል ዝብል ፈጻሚ ትእዛዝ ከምኡ እውን ደቀንስትዮ ካብ ጾታዊ ስነ ሓሳብ ጽንፈኛነት ምክልኻልን ስነ-ህይወታዊ ሓቂ ናብ ፌደራል መንግስቲ ምምላስን ዝብል ትእዛዛት ይርከብዎም።

ብመሰረት ትራንስ ሌጂስሌሽን ትራከር - ኣብ ኣመሪካ ንልውጠ-ጾታውያንን ብዙሕ ጾታ ዘለዎም ሰባትን ዝጸሉ ጕዳያት ሕጊ ዝከታተል ትካል - ክሳብ ሕጂ ኣብ 2025 121 ጸረ ትራንስ ሕግታት ክጸድቑ እንከለዉ፡ 981 ተወሳኺ ሕግታት ኣብ መስርሕ ይርከቡ።

ኣብ 2024፡ ከምዚ ዝኣመሰለ 88 ሕጋጋት ጸዲቘም ነይሮም - እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ባዶ እዩ ነይሩ።

ኪዳን ግብረሰዶማውያንን ሌዝቢያንን ኣንጻር ጸለመ (GLAAD) ኣብተን ቀዳሞት 100 መዓልታት ስልጣን ትራምፕ ጥራይ 225 ጸረ-ሕደ ጾታውያን ተግባራት ሰኒዱ።

እሙን ፍርሒ ወጽዓ

ክሬገር፡ ኣብ ኣመሪካ ዝያዳ ንኤልጂቢቲ ናብ እትምችእ ግዝኣት ምግዓዝ ዝብል ሓሳብ ኣይትቕበሎን

"ዝዀነት ግዝኣት ውሑስቲ ኣይኰነትን፡" ድማ ትብል።

ኣብ ከም ካሊፎርንያ ወይ ኒውዮርክ ዝኣመሰላ ግዝኣታት ከይተረፈ፡ ጾታኣ 'ኤክስ' ዝብል ምልክት ከተስፍ ዘኽእላ ሰነድ ከተመልክት ስለ ዘይትኽእል፡ ፌደራላዊ ኣገልግሎታት-ከም ፓስፖርታ ዝበሉ- ክትረክብ ኣይትኽእልን።

ጠበቓኣ፡ ክሬገር ምስ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ዝመሳሰል ጠንካራ ጕዳይ ከም ዘለዋ ትኣምን።

ንሳ ግን፡ ኣብ ካናዳ ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኵነታት ኣመሪካን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ኢሚግሬሽንን ሓዊሱ ድሩት ግንዛበ ብምህላው ብድሆታት ኣለዉ ኢላ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ካናዳውያን ብዛዕባ ስደት ስክፍታ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ኣስታት 58 ሚእታዊት ካናዳ ብዙሓት ስደተኛታት ከም እትቕበል ይኣምኑ - እዚ ካብቲ ኣብ 2023 ብ14 ሚእታዊት ወሲዅ።

ኣሳሪ፡ ኣብ ካናዳ ኣብ ዘሎ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ስዒቡ፡ ሓተቲ ዑቕባ ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ትኣምን።

ሃና ግን፡ ቦርድ ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን ኣብ ጕዳይ ክሬገር ጽቡቕ ውሳነ ከሕልፍ ክርኢ ተስፋ ኣለዋ።

ቀጻሊ መስርሕ ፍርዲ ኣብ እትጽበየሉ ዘላ እዋን፡ ክሬገር ኣብ ካናዳ ክትመሃርን ክትሰርሕን ፍቓድ ኣለዋ።

ንሕጋዊ ክፍሊትን ወጻኢታትን ንምሽፋን ድማ ብኢንተርነት ገንዘብ ትእክብ ኣላ።

"ሕጂ ውሕስነት ይስምዓኒ። ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ ሃለዋተይ ከም ገበን ዝሕሰበሉ ፍርሒ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ፡" ትብል።

"ካናዳ ዑቕባ እንተኽልኪላኒ፡ ነገራት ስለ ዝተመሓየሹ'ዮም ኢለ እየ ክሓስብ፡" ትብል።