መርዓ ክልተ ሰብኡት ንሓንቲ መርዓት ብዙሕ የዛርብ

ክልተ ሰብኡትን ሓንቲ መርዓትን ባህላዊ ክዳን ተኸዲኖም ፍሽኽ ኢሎም ናብ ካሜራ ይጥምቱ

ምንጪ ስእሊ, Alok Chauhan

ኣብ ህንዲ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቍሸት ሂማልያን፡ ሓንቲ ሰበይትን ብኽልተ ጐድና ኮፍ ዝበሉ ሰብኡትን ናብ ካሜራ እናጠመቱ ፍሽኽ ኢሎም ይርኣዩ።

እቲ ክልተ መርዓውትን ሓንቲ መርዓትን ዘርኢ መርዓ ንቡር ኣይኰነን። ኣብታ ሃገር፡ ሓንቲ ሰብ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ክትምርዖ ሕጋዊ ኣይኰነን።

ስለዝዀነ ድማ መርዓት ስኒታ ሲ ምስ ክልተ ኣሕዋት (ካፒል ኤ ከምኡ'ውን ፕራዲፕ ኤ) ዝተመርዓወትሉ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ክኢሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ እልቢ ዘይብሉ ጸርፊታት'ውን ወሪዱዎም። ኣብታ ሃገር ድማ ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

እዞም ሰለስተ መጻምድቲ ካብ ሕብረተሰብ ሃቲ ኰይኖም፡ ዝበዝሑ ኣብ ክፋል ሰሜናዊ ጎቦታት ግዝኣታት ሂማቻል ፕራደሽ ከምኡ'ውን ኢታራክሃንድ ኣብ ጐድኒ ተፋሰስ ከባቢ ሩባታት ግሪን ቶንስን ዝቕመጡ ደቀባት ቀቢላታት እዮም።

እዚ ኣስታት 300,000 ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ 400 ዓድታት እቲ ዞባ ተዘርጊሑ ይርከብ። ስሙ ድማ ካብቲ ቀደም ኣብ ዕዳጋታት "ሃቲ" ኣእኻል፡ ኣሕምልትን ሱፍን ዝሸጦ ዝነበረ ዝረኸቦ እዩ።

እቶም ሓረስቶት ኰነ ጥበበኛታት ብሳላ ንዘመናት ነጸላ ብምእላምን ስልማታት ብሩር ብምስራሕን ዝጸንሑዎ፡ ክስስኑ ክኢሎም እዮም።

ህንዲ ንልዕሊ 700 ቀቢላታት ብወግዒ ኣፍልጦ ሂባ ኣላ፣ እዚ ሕብረተሰብ'ዚ ድማ ኣስታት 8.6% ካብ ህዝቢ እታ ሃገር'ዩ።

መንግስቲ ህንዲ ኣብ 2023 ንሕብረተሰብ ሃቲ፡ "ኣድሉዎ ዝወረዶ ቀቢላ" ክብል ኣፍልጦ ሂቡዎ። እዚ ድማ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ደገፍ ክረኽቡን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ዕዮ ክሰርሑን ክመሃሩን ይሕግዞም።

ሃቲ ዋላ እኳ ብሰፊሑ ሂንዱ እንተዀኑ፡ ስርዓተ መርዓኦም ግን ካብ ሂንዱ ኣዝዩ ይፍለ።

ኣብቲ ከባቢ፡ እዞም ዓይነት መርዓታት "ጆዲዳራ" ወይ "ጃጅዳ" ይበሃሉ። ኣብ መርዓ ሂንዱ፡ መርዓውቲ ኣብ ዙርያ ቅዱስ ሓዊ ዝብሉዎ መጋርያ ሸውዓተ ግዜ ክዘሩ እንከለዉ፡ ኣብ መርዓ ሃቲ ግና መርዓውቲ ገጽ ንገጽ እናተጠማመቱ መብጽዓ ይለዋወጡ።

ካልእ ዝፍለየሉ ድማ እታ መርዓት እያ ንመርዓዊ ናብ ቤተ-ሕጽኖት መሪሓ ትወስዶ።

ኣብዚ ሕብረተሰብ፡ ግቡኣት መጻምድቲ ኣብ ዕዮ እዩ ንህይወት ሓዳር ዝጸልዎ።

"ኣብ ቅድም እዋን፡ ሓደ ሓው ምስ ጥሪት ንኣዋርሕ ኣብ ዝረሓቐሉ እዋን፡ እቲ ካልእ ምስ መርዓት ይጸንሕ፡ ምስ ተመልሰ ድማ በብተራ ምስኣ ይነብሩ። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ግን ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ብናይ ስድራቤት ምርድዳእ እዩ ዝፍታሕ፡" ይብል ጋዜጠኛ ናይቲ ከባቢ ሸር ጁንግ ቻውሃን።

"ኣየናይ ቈልዓ ናይ ኣየናይ ስም ኣቦ ይወስድ - ክሳዕ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ብዝግበር ስምምዕ እዩ ዝውሰን፡" ይውስኽ።

ብበዳሂ ኵነታት ዝተቐርጸ ባህሊ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሃቲ፡ ንልምድታት ሂንዱነትን ሩሓውነትን (animistic) ዝሓዋወሰ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ደብተራታትን ኣማልኽትን ኣብ ህይወት ናይቲ ሕብረተሰብ ማእከላይ ቦታ ይሕዙ።

ሰባት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝእከበሉ 'ሃኣት' ዝበሃሉ ዕዳጋታት ዛንታታት ይነግሩ። እዞም ኣፋዊ ዛንታታት ድማ ነቶም ደቀባት ህያውያን ይገብሮም።

ከም ብኢድ ዝተኣልመ ክዳውንቲ ዝኣመሰሉ ልምድታት ድማ ንመንነቶም ፍሉይነት ይህቦ። እቲ ዝምስርቱዎ ናይ ሓባር ስርዓተ-ስድራቤት ድማ ክሰምሩን ተኻፊሎም ክነብሩን ይሕግዞም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣሕዋት ብሓንሳብ ንሓንቲ ሰበይቲ ክምርዓዉ በቲ ሕብረተሰብ ይተባብዑ ነይሮም። ተሓራሲ መሬት ስለ ዝውሕዶም፡ መሬት ንኸይምቀል ዝዓለመ ድማ እዩ።

ሕገ-መንግስቲ ህንዲ፡ ከም ብዓል ሃቲ ዝኣመሰሉ ቀቢላታት ሕብረተሰባዊ ልምዶ ከዘውትሩ ይፈቅድ እዩ - መንግስቲ እንተ ዘይኣጊዱ።

መራሒ ናይቲ ከባብን ምሁርን ዝዀነ ያሽዋንት ሲንግ ፓርማር፡ እዚ ልምዲ'ዚ ዝጀመረ ህይወት ናይቶም ኣብ ኣኽራን ዝነብሩ ጽንኩርን መሬት ውሑድን ስለ ዝዀነ ምዃኑ ጽሒፉ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር፡ ሎሚ እናወሓደ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ትምህርቲ፡ ቍጠባዊ ምዕባለን ጽልዋ ዘመናውነትን እናሰፍሐ ብምምጽኡ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንኽልተ/ሰለስተ ሰብኡት ምምርዓው ክንኪ ገይሩዎ።

ካፒል ቻውሃን ዝተባህለ ነባሪ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ቍሸት ናይቲ ዞባ፡ እንተ ወሓደ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ስድራቤታት ነዚ ልምዲ'ዚ ዝዓቀባ ከም ዘለዋ ይዛረብ።

"መንነትና እዩ፣ ዘዅርዕ እዩ። እቶም ከምኡ ዝገበሩ ስድራቤታት ጽቡቕ እንተ'ልዮም ካልእ ሰብ ጸገም ክህሉዎ የብሉን፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ማሕበራዊ ነጣፋይ ራመሽ ሲንግታ፡ ከምዚ ዓይነት መርዓ ኣብዚ ግዜ'ዚ ብሰላሕታ ከም ዝግበርን ብዙሕ ከም ዘይወዓዋዕን ይሕብር።

ባህላዊ ክዳውንቲ ዝተኸደና ብብዝሒ ደቀንስትዮ ከቢበን፡ ከበሮ ዝሃርም ሰብኣይ ኣብ ማእከል ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Kapil Chauhan

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ሰብይቲ ምስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምምርዓው እናነከየ ይኸይድ ኣሎ

ምርጫ ድዩ ምዝመዛ?

ዜና ናይዚ መርዓ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ህንዲ ዓቢይ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ገሊኦም ከም ግላዊ ድሌትን ውልቃዊ ምርጫን ክቘጽሩዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ መሰል ደቀንስትዮ ዝግህስ እዩ ይብሉ።

ነዚ ሃቲ ዘዘውትሩዎ ልምዲ ዝድግፉ ሰባት፡ እቲ ሕብረተሰብ መሬቱ ንምዕቃብን ስኒት ስድራቤት ንምሕላውን ኣገዳሲ ባህላዊ ውርሻ ምዃኑ ይማጐቱ።

እቶም ነቐፍቱ ድማ ብመንጽር ዘመናውነት፡ ሕጋውነቱ ኣብ ዓንቀጻት ህንዲ ከምኡ'ውን ኣምር ጾታ ብምምልካት ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ ይገልጹ። ገሊኦም'ውን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ ከእቱ እናተቓወሙ፡ ነዚ ምቕባሎም ግብዝና እዩ ይብሉ።

እዞም ሓደስቲ መጻምድቲ፡ ሕጕሳት ምህላዎምን እቲ ትውፊት ኣገዳሲ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ነቲ ዝወሰዱዎ ምርጫ ተኸላኺሎም።

ፖለቲከኛ ናይቲ ከባቢን ምኒስተር ኢንዱስትሪታት እታ ግዝኣትን ሃርሽዋርዳን ቻውሃን ነቲ ናይ ቀደም ልምዲ ደገፉ ይገልጽ።

"ነቲ ልምዲ ብምትግባር፡ ባህላዊ ውርሻኦም ኣኽቢሮም ኣለዉ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዙሓት፡ 'ንዅነታት ደቀንስትዮ ኣብ ገዛ የመሓይሽ ድዩ?' ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፣ ነገራት ከጋድድ ከም ዝኽእል ሓሳቦም ይህቡ።

ዋና ጸሓፊት ማሕበር ደሞክራስያውያን ደቀንስትዮ ህንዲ ማርያም ዳዋለ፡ "እዚ ተግባር'ዚ ምዝመዛ ደቀንስትዮ ዘተባብዕን መሰረታዊ መሰላተን ዝግህስን'ዩ፡" ትብል።

ክልተ ሰብኡት ምህላዎም ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተወሳኺ ውላድ ክትወልድን ዝያዳ ጸቕጢ ክፈጥርን ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ ከምዚ ሓዳር እትርከብ ኣሻ ደቪ፡ እቲ ትውፊት ንናጽነት ጓል ኣንስተይቲ ከም ዘየጕድል ትዛረብ።

"ብኣንጻር እቲ ሰብ ገይሩ ዝርድኦ፡ ደቀንስትዮ እንተ ደልየን ኣብ ከምዚ ሓዳር ንኸይኣትዋ ክኣብያ መሰል ኣለወን። ገዲዱ ዘእትወን የሎን፡" ክትብል ሚስ ደቪ ንቢቢሲ ገሊጻ።

እዞም ክልተ መርዓውትን ሓንቲ መርዓትን ምሉእ ብምሉእ ባህላዊ መንገዲ ህይወቶም ዝመርሑ ኣይኰኑን። ሱኒታ ኣብ ኢንስቲትዩት ኢንዱስትሪ ዝተማህረት ብዓልቲ-ሞያ ክትከውን ከላ፡ ፕራዲፕ ሰራሕተኛ መንግስቲ እታ ግዝኣት፡ ካፒል ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ምእንጋድ ኣጋይሽ ይሰርሕ።

እታ መርዓት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ውሳነይ እዩ ነይሩ፣ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ ዓቂበ ኣለኹ፡" ኢላ።

ሰብኡታ እውን ከምኡ ይስምዖም፡ ፕራዲፕ ንማዕከናት ዜና ህንዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ዝምድና ኣብ ትውፊት ዘለና እምነትን ንሓድሕድና ናይ ምሕብሓብ ሓባራዊ ሓላፍነትን ዘንጸባርቕ እዩ፡" ኢሉ።

ሰለስተኦም እቲ ፍሉይ ሕብረቶም ብፍቕሪ ርጉእ ክኸውን ቃል ኣትዮም እዮም።

መርዓት ኣብ ማእከሎም፡ ክልተ ሰብኡታ ብጐድና ኰይኖም ናብ ካሜራ ይጥምቱ

ምንጪ ስእሊ, Alok Chauhan

መግለጺ ስእሊ, እዞም መጻምድቲ ዘመናዊ ትምህርቲ ዝተማህሩ እዮም

ከምዚ ዓይነት መርዓ ኣብ ካልኦት ባህልታት

ሳሕቲ ደኣ ይዅን'ምበር፡ ኣብ ከም ኣብ ሂማልያ ዝርከቡ ኪናውሪስ፡ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ዝርከቡ ቶዳስ ዝኣመሰሉ ሕብረተሰባት ይዝውተር እዩ።

ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም እውን ተመሳሳሊ ሓዳራት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም፤

ሕብረተሰብ ሞሱኦ ቻይና "ተጓዓዚ ሓዳር' ዝብልዎ ኣሎ። (ደቂ ተባዕትዮ ብለይቲ ንደቀንስትዮ ክበጽሑን ናብ ገዛ ኣደታቶም ዝምለስሉን)፣

ሕውነታዊ ዝብሉዎ ብዙሓት ሰብኡት ናይ ምእታው ኣብ ቲቤት፣

ኢሪግወን ዝበሃሉ ሕብረተሰብ ኣብ ናይጀርያ፣ ከምኡ'ውን ከም ቦሮሮ ዝኣመሰሉ ቀቢላታት ኣማዞን፣

ብዙሓት ካብዞም ልምድታት ካብ ሕጋዊ ጽላል ወጻኢ ወይ ዝሃሰሱ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሕብረተሰብ ማሳይ እውን ይርኣዩ እዮም።