ኒውዚላንድ፡ መስርሕ ፍርዲ ክልተ ደቃ ቀቲላ ኣብ ሳንጣ ዝሓብአት ኣደ ተጀሚሩ

ሃክዩንግ ሊ ናብ 2022 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, RNZ/Nick Monro

መግለጺ ስእሊ, ሃክዩንግ ሊ ናብ 2022 ናብ ቤትፍርዲ ቀሪባ ነይራ

ክልተ ደቃ ቀቲላ ሬሳኦም ኣብ ሳንጣታት ብምሕባእ ዝተኸሰሰት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ፍርዲ ትቐርብ ኣላ፤ እዚ ድማ ነታ ሃገር ዘሰንበደ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።

ደቡቡ ኮርያ፡ ነታ ኣብ ሕዳር 2022 ናብ ኒውዚላን ኣሕሊፋ ዝተዋህበት ሃክዩንግ ሊ በቲ ዝቐረበላ ክልተ ክሲታት ቅትለት ገበነኛ ከም ዘይኰነት እያ ገሊጻ።

ኣስከሬን ናይ ደቃ፡ ኣብ ኦክላንድ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ጨረታ ኣብ ሓደ መኽዘን ተደርብዩ እዩ ተረኺቡ።

እቲ ኣስከሬን ንሓያሎ ዓመታት ተዓቂሙ ከም ዝጸንሐ እዩ ዝእመን።

ጓል 44 ዓመት ሊ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተወልደት ዜጋ ኒውዚላንድ ኰይና፡ ኣብቲ ገበን ተፈጺሙ ዝተባህለሉ እዋን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኦክላንድ ትነብር ከም ዝነበረት ማዕከናት ዜና ኒውዚላንድ ሓቢረን።

ኣብ 2017 ኣቦ እቶም ቈልዑ ብሕማም መንሽሮ ሞይቱ።

እቶም ክልተ ቈልዑ እውን፡ ዋላ እኳ ብልክዕ መዓስ ከም ዝሞቱ እንተ ዘይተፈልጠ ድሕሪኡ ብዙሕ እንከይጸንሑ'ዮም ሞይቶም።

ክሳዕ ሕጂ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት፡ ንዕድሚኦም ዝምልከት ዝተፈላለየ ቍጽሪታት'ዮም ዝሕበሩ ዘለዉ።

እንተዀነ፡ ኣብ እዋን ሞቶም ዕድሚኦም ካብ ሽዱሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ዓመት ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

ብመሰረት ፖሊስ ደቡብ ኮርያ፡ ሊ ኣብ 2018 ካብ ኒውዚላንድ ናብ ደቡብ ኮርያ ተበጊሳ።

ብድሕሪኡ ሬሳታት እቶም ቈልዑ ኣብ ነሓሰ 2022፡ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ናይ ኢንተርነት ጨረታ፡ ነተን ሻንጣታት ሓዊሱ ብተጐታቲት ዝተጻዕነ ኣቑሑት ድሕሪ ምዕዳጋ'ዩ ተረኺቡ።

እቲ መሸጣ ኣካል ናይቲ ዝተደርበዩ ኣቑሑት ካብ ሓደ መኽዘን ንምጽራይ ዝግበር ጻዕሪ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።

ፖሊስ፡ እቶም ዓደግቲ ምስቲ ሞት ዝዀነ ምትእስሳር ከም ዘይብሎም ገሊጹ።

ኢንተርፖል ንዓኣ ንምሓዝ ዓለምለኻዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሊ ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኡልሳን ተታሒዛ።

ኣባላት ስድራ እቶም ቈልዑ ብመሰረት ዝሓተትዎ ብሕታውነት፡ መንነት ናይቶም ቈልዑ ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተገልጸን።