የመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕረበቶ ክሲ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፡ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ብትሪ ከም ዝዀነነን ክሲ ከም ዘቕረበን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኮምሽን፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ 50 ዝዀኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሓደ ክቕተል እንከሎ፡ ሓያለ ቈሲሎም ኣለዉ።
ኤርትራ ማያዊ ግዝኣታ ብዘይፍቓድ ሰጊሮም ንዝኣትዉ "ገፈፍቲ ዓሳ" ይዅን ካልእ፣ የመናውያን ይዅን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም እትኣስር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝጥቀስ ዘሎ ጉዳይ ግን ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን።
እቲ ኮምሽን፡ እቲ መጥቃዕቲ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ልዕሊ ከለላ ዝግብኦም ኣብ ዝዀነ ይዅን ተጻብኦታት ተሳትፎ ዘይብሎም ስቪላውያን ዘነጻጸረ ምዃኑ ይኸስስ።
ብተወሳኺ፡ በቲ ዝተፈጸመ ኵነታት ሰበስልጣን ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ተሓተትቲ ንክዀኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ የመን ዝፈጸምዎ ገበናትን ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነትን ብናጻ ወገን ክምርመር እቲ ኮምሽን ጸዊዑ።
ኣብዚ መወዳእታ እዋናት፡ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ጉዳይ ኣዛራቢ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ምስኡ ተተሓሒዙ፡ ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ ዜጋታት ኣዘርባዣንን ስሪላንካን ንምፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ'ውን ይዝከር።
ኣብ መንጎ ሰበስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኣዘርባዣንን ድሕሪ ዝተገብረ ነዊሕ ዝርርብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት፡ እቶም 18 ኣዘርባዣናውያን፤ ስዒቡ'ውን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ 6 ስሪላንካውያን ተለቒቖም ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ ተገሊጹ ነይሩ።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እዘን መራኸብ ኰነ ምስአን ዝተኣስሩ ሰባት ዝሃቦ መግለጺ የሎን፣ እንተዀነ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ገማግም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዘይተበከለን ብዙሕን ሃብታምን ስነይህወታዊ ብዙሕነት ዝሓቘፈ ተጠማቲ ብምዃኑ፡ "ከምዚ ዝበለ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ብቐጻሊ ዝረኣዮ እዩ፡" ይበሃል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







