ታይሮን ሚንግስ፡ ካብ ምትእንጋድ መስተ ናብ ተጻወታይ ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ

ታይሮን ሚንግስ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ተፈላጥነት ቅድሚ ምርካቡ ኣብ እንዳመስተ ብኣሳሳይነት ሰሪሑ'ዩ። ደላሊ ኮይኑ'ውን ገዛውቲ ኣሻይጡ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ፕሪምየርሊግን እንግሊዝ ይጻወት።
ቅድሚ 10 ዓመት ጋንታ ሳውዝኣምተን ነብሱ ደቂቕ ከምዝኾነ ብምግላጽ ከይተቐበልዎ ተሪፎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ተሰሊፉ ይጻወት።
ታይሮን ሚንግስ ኣብቶም 10 ዓመታት ብዙሕ ፈተናት ሰጊሩ እዩ። ኣብ እንዳመስተ ብኣሳሳይነት (መተኣናጋዲ ኮይኑ) ሰሪሑ። 100 ፓውንድ እትግመት መኪና እናዘወረ ሰባት ካብ ባንኪ ልቓሕ ንኽወስዱ ደላላይ ኮይኑ ኣስማዕሚዑ።
ኤፕስዊች ታውን ንእትበሃል ጋንታ ንምጽዋት፡ ዘይሓመመ ከሎ 'ሓሚመ' ብዝብል ካብ ስራሕ ተሪፉ ብዝብል ተቐጺዑ እዩ።
ፈተናን ዕድልን!
ሚንግስ ካብ በርንማውዝ'ዩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝስለፈላ ጋንታ ኣስቶንቪላ ብልቓሕ ዝውውር መጺኡ። እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ኣይከበዶን።
195 ሴንቲ ሜትሮ [1 ሜትሮን 95 ሴንቲ ሜትርን] ቁመት ዘለዎ እዚ ተጻዋቲ ክፍሊ ምክልኻል፡ ብዙሓት ኩዓሳሱ ሸቶ ካብ ምዃን ብምድሓን ኣብ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ'ሎ።
ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት መሓዝኡ ዝነበረ ኣሌክስ ኦክስሌድ ቻምበርለይ ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ጋንታታት ንምጽዋት ዕድል ክረክብ ከሎ፡ ንሚንግስ ግን ጋንታታት 'ኣይተድልየናን' እናበላ ሰኒየንኦ እየን።
ብሪስተን ሮቨርስ ዝተበሃለት ጋንታ ምስ ኣባረረቶ ናብ ዝተመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ክጻወት ጀሚሩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ እንዳመስተ ተቖጺሩ ብኣሳሳይነት ይሰርሕ ነይሩ።
ጋንታ ኤፕሲዊች ታውን ንፈተነ ብዝብል እንተወሰደቶ'ኳ፡ ኣሰልጣኒ'ታ ጋንታ ምስ ዝነበረ ሚክ ማካርቲ ክሰማማዕ ኣይከኣለን።
ይኹንደኣ'ምበር ብኽእለቱ ስለዝተሰሓበ ን18 ኣዋርሕ ኣፈረሞ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ቅድሚ 6 ዓመት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, CORSHAM TOWN
ብድሕሪ ፊርማ ንመጀመርታ ግዜ ንኤፕስዊች ተሰሊፉ ክጻወት በቒዑ። ግን ከኣ ኣብ ብዙሕ ጸዋታታት ተሰሊፉ ክጻወት ዕድል ኣይረኸበን።
ኣብቲ ሽዑ እዋን 'ንምንታይ ዘይተጻወትኩ?' እናበለ ምስ ኣሰልጠንቲ ናብ ጎንጺ ይኣትው ምንባሩ ደቂ ጋንትኡ ይዛረቡ።
ብ2015 ንጋንታ በርንማውዝ ብ8 ሚልዮን ፓውንድ ፈሪሙ። ኣብ ናይ መጀመርታ ጸዋትኡ ገና 6 ደቒቓ ምስተጻወተ ጉድኣት ስለዘጋጠሞ ወጺኡ። ን17 ኣዋርሕ ዝኾነ ዓይነት ጸዋታ ክገብር ኣይከኣለን።
ሽዑ በርንማውዝ ናብ ኣስቶንቪላ ብልቓሕ ኣሕሊፋ ኣሰጋጊራቶ። ቪላ ናብ ፕሪምየርሊግ ንኽትመጽእ ሚንግስ ዝለዓለ እጃም ነይርዎ። በዚ ምኽንያት ብቐዋምነት ክፍርም ዕድል ረኺቡ።
ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ
ሚንግስ ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ተሰሊፉ ክጻወት ድልየት ከምዘለዎን ሕልሙ ከምዝኾነን ንብዙሓት መሓዙቱ ይዛረብ ነይሩ።
ሕልሙ ጋህዲ ኮይኑ ድማ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ክጻወት ተመሪጹ። ሎሚ ምሸት ምስ ኮሶቮ ኣብ እተካይዶ ግጥም ከኣ ክስለፍ ትጽቢት ይግበር።
'ኣይተድልየንን' ዝበለቶ ጋንታ ሳውዝኣምተን ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊኣ ብዙሕ ሸቶታት ተቖጺሩ'ዩ። ኣብ ደረጃ ፕሪምየርሊግ ድማ መበል 19 ትርከብ።
እተን ካልኦት ከም ሳውዝኣምተን 'ኣይተድልየናን!' ብዝብል ዘፋነውኦ ጋንታታት ይጠዓሳ'ዶ ይኾና? ዝብል ሕቶ ብዙሓት የልዕሉ። ሚንግስ ግን ኣብ ውሽጡ ጣዕሳን ቂምን ከምዘየለ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







