ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ መርበብ መሲሎም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ግሪክ ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Police handout
10 ስደተኛታት፡ ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ መርበብ መሲሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስዊዘርላንድ ዝጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ብፖሊስ ግሪክ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቴንስ ተታሒዞም።
እቶም ስደተኛታት፡ ምሉእ ናይ ስፖርተኛታት ክዳን ተኸዲኖም፤ ክልተ ኳዓሳሱ መርበብን ሒዞም'ዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
እቶም ዜጋታት ሶርያ ከም ዝኾኑ ዝግመት መናእሰይ፡ ዘይናቶም ፓስፖርት ብምሓዝ ዝጓዓዙ ምንባሮም ፖሊስ ኣቴንስ ሓቢሩ።
ዝዓበየት ከተማ ስዊዘርላንድ ናብ ዝኾነት ዙሪክ ይኸዱ ምንባሮም ይእመን።
ግሪክ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክበጽሑ ዝሓስቡ ብዙሓት ስደተኛታት ከም መሰጋገሪት ዝጥቀሙላ ሃገር'ያ።
መንግስቲ'ታ ሃገር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ሌስቦስ፣ ኮስን ሳሞስን ዝበሃላ ዝርከብአን ዝተፈላለያ ደሴታት ግሪክ፡ ብበዝሒ ስደተኛታት ኣዕለቕሊቐን ይርከባ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







