ሬሳ ሮበርት ሙጋበ ካብ ሲንጋፓር ናብ ዚምባብወ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሬሳ ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ካብታ ንሕክምና ዝኸደላ ሃገር ሲንጋፓር ናብ ዚምባብወ ኣትዩ።
ሮበርት ሙጋበ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሲንጋፓር ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዓሪፉ።
ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ወግዓዊ ስነስርዓት ምፍናው ምስ ተገብረሉ፡ ሰንበት ሓመድ ኣዳም ክለብስ ምዃኑ ተፈሊቱ።
እንተኾነ ግን፡ ኣበይ ከም ዝቕበር ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ሬሳ እቲ ንዚምባበወ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሓ ሙጋበ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ'ዩ፡ ኣብቲ ብስሙ ዝጽዋዕ ማዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ኣትዩ።
ቁጽሪ ሰሌዳአን "ኣር ጂ ሙጋበ" (ሮበርት ጋብሪኤል ሙጋበ) ዝተጻሕፎ ቃፍላይ መካይን ኣብ ጎኒ መዕለቢ ነፈርቲ ተራእየን።
እኩባት ደገፍቱ፡ ገሊኦም ምስሊ ሮበርት ሙጋበ ዝተሓትሞ ማልያታት ዝገበሩ፡ ንምምጻእ ሬሳኡ ይጽበዩ ነይሮም።
ብዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፡ ግሬስ ሙጋበ፡ እውን ኣብታ ንዕኡ ተባሂላ ዝተኻረየት ነፋሪት ከም ዝነበረት፡ ወዲ ሓፍቱ ሊዮ ሙጋበ ተዛሪቡ።
ሬሳ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ናብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሃራሪ ዝርከብ ብ"ሰማያዊ ናሕሲ" ዝፍለጥ መንበሪ ገዝኡ ተወሲዱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ናይ ቀዳም ስነስርዓት ኣብቲ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ዝሕዝ ሃገራዊ ስታድዮም ስፓርት ክፍጸም'ዩ።
መንግስቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ ስለ'ቲ ሮበርት ሙጋበ ንናጽነት እታ ሃገር ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ሃገራዊ ሓርበኛ ምዃኑ ኣዊጁ'ሎ።
ሮበርት ሙጋበ፡ ከምቲ ብሂወት እንከሎ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ሞቱ ዝድግፍዎን ዝነቕፍዎን ኣይሰኣነን።
ዚምባብወ ኣብ 1980 ናጽነታ ምስ ረኸበት ሮበርት ሙጋበ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመሪጹ።
ዚምባብወ ካብ ዓሌታዊ መግዛእቲ ናይቲ ብኢያን ስሚዝ ዝምራሕ ናይ ጻዓዱ መንግስቲ'ያ ናጽነታ ረኺባ።
እታ ኣቐዲማ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ዚምባብወ፡ እቶም ሰፋሮ ጸዓዱ ካብ ብሪጣንያ ብምንጻር ንዚምባበወ "ሮደዥያ" ዝብል ኣጠሚቖም ናጽነቶም ኣዊጆም ምንባሮም ይፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







