ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዓሪፉ

ሮበርት ሙጋቤ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፡ ኣብ መበል 95 ዕድሚኡ ዓሪፉ። ንሱ ብምኽንያት ሕማም ከም ዝሞተ ስድርኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ሮበርት ሙጋበ ንኣስታት 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017፡ ብዕልዋ መንግስቲ'ዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ሚኒሰተር ትምህርቲ ዚምባብዌ ''መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ሮበርት ሙጋበ'' ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ሙጋበ፡ እታ ሃገር ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ 1980 ኣትሒዙ'ዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። 21 ለካቲት 1924 ኣብቲ ሸዑ ሮደሽያ ትበሃል ዝነበረት ዚምባብዌ እዩ ተወሊዱ።

ኣብቲ እዋን ንዚምባብዌ ዝገዝእ ንዝነበረ መንግስቲ ሮደሽያ ብምንቃፉ ድማ፤ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ።

ሙጋበ ኣብ 1973 ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ እዩ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ክኸውን ተመሪጹ።

ኣገደስቲ ዕለታት ኣብ ህይወት ሙጋበ

  • 1924: ተወሊዱ
  • ከም መምህር ኮይኑ ስልጢኑ
  • 1964: ብመንግስቲ ሮደሽያ ተኣሲሩ
  • 1980: ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተዓዊቱ
  • 1996: ንግረስ ማሩፉ ተመርዕዩ
  • 2000: ኣብ ረፈረንደም ተሳዒሩ፡ ሚሊሻ ደገፍቲ ሙጋበ ብጸዓዱ ዝውነን ሕርሻ ወሪሮም። ንደገፍቲ ንቃወምቲ ከጥቕዑ ጀሚሮም
  • 2008: ኣብ ቀዳማይ እብረ ምርጫ ዚምባብዌ ብሻንገራይ ምስ ተበለጸ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ደገፍቲ ሻንገራይ መጥቃዕቲ ወሪድዎም
  • 2009: ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ውድቀት፤ ሻንገራይ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመዚዙ
  • 2017: ንነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ዝነበረ ኢመረሰን ምናንጋግዋ ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ።
  • ሕዳር 2017: ሰራዊት ጣልቃ ብምእታው ካብ ስልጣኑ ብሓይሊ ተኣልዩ
መግለጺ ቪድዮ, ሮበርት ሙጋቤ መን እዮም? ጅግና'ዶስ ግዕዙይ መላኺ?