ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካህናት ክምርዓዉ ከተፍቅድ`ዶ ትኸውን?

ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቦሊቪያ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ጎባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ቁጽሪ ካህናት ኣብ ርሑቕ ዞባታት ንምዕባይ ነቲ ምነና(ብሕትውና ወይ ካህናት ከይምርዓዉ ዝኽልክል ጥንታዊ ሕጊ ክዝትየሉ`ዩ። እዚ ግን ንጳጳስ ፍራንሲስ ድሮ ኣሿኽ ዛዕባ ኮይኑዎም ኣሎ።

እታ ኣብ ኣማዞኒያ ግዝኣት ፓራ እትርከብ ዢንሁ ሓንቲ ካብተን ኣብ ብራዚል ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስቲያናት`ያ። ስፍሓታ 365 ሽሕ ክኸውን እንከሎ 70 ሚእታዊት ካብ`ቶም 576 ሽሕ ነበርታ ድማ ኣመንቲ ሃይማኖት ካቶሊክ`ዮም።

እንተኾነ ግን ካብ 30 ዝውሕዱ ካህናት ጥራይ`ዮም ዘለዉዋ። እዚ ማለት ድማ ገለ ማሕበረ-ሰባት ነቶም ዝተመደብሎም ካህናት ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ጥራይ`ዮም ዝረኽብዎም።

ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንዘሎ ዋሕዲ ካህናት ንምርዑዋት ሰብኡት ማዕርግ ክህነት ብምሃብ ንምፍትሑ ኣብ ውሽጢ`ታ ቤተክርስትያን ንዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዢንሁ ትንተናዊ ምርምር [case satudy] ኮይና`ላ። እዚ ግን ኣንጻር`ቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ካቶሊካዊ ሕጊ ዘይምምርዓው`ዩ።

እዚ ኣካታዒ እማመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝወጸ ሓደ መበገሲ ጽሑፍ ናይ`ታ ቤተክርስቲያን ሰፊሩ ይርከብ፡ ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየድ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ ክዝተየሉ`ዩ።

እታ ቤተክርስትያን ምርዑዋት ካህናት ክትቅበል ፈለማያ ኣይኮነን። ኣብ ዓመተ 2009 ቤተክርስትያ እንግሊዝ ንደቂ ኣንስትዮን ንሶዶመኛታት ሰብኡትን ማዕረግ ጵጵስና ብምሃባ ገዲፎማ ንዝወጹ ውሉደ-ክህነት ልዳታ ከፊታ`ያ።

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ካህናት`ውን ክምርዓዉ ይኽእሉ`ዮም።

እዛ ናይ ኣማዞን ሲኖዶስ ግን ኣብ ሰረተ-እምነት ወይ ኣስተምህሮ ካቶሊክ ዓቢ ለውጢ ከተምጽእ ትኽእል`ያ።

ኣይፋል ን"ዘይግዴታዊ ምነና/ብሕትውና"

እዚ ግን ሓንቲ ኣብ እዋን ስልጣን/ሓላፍነት ጳጳስ ፍራንሲስ ካብ ዝተላዕሉ ኣዝዮም ኣካታዕቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ከምእትኸውን ኣሚታ`ላ።

ፓፕ ፍራንሲስ ኣብ ጣልያን ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ሃይማኖታዊ ስርዓት እናፈጸሙ P

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ቤተክርስትያን ለውጢ ንምምጽእ ዝቃለሱ ናይ ለውጢ መራሒ'ዶ ይኾኑ?

እዚ ኣብ 2013 ላዕለዋይ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተሸመ ጳጳስ ፍራንሲስ ድሮ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያናት ዘገልግል ፍሉይ መመሓደሪ ሕጊ ንኽህሉ ድሌቱ ገሊጹ`ሎ። ነቲ ''ዘይግዴታዊ ብሕትውና'' ዝበሎ ሓፈሻዊ መመሓደሪ ሕጊ ግን ኣትሪሩ ነጺግዎ`ዩ።

"ናተይ ውሳነ፡ ኣይፋል ንዘይግዴታዊ ብሕትውና" ኢሉ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

"እዚ ኣይገብሮን`የ። ከምዚ ዓይነት ውሳነ ሒዘ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቐርብ ዝኽእል ኣይመስለንን" ኢሉ ንሱ።

እቲ እማመ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዘርጊሑ ኣብ ቫቲካን ዝዘውር ዘሎ እማመ "ነቲ ሃይማኖታዊ ህይወት ዘሰንዩ ጽምብል/ቡራኬ ንምዕቃብ ክከኣል ምእንቲ፡ ንውሑዳት ብዕድመ ዝደፍኡን ብሕብረተ-ሰቦም ቅቡላትን ክቡራትን ዝኾኑ ሰብኡት ጥራይ መዓረግ ክህነት ክወሃብ ይብል፡ ዋላ'ውን ድሮ ተመርዕዮም ሓዳር ዝመስረቱ እንተኾኑ" ይብል።

እታ ቤተክርስትያን ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰብኡት viri probati [ቪሪ ፕሮባቲ] ኢላ ትጽውዖም፡ ትርጉሙ ድማ ዝተመስከረ ጭውነት/ውርዝይና ዘለዎም ምርዑዋት ሰብኡት እዩ።

ጫካ ኣማዞን ናይ ዓለምና ዝሰፍሐ ጫካ ኮይኑ ንሃገራት ብራዚል፣ ኤኳዶር፣ ቬንዙዌላ፣ ሱሪናም፣ ፔሩ፣ ኮሎምቢያ፣ ቦሊቪያ፣ ጉያናን ፍሬንች ጉያንን ዝትንክፍ 7.5 ሚልዮን ስኴር ኪሎሜተር ስፍሓት ድማ ኣለዎ።

መብዛሕትኦም ኣመንቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊ ክርስትና ዝኾነ ልዕሊ 30 ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ይነብርዎ።

ናብ ርሑቕ ቦታታት ንምኻድ ብጀልባ ክትጓዓዝ ዘገድድ ዓቢ ናይ መጓዓዝያ ብድሆ ዝበዝሖ ቦታ`ዩ ድማ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዲያቆናት ከም ጥምቀት ዝኣመሰሉ ወግዒ/ስርዓት ክፍጽሙ/ከካይዱ`ኳ እንተኣፍቀደት፡ ቅዱስ ቁርባንን ንስሓን ግን ብካህናት ጥራይ`ዩ ዝፍጸም።

እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕግታት/ስርዓታት ኣብ ሃይማኖት ከንሻ የለዉን። በዚ ምኽንያት ድማ`ዩ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ዞባ ኣማዞን ናይ ብራዚል እናዓበያ ዝመጻ ዘለዋ። ብመሰረት ሃገራዊ ጸብጻብ ህዝቢ፡ ኣብ መንጎ 2000ን 2010ን ጥራይ እቲ ቁጽሪ ካብ 19.8 ሚእታዊ ናብ 30 ሚእታዊ ዓሪጉ።

"ብሕትውና ከብቅዕ ኣይኮንናን ንእምም ዘለና። እቶም ከም ምሃብ ቅዱስ ቁርባን ዝኣመሰሉ ስርዓታት ብዝመነኑ/ባሕታውያን ጥራይ ክበሓቱ የብሎምን ኢልና ኢና ንምጉት ዘለና" ኢሉ ምስጉን ጳጳስ ዢንሁ ኤርዊን ካውትለር ብመንገዲ ኤሜል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ጥንታዊ ልምዲ

"ብሰንኪ ሕጽረት ካህናት ይግለላ ንዘለዋ ሕብረተ-ሰባት ኢና ንሟጎተለን ዘለና። ዝኾነ ክምንን/ክብሕትው ዝደሊ ሰብ ከምኡ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎ። ብዙሓት ከምኡ ዓይነት ህይወት ክነብሩ ዝደልዩ ኣለዉ፡ በቲ ህይወት`ቲ ድማ ሕጉሳት`ዮም" ይብል ካውትለር።

ብሕትውና ግን ኣብ ቤተክርስቲያን ሮማን ካቶሊክ ወትሩ ልሙድ ኮይኑ ኣይጸንሐን። እቲ ናይ ፈለማ ጳጳስ ጴጥሮስ ምርዑው`ዩ ነይሩ። ካልኦት ሃዋሪያት`ውን ከምኡ። ክሳብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ድማ ብሕትውና ከም ሕጊ ኣይተኣታተወን ነይሩ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብሕትውና ምሉእ ትውፊት`ቶም ካህናት ንምርግጋጽ`ኳ እንተኾነ፡ ካልእ ጥቕሚ ብሕትውና ድማ እቲ ካህን ኣብ ህይወቱ ምሉእ ንዘጥረዮ ሃብቲ ውርሻ እትሓትት ሰበይቲ ወይ ዝሓቱ ቆልዑ ስለዘይህልውዎ እታ ቤተክርስቲያን ብሕታዊት ወራሲት`ቲ ሃብቲ ናይ`ቲ ካህን ትኸውን።

እቲ ናይ ሕጂ እማመ ንዞባ ኣማዞን ጥራይ ዝምልከት`ኳ እንተኾነ፡ እንተተዓዊቱ ግን ናብ ካልእ ዞባታት ምስፍሕፍሑ ኣይተርፍን`ዩ። እንተኾነ ግን እቲ እማመ ሓያል ተቓውሞ ናይ ጳጳሳት ገጢምዎ ብምህላዉ ነቶም ኣንጻር ገስገስቲ ኣረኣእያታት ጳጳስ ፍራንሲስ ክስምዑ ዝጸንሑ ቅሬታታት ከጋድድዎ ይኽእሉ`ዮም።

ኣብ ምሉእ ዓለም ዘጋጠመ ዋሕዲ

"እቶም ዓቃባውያን ጉጅለታት ነዚ [እማመ] ኣይክፈትውዎን`ዮም" ብዛዕባ ጳጳስ ፍራንሲስ ክልተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኣብ ጉዳያት ቫቲካን ክኢላ ዝኾነ ኣውስቲን ኢቨረይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ።

ሊቀ-ጳጳስ ሮክ ፓሎሺ ናይ ፖርቶ ቬሎ ናይ ብራዚላዊ ኣማዞን ግን ምፍኳስ`ቶም ሕግታት ነታ ቤትክርስትያን ኣገዳሲ`ዩ ይብል።

"ውሽጣዊ ሽግራትና ዕሽሽ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ይብል ንሱ፡ ነቶም 47 ካህናት ጥራይ ዘለውዎም 950 ሽሕ ነበርቲ ፖርቶ ቬሎ ኣብ ግምት ብምእታው።

"ሓንቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝያ ህልውቲ ዝኾነት ቤተክርስትያን በጻሒት ካብ ምዃን ደው ናይ ምባል ኣድላይነት ኣሎ" ድማ ይብል።

ብጾቱ ነቲ ለውጢ ይቕበልዎ ድዮም ኣይቅበልዎን ካልእ ሕቶ`ዩ። ዋሕዲ ካህናት ግን ሽግር ናይ ኣብ ርሑቕ ዞባታት ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያናት ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ወግዓውያን ናይ ቫቲካን መረዳእታ ዝተመርኮሱ ኣሃዛት ናይ ጆርጅታውን ዩኒቨርሲቲ ከምዘመልክቶ ግን ኣብ ምሉእ ዓለም ናይ ዘለዉ ቁጽሪ ካህናት ካብ 1970 ጀሚሩ ካብ 400,000 ቁሩብ ልዕል ኢሉ ደስኪሉ ይርከብ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ቁጽሪ ብዝሒ ተኸተልቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓለምና ካብ 653.6 ሚሊዮን ናብ 1.3 ቢሊዮን ዓሪጉ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካህናት ክምርዓዉ ከተፍቅድ`ዶ ትኸውን?