ጋረት ክሩክስ፡ ናይ መሉእ ዓመት ዝበለጸት ጋንታ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ

ዝበለጸት ጋንታ ካሪዝ ክሩክስ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ማንቸስተር ሲቲ ንብራይቶን 4 ን 1 ብምስዓር፡ ኣከታቲላ ንኻልኣይ ዓመት ንዘውዲ ፕሪሜርሊግ 2018/2019 ተዓዊታትሉ።

ካልኣይቲ ኮይና ውድድራ ዝዛዘመት ሊቨርፑል፡ ዋላ እኳ ንዎልቭዝ 2 ን 0 ትስዓራ፡ ዕውትቲ ፕሪሜርሊግ ንኽትከውን ማንቸስተር ሲቲ ክትስዓር ስለ ዝነበራ ክሰልጣ ኣይክኣለን።

ቸልስን ቶተንሃምን ሳልሰይትን ራብዓይትን ኮይነን ውድድረን ብምዝዛመን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ቻምፕዮን ክለባት ኣውሮጳ ተሳትፎአን ከረጋግጻ ክኢለን ኣለዋ።

ኣብዚ ትማሊ ሰንበት ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር፡ ካርዲፍ፣ ፉልሃምን ሀደርስፊልድን ናብ ድሕሪት ዝተመልሳ ክለባት ኮይነን ኣለዋ።

ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ጋረት ክሩክስ ኣብዚ፡ ካብ ኩለን ክለባት ኣኣብ ቦትኦም ብሉጽት ዝነበሩ ዝበሎም ሓርዩ ሓንቲ ጋንታ ኣቑሙ ኣሎ።

ሓላዊ ልዳት - ኢደርሶን ( ማንቸስተር ሲቲ )

ኢደርሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢደርሰን: ኢደርሰን ናብ ክለብ ማንቸስተር ሲት ኣብ ዝተጸንበረሉ፡ ፐፐ ጓርድዮላ ሓላዊ ልዳቱ ብኢዱን ብእግሩን ጽቡቕ ዝጻወት ክኸውን ከም ዝመርጽ ርዱእ'ዩ ነይሩ።

ኢደርሰን ኣብ ዕስራ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ናይዚ ዓመት ሸቶ ከይተመዝገቦ ብምውድኡ'ዩ ኣብ ዓይኒ ጋረት ክሩክስ ኣትዩ።

ተኸላኸልቲ -ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ( ሊቨርፑል)፡ ቨርቫን ዳይክ (ሊቨርፑል)፡ ኣንቶንዮ ሮዲገር ( ቸልሲ )፡ ኣንድሬው ሮበርትሶን (ሊቨርፑል)

ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ፡ ቨርጊል ዳን፡ ኣንቶንዮ ሮዲገር፡ ኣንድሬው ሮበርትሶን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ:ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ፡ ኣብዚ ዓመት ዘርኣዮ ብቕዓት'ዩ ኣብዛ ዝበለጸት ጋንታ ናይዚ ዓመት ከሕርዮ ዝኽኣለ።

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ርእሰ ተኣማምነቱ እናዕበየ ዝኸይድ ዘሎ ወዲ 18 ዓመት ድንቂ ተጻዋታይ፡ ኣብ ልዕሊ ባርሴሎና ዝተመዝገበት ራብዓይቲ ሸቶ፡ ካብ ኩርናዕ ዘቐበላ መዐንዘዚት ቅላዕ ንባርሲሎና ኣፍ ዘትሓዘት እያ ነይራ።

እዚ ኣብዚ ናይሎሚ ዓመት ወድድር ፕሪመይር ሊግ 12 ውዱኣት ኮዓሳሱ ዘቐበለ ተጻዋታይ፡ ካብ ኩሎም ተኸላኸልቲ ፕሪሜይር ሊግ ጸብለል ከብሎ ዝኽእል እዩ።

ቨርቫን ዳይክ: እዚ ኣብ መስመር ምክልካል ሊቨርፑል ዝጻወት ተጻዋታይ፡ ኣብታ ሰሙናዊ እትሕረ ጋንታ ፕሪመይር ሊግ ዝበዝሐ ዝተሓርየ ተጻዋታይ እዩ።

ቨርጊል ዳን ካብ ዘቐበለን 243 ኮዓሳሱ እተን 182 ናብ ግቡእ ቦትአን ይበጽሓ ምንባረን ከኣ ንብቅዓቱ እኹል ምስክር እዩ።

ኣንቶንዮ ሮዲገር: እዚ ኣብ ምክልኻል ንቸልሲ ገጥ ኣቢሉ ዝሓዛ ኣንቶንዮ ሮዲገር፡ ብመጉዳእቲ ኣብ ዘይስለፈሉ ቸልሲ ክሽገሩ ተራእዮም እዮም፡ ኣንቶንዮ ሮዲገር ናብ ደቂ ጋንትኡ ካብ ዝልኣኸን ኵዓሳሱ እቲ 91.5% ኣብ ግቡእ ቦትአን ይዓልባ ነይረን። እዚ ክኣ ንጽፉፍነቱን ንብቕዓቱን ዘርኢ እዩ።

ኣንድሬው ሮበርትሶን: እዚ ካብ ቅደሚት ናብ ድሕሪት እናሻብ ክመላለስ ክምህ ዘይብል ተኸላኻላይ ኣብ ዝበለጸት ጋንታ ናይዚ ዓመት ክትሓርዮ ዓይኒ ዘየሕሲ እዩ።

እዚ ተወላዲ ስኮትላንድ ዝኾነ ተኸላኻላይ፡ ምስ ሊቨርፑል ኮይኑ ካብ ድሕሪት ኮይኑ 47 ኵዓሳሱ ናብ መልሰ መጥቃዕቲ ዝልኣኸ ተኸላኻላይ እዩ።

ኣከፋፈልቲ - ቤርናንዶ ሲልቫ ( ማን-ሲቲ) ፡ ፈርናንዲኖ ( ማን- ሲቲ )፡ ኤደን ሃዛርድ (ቸልሲ)

ቤርናንዶ ሲልቫ፡ ፈርናንዲኖ፡ ኤደን ሃዛርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤርናንዶ ሲልቫ: መጉዳእቲ ኬቨን ዲ ብሩይንን ያያ ቶረ ካብ ማንሲቲ ምውጽኡን ንሓደ ተጻዋታይ ግልቡብ ምርቓ እዩ ነይሩ፡ ከም ወርቂ ክኣ ኣብረቕሪቑ፡ ቤርናንዶ ሲልቫ። እዚ ኣብ ማእክል ሜዳ ዝጋልብ ቤርናንዶ ሲልቫ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝገበርዎ ጸወታ ኣብ ውሽጢ 90 ደቓይቕ 13.7 ኩሎ ሜትር ክጎዪ ብምኽኣሉ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ዝለዓለ ርሕቐት ዝሸፈን ክኸውን ክኢሉ'ዩ።

ፈርናንዲኖ: . ኣብዚ ዓመተ ውድድር ማን ሲቲ ኣብ ፈተና ኣብ እትህልውሉ ኣለኹልኪ ኢሉ ካብ ጉድ ዘውጽኣ ፈርናንዲኖ'ዩ ንምባል ዘድፍር ብቕዓት ዘርኣየ ተከላኻላይ እዩ።

እዚ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ንፕሪሜይር ሊግ ጽቡቕ ገይሩ ክርዕሞ ግዜ ኣይወሰደሉን፡ 57 ኮዓሳሱ ካብ መጋጥምቱ ክምንጥል እንከሎ፡ 41 ኩዓሳሱ ኣቐቢሉ እዩ።

ኤደን ሃዛርድ:ቸልሲ ብዘይ ኤደን ሃዛርድ ካብዚ ዘላቶ ወጻኢ ምኾነት፡ ኣይ ንጽቡቅን ግን ንኹፍእ ድኣ፡ እዚ ናብ ረያል ማድሪት ክሰጋገር'ዩ ዝብሃለሉ ዘሎ ቤልጂማዊ ተኸላኻላይ፡ ናብ ርያል ማድሪድ እንተሰጊሩ ቸልሲ መተካእትኡ ንኽትረክብ ክትሽገር እያ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጸወታ 16 ሸቶታት ዘመዝገበ ኤደን ሃዛርድ 15 ውዱኣት ኮዓሳሱ ኣቐቢሉ።

ኣጥቓዕቲ - ሪሃም ስተርሊንግ (ማብ-ሲቲ)፡ ሰርጅዮ ኣጉየሮ (ማን-ሲቲ)፡ ሳድዮ ማነ (ሊቨርፑል)

ሪሃም ስተርሊንግ፡ ሰርጅዮ ኣጉየሮ፡ ሳድዮ ማነ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሪሃም ስተርሊንግ:እዚ ካብ ጸወታ ናብ ጸወታ ክእለቱ እናኣበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ተጻዋታይ፡ ሓደ ካብ ተጠመትቲ ማን ሲትን ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝን እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጸወታ 17 ሸቶታት ዘመዝገበ ሪሃም ስተርሊንግ 10 ውዱኣት ኮዓሳሱ ከቐብል ክኢሉ እዩ።

ሰርጅዮ ኣጉየሮ: እዚ ኣብ ኩሉ ግጥማት ኣብዚ ዓመት ጥራይ 32 ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ፡ ሰርጅዮ ኣጉየሮ ኣብ ዘለወሉ ጸወታ ማን ሲቲ ጸወታኣ ብጽቡቕ'ያ ትቕልሶ፡ እዚ ኣብ ማን ሲቲ ዝልዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኮይኑ ዘሎ ተጻዋታይ ኣብ ዝበለጸተ ጋንታ ምስፋሩ ዝቐለለ እዩ።

ሳድዮ ማነ: ሊቨርፑል ብመጉዳእቲ ሮበርቶ ፈርሚኖን ሞሓመድ ሳላሕን ተሪር ዝኾነ ወቕቲ'ያ ኣሕሊፋ፡ ሴኔጋላዊ ሳድዮ ማነ ምንባሩ ግን ካብ ምዓት'ዩ ገላጊልዋ።

ሳድዮ ማነ፡ ኣብዚ ዓመት ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣብ ዝገበረቶ ግጥማት 18 ሸቶታት ኣብ ፕሪመይር ሊግ ምምዝጋቡ መርኣያ ብቕዓቱ እዩ። ናብ መዛዘሚ ግጥም ቻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፋ ዘላ ሊቨርፑል ክትዕወት እንተኾይና ማነ ጽቡቕ ክውዕል ኣለዎ።

መግለጺ ቪድዮ, ጽጋቡ ብሕታዊ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ዝተጸምበረ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ።