ሆንግ ኮንግ፡ ኣባላት ቤትምኽሪ ንሓድሕዶም ተዋቒዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባላት ቤት-ምኽሪ ሆንግ ኮንግ: ብገበን ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ንቻይና ንክወሃቡ ዝፈቅድ ሕጊ ንክቕየር፡ ኣብ ዝተገበረ ክትዕ ብዘይምስምዖም፡ ንሓድሕዶም ተዋቒዖም፤ ብዙሓት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ተጎዲኦም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
እቲ ውጥረት ካብ ዝጅምር መዓልትታት እኳ እንተገበረ፡ ብቐዳም ፖለቲከኛታት ምፅራፍን ካብ ጠረጴዛ ናብ ጠረጴዛ ምዝላልን ምስ ጀመሩ እዩ፡ ኣዝዩ ተጋዲዱ።
ሆንግ ኮንግ ብመሰረት ፖሊሲ 'ዋን ካንትሪ ቱ ሲስተም' (ሓንቲ ሃገር ክልተ ስርዓት)፡ ካብ ቻይና ዝተፈለየ ሕጊ ዘለዋ ግዝኣት እያ።
ቻይና፡ ከም ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን ብ1997 እያ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ንሆንግ ኮንግ ተረኪባታ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ግዝኣት ብዘይካ ሰራዊት ምክልኻል፡ ርእሳ ዝኸኣለት ግዝኣት ኮይና ን50 ዓመታት ንክትቕፅል ድማ ተሰማሚዓ ነይራ።
ይኹን'ምበር ፈታዊት መንግስቲ ቤይጂንግ ምዃነን ዝንገረለን ፖለቲከኛ ኬሪላም፡ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ ገበን ዝፈፀሙ ውልቀሰባት ከከም ጉዳዮም ናብ ታይዋን፣ ቻይናን ማካውን ክወሃቡ ዝፈቅድ ሕጊ ኣቕሪበን።
ወዲ 19 ዓመት ወዲ ሆንግ ኮንግን ነብሰጾር በዓልቲቤቱን፡ ኣብ ታይዋን እናተዘናግዑ እንከለዉ፡ ንኣፍቃሪቱ ብምቕታሉ፡ እዘን ፖለቲከኛ ነዚ ሕጊ ከውፅኣ ምኽንያት ኮይኑወን እዩ።
ኣብቲ እዋን ዋላ እኳ ታይዋን ነቲ ተጠርጣሪ ኣሕሊፋ ንምሃብ እንተደለየት፡ ሰብ መዚ ሆንግ ኮንግ ግና ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ክትህብ ዝገብር ውዕል ብዘይምንባሩ ፍቓደኛታት እንተይኮኑ ተሪፈም።
ሰብ ሞያ ሕጊ ግና እዚ ተጠርጠርቲ ኣሕሊፍካ ዝህብ ሕጊ ምቕያር፡ ነፃነት ሆንግ ኮንግ ዝግህስ እዩ ብምባል ይኹንንዎ።
ኣብ ሆንግኮንግ ነዚ ረቒቕ ሕጊ ብምቅዋም ህዝባዊ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ ነይሩ።
ብቅትለት ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት፡ ናብ ታይዋን ንምውሳድ እዚ ሕጊ ምልዋጥ ከምዘድለየ፡ ሰብመዚ ይገልፁ።
ደጋፊ ቤይጂንግ ዝኾኑ ሓደ ፖለቲከኛ ግና፡ "መዓልቲ ሓዘን ሆንግ ኮንግ እዩ" ኢሎም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







