ኣብ ቻይና ተኣሲራ ንዘላ ናዝራዊት ኣበራ ሓሺሽ ብምሃብ ዝተጠርጠረት ውልቀ-ሰብ ተታሒዛ

ምንጪ ስእሊ, free nazrawit/facebook
ኣብ ቻይና ተኣሲራ ንዘላ ናዝራዊት ኣበራ፡ 'ኮኬይን' ዝተበሃለ ሓሺሽ (ዕጸ ፋርስ) ብምሃብ ዝተጠርጠረት፡ ስምረት ካሕሳይ ዝተበሃለት ውልቀ-ሰብ፡ ሰለሞን ፀጋይ ምስ ዝበሃል መሓዝኣ ኣብ ቀይዲ ውዒላ።
ኤፍቢሲ ከም ዝፀብፀቦ፡ ፖሊስ ፌደራል ነታ መታዓብይቲ ናዝራዊት ከም ዝኾነት ዝዝረበላ ስምረት፡ ኣብ ሓሙሽተ ናይ ሻምፑ ጎማታት ዝተዓሸገ ሓሺሽ ናብ ቻይና ንኸተብጽሓላ ሂባታ ብዝብል ጠርጢሩ'ዩ ሒዝዋ ዘሎ።
ካብ ብራዚል ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣቱ ብምግባር፡ ካብኡ ድማ ናብ ቻይና ዝተለኣኸ ሓሺሽ፡ ኣብ ገዝኡ ዝተረኸቦ መሓዛ ስምረት ዝኾነ ሰለሞን ፀጋይ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ብዋና ዓቃቢ ሕጊ ዝተጣየሰ ጉጅለ ምርመራ፡ ካብ ብራዚል ናብ ኢትዮጵያ ደሓር ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዝተለኣኸ ሓሽሽን፡ ካብ መሸጥኡ ዝተረኸበ ገንዘብን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ገበናት፡ ምፅራይ ጀሚሩ'ሎ።
እቲ ጉጅለ ምርመራ፡ ናዝራዊት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ንኽትወሃብ ከም ዝሰርሕ፡ ንዋና ዓቃቢ ሕጊ ብምጥቃስ ፋና ጸብጺቡ።
ስምረት ካሕሳይ ቅድም ክብል'ውን ምስ ገበን ዝውውር ሓሺሽ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ውዒላ ብዋሕስ ወፂኣ ምንባራ ዘዘኻኸረ ፀብፃብ ፋና፡ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜ ክትተሓዝ ዝኸኣለት፡ ፖሊስ ሓድሽ መረዳእታ ብምርካቡን ቤት ፍርዲ ንኽትቕየድ ብምውሳኑን ኢዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ
ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዯጵያ፡ ንጉዳይ እታ ኣብ ቻይና ተኣሲራ ትርከብ ኢትዮጵያዊት ናዝራዊት ኣበራ ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣይተ ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ምስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ የለን" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ቻይና ኤምባሲ ኢትዮጵያን፡ ቤት ፅሕፈት ቆንስልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ቻይና ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ምግላጹ'ውን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







