ሞዛምቢክ፡ ንዘይሰርሕሉ መሃያ ዝወስዱ 30 ሽሕ ሰራሕተኛታት ረኺባ

ባንዴራ ሞዛምቢክ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ሞዛምቢክ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ 'ፈጠራዊ ሰራሕተኛታት' ኣብ መዝገብ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ረኺቡ።

ሚኒስትሪ ስቪል ሰርቪስ እታ ሃገር፡ ገሊኦም ንዘይሰርሕሉ ክኽፈሉ ዝጸንሑ፣ ገሊኦም ክኣ ዝሞቱ ወይ 'ፈጠራዊ' ሰራሕተኛታት ምዃኖም ይሕብር።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣብ ዘለው ዓመታት፡ መንግስቲ 250 ሚሊዮን ዶላር ከሲሩ'ዩ ኢላ ሚኒስትር ካርሜሊታ ናማሹላ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ሞዛምቢክ፡ ብልሽውና እቲ ዓብዪ ጸገም ምዃኑ መንግስቲ ይግንዘቦ'ዩ ትብል እታ ሚኒስትር።

ዘይተኣማንነት፣ ወገንነትን ዘይሕጋውነትን'ውን ነታ ሃገር ዝብድህዋ ዘለው ጸገማት'ዮም ኢላ።

እዚ ምጽራይ ደሃዮም ዘይፍለጡ ተኸፈልቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ኾይኑ፡ 348 ሽሕ ሰራሕተኛታት ድማ ምርመራ ተኻይዱሎም'ዩ።