ወፍሪ ፀረ-ግዕዝይና ስዑድ ዓረብ፡ እሱራት ይቕረታ ተገይርሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብግዕዝይና (ብልሽውና) ተኣሲሮም ዝነበሩ ስዑድ ዓረባውያን ሰብ-ሃፍቲ፡ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምስምዕማዖም፡ ይቕረታ ከምዝተገበረሎም ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንልኡላን ሓዊሱ፡ ሚኒስትራትን ነጋዶን ኣብ ናይ ገዛ ቤት-ማእሰርቲ ተኣሰሲሮም ፀኒሖም።
እቲ መግለፂ ከምዝሓበሮ 320 ተጠርጠርቲ እቲ ጉዳይ ንምፅራይ ዝተሓተቱ እንትኾኑ፡ እቶም 159 ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም እዮም።
ዝቐረበሎም ክሲ ውድቂ ዝገበሩን ዘይኣመኑን ተጠርጠርቲ ግና ክሲ ክምስረተሎም እዩ።
ዋላ እኳ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ዘለዉ ተርጠርቲ ሽም ዝርዝር ዕላዊ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዙፋን ንምውራስ ይወዳደር ዝነበረ ልኡል ሚጠብ ቢን ዓብዱላህ፡ ልዕሊ 1 ቢልየን ዶላር ስምምዕ ብምግባር ክፍታሕ ምኽኣሉ ይዝከር።
ከይዲ እቲ ክሲ ንብዙሓት ግልፂ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ግና፡" ዓለም-ለኻዊ መስርሕ" ከምዝተኸተሉ ገሊፆም።
ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ግዕዝይና፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሪያድ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ሆቴል'ዮም ተኣሲሮም ፀኒሖም።
ልኡል ስዑድ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ወፍሪ ፀረ-ግዕዝይና(ብልሽውና) እታ ሃገር ዝጀመሮ ወፍሪ ስልጣኑ ንምጉልባት'ዩ ብዝብል ንዝወሃቡ ርእይቶታት፡ 'ዘይክዉን' ብምባል ነፂግዎ።
ወዲ 32 ዓመት ልኡል፡ ኣብታ ሃገር ኣሎ ንዝበሎ ግዕዝይና ካብ ሱሩ ብምምሓው፡ "ብዘይ ነዳዲ ክትንቀሳቐስ እትኽእል ብምጣነ-ሃፍቲ ዝደልደለት ስዑድ ዓረብ ክሃንፅ እየ" ብምባሉ፡ ብብዙሓት ስዑድ ዓረባውያን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







