ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ራማፎሳ ንጎስጓስ ምርጫ ዝረኸቦ ገንዘብ ክመልስ'ዩ

ስሪል ራማፎሳ

ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፡ ንጎስጓስ ምረጹኒ ብገበን ብልሽውና ካብ ዝተኸሰሰ ትካል ዝተበርከተሉ 35 ሽሕ ዶላር ክመልስ'ዩ።

እዚ ባሳሳ ዝተብሃለ ትካል፡ ዓብዪ መኽሰብ ዘምጽኡ ኮንትራት መንግስቲ'ኳ እንተወሰደ ምጽራይ ይካየደሉ'ዩ ዘሎ።

ራማፎሳ ኣቐዲሙ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ፡ እቲ ገንዘብ ንወዱ ኣብቲ ትካል ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ዝተኸፈሎ'ዩ ኢሉዎም ነይሩ።

ድሒሩ ግና፡ ንዕኡ ዝተለገሰሉ ገንዘብ ከምዝኾነ ገሊጹ፤ ኣንጻር ብልሽውና ክቃለስ'የ ንዝበሎ መብጽዕኡ ድማ ኣናኢስዎ ይብል ጸብጻብ ኤዲተር ቢቢሲ ኣፍሪቃ ዊል ሮዝ።

ሽዱሽተ ሕዳር 2018፡ ራማፎሳ ንኣባላት ባይቶ እታ ሃገር መብርሂ እንትህብ፡ ካብ ትካል ባሳሳ ዝተረኽበ ገንዘብ፡ ኣብ ሞንጎ ወዱ ኣንዲልን ሓደ ኩባኒያን ብዝተገብረ ስምምዕ ንግዲ ዝመጸ ምኻኑ ብምግላጽ፡ ንምምኻር ዝተኸፈለ ምኻኑ'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኾይኑ ግና፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብጽሑፍ ነቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ መብርሂ፡ እቲ ገንዘብ ንጎስጓስ ምርጫ ዝተበርከተሉ ምኻኑ ድሒሩ ከምዝተነግሮ ገሊጹ።

"እቲ ገንዘብ ካብ ፍልጦይ ወጻኢ'ዩ ኣታዊ ተገይሩ" ዝበለ ራማፎሳ፡ "እቲ ፈላማይ ምላሽ ኣብ ዝሃብኩሉ እዋን ድማ ብዛዕባ ሃለዋት እዚ ገንዘብ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን" ኢሉ።