ፕሮፌሰር ራንሲማን፡ ናይ ምዕራባውያን ዲሞክራሲ ናብ ቅልውላው ድዩ ዝኣቱ ዘሎ?

ብምስሊ ትራምፕ ዝተሰርሐት ባላንቺና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብምስሊ ትራምፕ ዝተሰርሐት ባላንቺና

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዓለማዊ ፖለቲካ ክትግምቶ ናብ ዘይትኽእልን መገዲ ቅልውላውን ይኸይድ ኣሎ'ምበር ኣይሞተን።

እዚ፡ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዩኒቨርስቲ ኬምብሪጅ ዴቪድ ራንሲማን ዝሃቦ ርኢቶ እዩ።

ዴቪድ ራንሲማን ንህሉው ኩነታት ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ኣብ ዘበነ ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ግዙፍ ቁጠባዊ ፍልልያት ንምግላጽን ንምብራህን ዝተጠቐመሉ እዩ።

ኬምብሪጅ ኣብ ዘዳለዎ ፈስቲቫል ካብ ዝተፈላለዩ ሓሰብቲ፡ ክኢላታት ሳይንስ፡ ስነጥበባውያን፡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉን ካልኦት ሞያውያን ዝተፈለለዩ ሓሳባት ይውሕዙ ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ራንሲማን 'ሃው ዲሞክራሲ ኢንድስ' [ ዲሞክራሲ ብኸመይ ይውዳእ] ካብ እትብል መጽሓፉ ሓሳብ ብምውሳድ፡ ነቲ ንብዙሓት ዘሻቕል ዲሞክራሲ ይዓኑ ድዩ ዘሎ? ንዝብል ዓቢ ሕቶ፡ ንምምላስ ይህቅን።

ቲካዊ ምንጥቓጥ

እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖሎቲካዊ ዘይርጉጽነትን ተስፋ ምቁራጽን፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ 2008 ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቁልውላው ምኳኑ'ዩ ፕሮፌሰር ራንሲማን ዝገልጽ።

"እዚ እቲ ፖለቲካዊ ውድቀት ብነዊሕ ክዝርዘር እንከሎ ዝረአ እዩ"ብምባል ክኣ ኣሕጺሩ ከብርሆ ይፍተን።

ምስዚ ዘሎ ቁጠባዊ ምምቡሃቕ፡ ፖሎቲካዊ ምንቕጥቃጥ'ውን ነይሩ እዩ፡ ምምራጽ ፕርዚደንት ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኣውሮጳዊ ሕበረት ንኽትፍለ [ብረክሲት] ዝተገበረ ሪፈረንዱምን ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ እዮም።

"እዞም ክስተታት እዚኦም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከጋጥሙ'ዮም ኢልካ ዘይሕሰቡ'ዮም ነይሮም"

ፕሮፌሰር ራንሲማን፡ " ስለዚ ኣብዚ ሕጂ ብዘይረድኣናን ክንግምቶ ዘይንኽእልን ፖለቲካዊ ክስተታት ተኸቢብና ኢና ንኸይድ ዘለና" ይብል። " ሰባት፡ 'እዚ ናይ መወዳእታ ድዩ? ሕጂኸ እንታይ'ዩ ክስዕብ?' ኢሎም ክሓቱ እንከለዉ ስግኣቶም ይርድኣኒ'ዩ"።

ምምራጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ናብ መለኣምታ ዲሞክራሲ ንኸይድ ኣለና ናብ ዝብል መደምደምታ ይወስደና ማለት ኣይኮነን፡ ይብል።

ኣብ ነግሒ

ብኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ግን፡ ዲሞክራሲ ኣብ ማእከላይ ዕድሚኡ ይበጽሕ ምህላዉ ፕሮፌሰር ራንሲማን ይገልጽ።

ኣድመጽቲ ኣብ ሓደ ነግሒ ናይ ለውጢ ምህላዎም ሓደ ኮይኑ መሰረታዊ ለውጢ ዘይምድላዮም ክኣ በቲ ሓደ ክጥመት ከምዝግብኦ ድማ የረድእ።

ቁጠባዊ ቅልውላው ናይ 2008

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ራንሲማን፡ ኩሉ እዚ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ውጽኢት ናይቲ ኣብ 2008 ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው'ዩ ዝብሎ

ፕሮፌሰር ራንሲማን ንትራምፕን ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳን ክገልጾ እንከሎ ክኣ "ብዘይ ለውጢ ለውጢ ዝደሊ" ብምባል ይገልጾ።

ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ውድድር ክዕወቱ ካብ ግምት ወጻኢ ምስ ዝኸውን፡ 'መስደመም' ክኸውን ይኽእል'ዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ትካላት ፖለቲካዊ ልዑል እምነት ስለ'ነንብር ዕንወት ዘየምጽኣ ይመስለና እዩ።

" ኣብ ናይ ትራምፕ እንተሓሲብና፡ ዲሞክራሲ ዱልዱልን ዘይስበርን ተጸማምን ስለዝመሰለና መሪጽና ኩሉ ናብኡ ደርቢናዮ፡ ወሪድዎ ዲሞክራሲ!" ብምባል ንሕልኽላኽ ዲሞክራሲ ይገልጾ።

ይከም 1930ታት

ፕሮፌሰር ራንሲማን ኣብ ሳላሳታት ዝነበረ ምፍጣር ሃገራውነትን ውልቀምልክን ምስዚ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ፖሎቲካዊ ወጥርን፡ ጸቕጢ ዲሞክራስን ምምስሳሎም ብትሪ ይነጽጎ።

"ብእንሰምዖ መቃልሕ ንታለል ኣለና፡ ኣብ 1930ታት ሂወት እንታይ ትመስል ነይራ ኣይፈልጥናዮን ኣለና" ይብል

ፕሮፌሰር ራንሲማን፡ 1930ታት፡ ክቱር ጥምየት፡ ብብረት ዝተጠርየ ፖለቲካ ፡ ደረት ኣልቦ ሞትን መቕተልትን፡ ኩሎም መንእሰያት ብረት ዝሕንገጥሉ ዝነበሩ እዋን ምንባሩ ይገልጽ።

ኣውሮጳ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዘጋጠማ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ምሕዳስን ኣብ እግሪ ምትካልን ዝነበረትሉ እዋን እዩ። እቲ ሽዕኡ ዝነበረ ፖለቲካዊ ክስተት ክኣ ዘይከምዚ ናይዚ ሕጂ ቅጽበታዊ ለውጢ ዝርኣየሉ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሕጂ ዘይእመት ፖለቲካዊ ለውጥታት ክኣ ምስቲ ናይ 1930ታት ክመሳሰል ከመዘይክእል ፕሮፌሰር ራንሲማን ኣስፊሑ የብርሆ።

መስመር ሓይልታት

ኣብዚ ናይ ሕጂ ብዙሕን ዘይግምታውን ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ተራ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዓበይቲ ቴክኖሎጅያዊ ትካላትን ዕሽሽ ዝብሃል ከምዘይኮነ ፕሮፌሰር ራንሲማን የብርህ።

"እዚ ሓይሊ እዚ፡ ሰበ ዘይርደኦ ዓቐን ቅልጣፈን ሕልኽላኻትን'ዩ ዘለዎ" ከኣ ይብል

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውሃብ ናይ መጠንቀቕታ ምልክት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዲሞክራሲ ምስ ፕሮፖጋንዳን ስኑዓት ዜናታትን ተሳኒኻ ምኻድ ተለማሚድዎ'ዩ ይብል ፕሮፌሰር ራንሲማን ።

"ኣብ ዝሐለፈ 20 ወይ 30 ዓመታት እቲ ሓቀኛ ሓይሊ ካበይ'ዩ ዝምንጩ ኣብ ምልላዪ ኣጊሙናን ምቁጽጻሩ ስኢንናን ኢና፡ እዘን ዓበይቲ ኩባንያታት ነቲ ታሪኻዊ መሪሕ ኣብ ምቅላስ ግደአን ንኡስ ኣይነበረን"።

ኣብ ዝሓለፈ ግን እተን ሓያላት ዝብሃላ ኢንዱስትራዊ ማእከላት ክወድቃን ክትስኣን ምርኣይ ንቡር እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ግን እዘን ቴክኖሎጂያዊ ትካላት ምስ ነብሲ ወከፍ ኣተኩሮ ሂወትናን ፖለቲካዊ መስራሓታን ኣፍን ኣፍንጫን ከምዝኾና ይገልፁ። "ብዛዕባ ጎጉል እኳ እንተወሲድና እኹል እዩ"።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታ እንተሪእና'ውን ካብ ምዓልቲ ናብ ምዓልቲ ናይ ፈነወ ኣገባቦም እናቀያየሩ'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ፡ ደረት ፖለቲካዊ ትንታነ፡ ናይ መዘናግዒ መደባት ተለቪዥንን እናሰፈሐ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

"ሃብታምን ድስኩልን ሕብረተሰብ"

ፕሮፌሰር ራንሲማን፡ ሊበራላዊ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ድሕሪ ኲናት ዓለም ኣዝዮም ሃብታማት ከምዝፈጠረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዲሞክራሲ ኣህዛብ (ህዝብታት) እናደኸዩ ምስ ዝኸዱ ለውጢ ብምምጻእ ከመይ ኣቢሉ'ዩ ካብ ድኽነቶም ከናግፎም ዝኽእል ብምባል ሕቶ የቐምጥ።

ኣህዛብ ኣብ ዘደስክልን ጅሆ ዝሕዝን ልዑል ዝኽፈል ዕዳታት ምስ ተሸመሙ፡ ናይ ፖሎቲካዊ መሳርሕን ክኾኑ ንቡር'ዩ።

ፕሮፌሰር ዴቪድ ራንሲማን
መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ዴቪድ ራንሲማን "ዲሞክራሲ ደኪሙ ድኣ'ምብር ኣብ ሞንጎ ቀም ዘብል ኣይኮነን"

" ዲሞክራሲ ብዘይ ቁጠባዊ ዕብየት ንክቕጽል ቃልሲ ከምዘድልዮ ብዙሓት መርትዖታት ክቀርቡ ይኽእሉ'ዮም" ዝብል ፕሮፌሰር ዴቪድ ራንሲማን፡ "ሰባት ጽቡቕ ስምዒትን ኩነታትን እንተዘይሃልዮም ነቶም ኣብቶም ካልእ ሸንኽ ቁጠባዊ ኩነታት ዝነብሩ ፖለቲካውያን ሸነኽ ከቛሙቱ ንቡር'ዩ" ይብል።

ከምዚ ዓይነት ተጓንፎ፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት፡ ንውድቀት ስርዓትን ምፍርኻሽ ፖለቲካ ከምርሕ እንከሎ፡ ብተዛማዲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ናብ ሰውራዊ ለውጢ ናብ ምጽልማት ተስፋ ከምርሕ'ዩ ዝረአ።

"ሃብታምን ድስኩልን ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ንነዊሕ እዋን ሕንጉድ ብዝኾነ ፖለቲካ ክምራሕ ክንርኢ ክኣ ካብዚ'ዩ ዝነቕል" ከኣ ይብል።

ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ናይ መጅማር እዋን ከምዘሎ ዝዝራብ፡ ፕሮፌሰር ዴቪድ ራንሲማን ፡ ነባሪ ዲሞክራሲ ንኣህዛብ ቅሱናት ብምግባር ኣድላይነት ምኩስኳስን ምክንኻንን ከምዘድሊ ንኸዕፈልጡ ከምዝጋረዶም ይሕብር።

" ክነብር ይኽእል እዩ ወሽጡ ግን ባዶ እዩ ዝኸውን ዘሎ"።

" ፖለቲካ ብኸመይ ብዝሓሸ ኣገባብ ክዓዪ ይኽእል ንሓስብ ንህሉ ኢና" ደሕሪ ምባል፡ ፕሮፌሰር ዴቪድ ራንሲማን እዚ ብደረጃ ብከባብያዊ ፡ ብሃገርን ብደራጃ ዓለምን ዝረአ'ዩ ይብል።

እንተኾነ ኣብ ምዕራብ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ክንዲ ንለውጢ ንመራሕቲ ኣብ ምኹላዕ'ዩ ዝስራሕ ዘሎ ብምባል፡ " ካልእ ዓይነት መስሓቄን ፈትኑ" ብምባል ዘረብኡ ይዛዝም።