ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰልፊ ኤኤንሲ ሓዲሽ መራሕ ንምምራጽ ከድምጽ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters/AFP
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ኮንግረስ (ኤ ኤን ሲ) ንፕረሲደንት ጃኮብ ዙማ ተኪኡ ነቲ ሰልፊ ዝመርሕ ሰብ ንምምራጽ ክልተ ተወዳደርቲ ሓጽዩ'ሎ። ንሳቶም፡ ተጠባብቒ ፕረሲደንት ሲሪል ራማፎሳን ሚኒስተር ነበር ናይ ቀደም በዓልቲ ቤት ፕረሲደንት ዙማን ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማን እዮም።
ካልኦት ሓሙሽተ ናይ መሪሕነት ቦታ ዝሕዙ ተወዳደርቲ'ውን ተመሪጾም ኣለዉ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ጉባኤ ነቲ ዝወጸ ናይ ኣደማምጻ ቅጥቂ ብምቅዋም ይቋየቑሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ድማ ስሚዒታት ሰማይ ዐሪጉ ይርከብ። እቲ ናይ መሪሕነት ቦታ ንምሓዝ ዝግበር ቁርቁስ ዓቢ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ብምህላዉ ድማ እቲ ሰልፊ ቅድሚ'ቲ ኣብ 2019 ኣብታ ሃገር ዝግበር ምርጫ ክመቓቐል ይኽእል'ዩ።
ፕረሲደንት ዙማ ድማ እቲ ሰልፊ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ኣብ "መስቀለኛ መንገዲ" ኣሎ ብምባል ኣጠንቂቑ።
ሰልፊ ኤ ኤን ሲ፡ እታ ሃገር ኣብ 1994 ኣብ ትሕቲ ነልሰን ማንደላ ናብ ደሞክራስያዊ ምምሕዳር ካብ ዝተሰጋገርትሉ እዋይ ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ሎ።
ልዕሊ 5,000 ተጋባእቲ ድማ ኣብቲ ነርባዕተ መዓልቲ ዝጸንሕ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ማእከል ኤክስፖ ዝካየድ ጉባኤ ይሳተፉ ኣለዉ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ሚስተር ራማፎሳ 1,469 ድምጺ ክረክብ እንከሎ ሚስስ ድላሚኒ ዙማ ድማ 1,094 ረኺባ'ላ። ኣብ ቦታ ጉባኤ ዘላ ልእኽቲ ቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ ግን፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ኣብ መወዳእታ ብጸቢብ ናይ ምዕዋትን ምስዓርን ዕድላት'ውን ኣሎ ይብሉ።
እቲ ብስቱር ድምጺ ዝካየድ ውድድር ንመሪሕነት ኣዝዩ ዝተቐራረበ ክኸውን እንከሎ፡ ንዝሰዓሩ ናብ ቤት ፍርዲ ኬድካ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምብዳህ ተኽእሎ'ውን ክህሉ'ዩ።
እቲ ውጽኢት ሰንበት ክንገር'ኳ ትጽቢት እንተነበር፡ ናብ ሰኑይ ንግሆ ተመሓላሊፉ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓቀኛ ተሳተፍቲ ተኸልኪሎም ናይ ሓሶት ተጋባእቲ ድማ ኣብቲ ምርጫ ክሳተፉ ተፈቒድሎም ዝብሉ ጠቐነታት ድማ ነቲ መስርሕ ምርጫ ዓንቂፈሞ ነይሮም፡ ሕጂ ግን እቶም ጸገማት ተፈሒም ኣለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ልእኽቲ ቢቢሲ፡ እቲ መስርሕ፡ ንሚስስ ድላሚ ዙማ ደጊፎም ዝጭድሩ ብዝነበሩ ተሳተፍቲ ተቛሪጹ ነይሩ። ዘይከም ቀዳም ድማ፡ ብሰንበት ንራማፎሳ ደጊፎም ዝጭድሩ ኣይተሰምዑን።
ዝኾነ "ከፋፋሊ" ደርፊ ዝደረፈ ሰብ ካብቲ ጉባኤ ክስጎግ ምዃኑ እቲ ሰልፊ ኣተንቂቑ'ኳ እንተነበረ፡ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ግን ኣይተራእየን።
እቲ ካብ 2009 ኣትሒዙ ኣም ስልጣን ዝጸነሐ ፕረሲደንት ዙማ ክሳብ'ቲ ኣብ 2019 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ስልታን ክጸንሕ ትጽቢት ይግበር።
ሕጊ ንይታ ሃገር ሓደ ፕረሲደንት ክልተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን እዋን ጥራይ ክህልዎ ይፈቅድ።
እቲ ወዲ 75 ዓመት ዙማ ሕመረት ናይቲ ኣብ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ዘሎ ምስሕሓባት ኮይኑ ይርከብ። ብዙሓት ናይ ብልሽውና ጠቐነታት ድማ ኣብ ንዕሊኡ ይውሕዙ፡ ንሱ ግን ዋላ ሓንቲ ጌጋ ከምዘይፈጸመ ይማጎት። ካብ መዝነት ፕረሲደንትነቱ ብድምጺ ብልጫ ንምልጋሱ ኣብ ፓርላማ ካብ ዝተገብሩ ብዙሓት ፈተነታት ድማ ድሒኑ'ዩ።
ንሱ ነታ ናይ ቀደም በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ጓል 68 ዓመት ሚስስ ድላሚኒ ዙማ'ዩ ዝድግፍ። እታ ነባር ፖለቲከኛ ነቲ ዝጸንሐ ብጸዓዱ ዝውነን ዋኒናት ክትኩንን ጸኒሓ'ላ።
ፕረሲደንት ዙማን ሚስስ ድላሚኒ ዙማን ኣርናዕተ ቆሎዑት ወሊዶም ካብ ዝፋትሑ 20 ዓመት ገይሮም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ናይ ቀደም መራሒት ማሕበር ደቀንስትዮ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ዝነበረት ድላሚኒ ዙማ ከም ናይታ ሃገር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ውሽጥዊ ጉዳያትን ጥዕናን ኮይና'ውን ኣገልጊላ'ያ። ናይ ቁተባ ኣጀንደኣ ድማ ካብ ናይ'ቲ ሓደ ካብ ናይታ ሃገር ዝሃብተሙ ውልቀ-ሰባት ዝኾነ ኣባል ማሕበር ማሕበር ሰርሕተኛታት ነበር ራማፎሳ ዝተፈልየ እዩ።
እቲ ወዲ 65 ዓመት ዝኾነ ራማፎሳ ኣትሪሩ ኣንጻር ብልሽውና ክዛረብ ጸኒሑ'ሎ። ደገፍ ናይ ማሕበረ-ሰብ ንግዲ'ታ ሃገር ድማ ኣለዎ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝወጹ ጸብጻባት ድማ ምጡን መሪሕነት ኣብ ንዕሊ መወዳድርቱ ብምርኣዩ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ፊናንሳዊ ዕዳጋታት ኣንጸባሪቑ ነይሩ።
ፕረሲደንት ዙማ፡ ኣብቲ ከም መራሒ ሰልፊ ናይ መወዳእታ እዋን ዘስመዖ መደረ፡ ነቲ ኣብ እዋን ምርጫ ንመሪሕነት ኣብቲ ሰልፊ ዝተርእየ "ዘይረብሕ ቋይቊ" ወጊዝዎ። ዓሚ ኣብ ዝተገብረ ናይ ከባቢታት ምርጫ ዝተረኽበ ዘየሕጉስ ውጺኢታት ድማ "ህዝብና ኣብ ሰልፍና ብዘሎ ኩነታት ሕጉስ ከምዘይኮነ ዘርኢ ጉሉሕ መዘኻኸሪ'ዩ" ድማ ኢሉ። "ስርቅን ብልሽውና"፡ ብመጠን'ቲ ኣብ ናይ ብሕታዊ ጽላታት፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት'ውን ገኒኑ ከምዝረኤ ገሊጹ። "ጸሊም ሰብን ዕዉትን ምዃን ምስ ብልሽውና ይተሓሓዝ ኣሎ" ድማ ኢሉ።
እቲ ሰልፊ፡ ደሞክራስያዊ ኣደማምጻ ነቲ ዝነበረ መግዛእቲ ውሑዳት ጸዓዱ ካብ ዝኣለየሉ ካብ 1994 ኣትሒዙ ብዓብላልነት ክዕወት ጸኒሑ'ሎ። እንተኾነ ግን ዓሚ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ 54 ሚእታዊት ጥራይ'ዩ ረኺቡ። እዚ ድማ ስልጣን ካብ ዝሕዝ እቲ ዝኸፈአ ውጽኢት'ዩ ነይሩ።
እቲ ሕቶ፡ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ኣብ ቀጻሊ ውድቀት ድይ ዘሎ? ከምኡ እንተኾይኑ'ኸ ንርግኣትን መጻኢን ደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ ማለት ይኸውን? ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሩ ሃርዲንግ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







