ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ነበር ኣይተ ያሬድ ዘሪሁን ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, BERHANU TSEGAYE TWITTER PAGE
ቅድም ክብል ምክትል ሓላፊ ኣግልግሎት ድሕንነትን መረዳእታን ፌደራል ዝነበሩ ኣይተ ያሬድ ዘሪሁን፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋየ ኣብ ትዊተሮም ኣፍሊጦም።
ተታሒዞም ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ተጠርጣሪ ኣይተ ያሬድ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ሰዓት 5 ናብ ኬንያ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ብኽትትል ፌደራልን ኦሮሚያን ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቶም ጥርጡር ናብ ኬንያ ክሃድሙ ፈቲኖም ንዝብል ኮነ ንማእሰርቶም ዝምልከት ዝኾነ ርኢቶ ካብኦም ኣይተሰምዐን።
ኣይተ ያሬድ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመፅኡ፡ ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኮይኖም ተሸይሞም ዋላ እኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብምኽንያት ጥዕና ምስኣን፡ ብኣይተ ዘይኑ ጀማል ተተኪኦም።
ኣይተ ያሬድ፡ ናብ ፌደራል ፖሊስ ቅድሚ ምሻሞም፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ድሕንነትን መረዳእታን እታ ሃገር ዘገልገሉ እዮም።
ንተጠርጣሪ ኣይተ ያሬድ ከምልጡ ፈቲኖም ዝተብሃሉ፡ ናይ ንስሃ ኣቡኦምን ሽፈሮምን፡ ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ልደታ ዓስራይ ምድብ መገባእያ ገበን ቀሪቦም ነይሮም።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ 3 ሕዳር 2011 ዓ.ም ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ግዕዝይናን ተተሓሒዙ ብዘካየዶ ምርመራ መሰረት፡ ተጠርጠርቲ ዝበሎም ልዕሊ 60 ውልቀ ሰባት፡ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, ADISS STANDARD
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም ሓለፊ ሴክዩሪቲ ዲቪዥን ዝኾኑ ኮለኔል ጉዴታ ኦላና ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ፡ ናይ ውሽጢ ሃገር መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂበን።
ኮሎኔል ጉዴታ ኦላና፡ ኣብ ሜቴክ ዝተፈፀመ ገበን ግዕዝይና ንዘፃርዩ ሰብ ሞያ ብምፍርራሕን ብምፍካርን ከምኡ እውን ስራሕ ኣቃቢ ሕጊ ብምዕንቃፍ ተግባር ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ፡ ፋና ብሮድካስቲንግ ፀብፂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







