"ናብ ክልልና ዝመፅኡ ተምሃሮ ናብ ስድራኦም ይኣትዉ ምህላዎም ይእመኑ"

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ንትምህርቲ ዝመፅኡ ዘለዉ ተምሃሮ ካብ ስድራኦም ናብቲ ካልእ ትግራዋይ ስድራኦም ይኣትዉ ምህላዎም ኣሚኖም ክመፅኡ ዶ/ር ደብረጽዮን ፀዊዖም::ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፡ "ንሕና ማዕረ ከም ደቅና ክንሕብሕቦም ኢና" ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኣብ ካልእ ክልል ዝመሃሩ ተጋሩ ተምሃሮ መጥቃዕቲ እንተዝፍፀም እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምሳና ዘለዉ ተምሃሮ ደቂ ካልእ ብሄር ሕነ ኣይንፈድን እንትብሉ እውን ኣፍሊጦም።እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ፀገም ብዝተፈጠረ ቁፅሪ ናብ ብሄርን ሃይማኖትን እናላገብካ ጎንፂ ምውላዕ ክተርፍ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላላዩ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዕግርግር ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ዝዓለመ መጥቃዕትታት ተፈጺሙ እዩ።

ሕጂ'ውን ካብ ኣብ ትግራይ ክልል ወፃኢ ዝርከባ ዩኒቨርስታት ዝተመደቡ ተምሃሮ፡ ንድሕንነቶም ከም ዝሰግኡ እናገለፁ ይርከቡ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ መግለፂኦም "ኣብ ትግራይ ብሄር ፈሊኻ ዝግበር መጥቃዕቲ ፖለቲካና ኣይፈቕዶን:: እታ ዘጋጠመትና ሓደጋ ኣብ ዓዲ ግራት ኢያ ነይራ:: ጉድኣት ኢያ:: መሕፈሪት ኢያ:: ኣብኣ ኢዱ ዘእተወ ብቐጥታ ብሕጊ ስጉምቲ ወሲድና ኢና:: ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ፀገም ከይቕፅል እቲ ተምሃራይ ኮነ ሕብረተሰብ ተንቀሳቒስሉ እዩ" ኢሎም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ተወለድቲ ካልእ ብሄር ዝሐሸ ኩነታት ከምዝነበረ ዝዘከሩ ዶ/ር ደብረጽዮን "ኣስከሬን ተምሃሮ ንቕበለሉ ግዜ እዩ ነይሩ:: ንሕና ግን ኣስከሬን ኣይኮናን ንሰድድ ነይርና:: ተምሃራይ ከይሰግእ ንሰርሕ ነይርና" ብምባል ንቲ ዝኸፈአ ዝበልዎ ዓመት ይገልፅዎ።ሎምዘበን እውን ዝኾነ ይኹን ሽግር ይሃሉ: ካብ ካልእ ክልል ዝመፅእ ተምሃራይ ከም ኣባላት ቤተሰብና ከም ንሕብሕቦም ኩሉ ክፈልጥ ቤተሰቦም እውን ክፈልጡ ይግባእ እንትብሉ ተዛሪቦም።ናብ ካልኦት ክልላት ከይዶም ዝመሃሩ ተጋሩ ሓያል ሻቕሎትን ስግኣትን ከም ዘለዎም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ስግኣቶም ብመልክዕ ሰለማዊ ሰልፊ ገሊፆም እዮም።ብኣንፃሩ ሚንስቴር ትምህርቲ ተምሃሮ ነናብ ዝመሃርሉን ዝተመደብሉን ዩኒቨርሲቲ ክብገሱ ኣተሓሳሲቡ እዩ።ዶ/ር ደብረጽዮን ብዛዕባ እቶም ናብ ካልኦት ክልላት ከይዶም ንምምሃር ሰጊኦም ዘለዉ ተጋሩ ተምሃሮ ዝምልከት እንታይ ዝተወሰደ ውሕስነት ኣሎ ዝብል መልሲ ኣይሃብሉን።