ተምሃሮ ዩኒቨርስታት ደብረታቦርን ባህርዳርን ለቒቖም ይወፁ 'ለዉ

ካብ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ጀሚሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደብረታቦር ካብቲ ቀፅሪ ይሃድሙን ይወፁን ከምዘለዉ፡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሰሙን ኣብ ከተማ ወልዲያ፡ ኣብ መንጎ ክለባት ስፖርት ከተማታት ወልዲያን መቐለን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ፥ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም ክለባት ብዝተልዓለ ጎንፂ ስዒቡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ነበርቲ ስርቅን ዘረፋን ተፈፂሙ።
ካብኡ ንደሓር ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርስታት ሰላም ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ንሕልፈት ሓደ ሰብ ምኽንያት ዝኾነ ጎንፂ ተላዒሉ። ካብኡ ዝነቐለ ኣብቶም ተምሃሮ ፍርሕን ስምባደን ነጊሱ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረታቦር ሞት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ብዙሓት ተምሃሮ ንድሕንነቶም ብምስጋእ ናብ ትውልዲ ቦተኦም ንምምላስ ከምዝወሰኑ፥ ገሊኦም ድማ እቲ ኩነታት እንድሕር ተረጋጊኡ ከምዝምለሱ ሓቢሮም።
ትማሊ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ኮይኖም እቶም ተምሃሮ ዘዘራረቡ እንትኸውን፥ ሰኑይ ፈተና ከምዝህሉን ዝተፈላለዩ ግልጋሎት እቲ ዩኒቨርስቲ ከምዝቕፅልን ገሊፆምሎም፡ ይብሉ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓይልታት ፀጥታ ከምዝኣተዉ እቶም ተምሃሮ ወሲኾም ገሊፆም።
ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተምሃሮን ጋዜጠኛታት ከይኣትዉን ከይወጽኡን ከምዝተኸልከሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር፡ ካምፓስ ዘንዘልማ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብቲ ቐፅሪ ሓይልታት ፀጥታን ዝንቀሳቐሱ ተምሃሮን ተዓዚቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







