ሓምሻይ ዓመት ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ቦታ ናብ ኣኽሱም ክግዕዙ'ዮም።

ተምሃሮ ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ብግዚያውነት ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣኹሱም ግዒዞም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ብዘጋጠመ ፅበት ማእኸል ተግባራዊ ትምህርትን ሕፅረት መምህራንን ሓምሻይ ዓመት ተምሃሮ ሞያ ሕክምና ትምህርቶም ንኸየቋርፁ ናብ ኣኹሱም ግዒዞም።
ግዚያዊ ፕረዝደንት ዩኒቭሲቲ ዓዲ ግራት ዶክተር ገብረ መስቀል ገብረጻዲቕ "ተማሃሮ ትምህርቶም ኣየቋረፁን" ኢሎም።
ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ላዕለዎት ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ መቐለን ጎንደርን ካልኦት ከባብታት እናምፀአ የምህር ነይሩ።
ኮይኑ ግና ብመሰረት መምርሒ ፋይናንስ መንግስቲ ፌደራል፡ ናይ ባዕሉ ማእኸል ሕክምና ዘይውንን ሓኪም ሰሪሑ ካብ ዝረኽቦ ተወሳኺ እቶት ክልተ ሚኢታዊት ናብ መንግስቲ ክኸፍል ይግደድ ነይሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመሰረት ዝወፀአ ሓዱሽ መምርሒ ፌደራል መንግስቲ ሓደ ብዓል ሞያ ጥዕና እቲ ዝረኸቦ ተወሳኺ እቶት ናብ መሃይኡ ተደሚሩ 35 ሚኢታዊ ንመንግስቲ ይኸፍል ይብል።
ብሰንኪ እዚ እቶም ሰብ ሞያ ከምህሩ ኣይተባብዑን: እዚ ድማ ንቲ ብሃገር ደረጃ ዝረአ ዘሎ ሕፅረት መምህራን ከምዝጋድዶ ዶክተር ገብረ መስቀል ይገልፁ።
ተምሃሮ ድማ ዝተማልአ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ብምልፋን ማእኸል ማእኸል ተግባራዊ ትምህርቲ ሃኒፁ'ሎ። ኮይኑ ግና ውሽጣዊ ናውቲ ምምላእ ከም ዝተርፎ እቶም ግዚያዊ ፕረዚደንት ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ስንቅን ክራይ ገዛን ተምሃሮኡ ከፊሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብግዚያውንት ንክመሃሩ ከም ዝወሰነን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝብገሱን ዶክተር ገብረ መስቀል ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ተምሃሮ ሕክምና፡ 78 ኮይኖም ኣብ ኣክሱም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ ክፀንሑ እዮም።
ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ፕረዚደንትን ምክትልን ካብ ስልጣኖም ምስተኣለዩ፡ ኣብ ልዕሊ ስሩዕ ሓላፍነቶም ደሪቦም ብዝሰርሑ ግዚያዊ ፕረዚደንትን ምክትልን ይምራሕ ምህላዉ ይፍለጥ።
ነቲ ዩኒቨርሲቲ ብዋናነት ዝመርሕ ቦርድ፡ ቐልጢፉ ፕረዚደንትን ምክትሉን ክቖፅር ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ እቲ ትካል ዓቢ ፅልዋ ይፍጠር ምህላዉ ይዝረብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







