ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣላማጣ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Tigray Communication
ኣብ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኣላማጣ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፍሉይ ሓይልን መናእሰይ እታ ከተማን ብዝተወለዐ ጎንፂ፡ ሰባት ብጠያይቲ ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊፆም።
እቲ ጎንፂ፡ ኣብ ከተማ ኣለማጣ፡ ቤት ትምህርቲ እድገት ፋና፡ መናእሰይ ጎማ ብምቕፃል ከም ዝጀምርዎን፡ ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዝበሃል መንደር ድማ እቲ ኣድማ መናእሰይ ከምዝተባረዐን'ዮም ሓቢሮም።
ሓይልታት ፀጥታ መጀመርታ ጠያይቲ ናብ ሰማይ ብምትኳስ ብድሕሪኡ እውን መንብዒ ጋዝ ብምንፃግ ነቶም መንኣሰይ ክብትንዎም ፃዕሪ ከምዝገበሩ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ወሲኾም ገሊፆም።
ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን ዝቖሰሉ እውን ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡን ነበርቲ ይገልፁ።
ካብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ ድማ ቁፅሪ መወትቲ ሰለስተ ምኻኖም ይሕብር።
እቶም መናእሰይ ቅድሚ ሰሙን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተወሊዑ ኣብ ዝነበረ ጎንፂ ተወቒዑ ዝነበረ መንእሰይ ትማሊ ምስ ሞተ ዝያዳ ከምዘቖጠዖም እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
ቢሮ ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ብወገኑ፡ እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ኣብ ሞንጎ ብሽም መንነት ዝንቀሳቐሱ ኣካላትን ሓይልታትን ጸጥታን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ'ዩ ክብል ብፌስቡክ ገጽ ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታ'ውን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ "ሕቶ መንነት ህዝቢ ብምምሳል ካልእ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጉያ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር'ዩ" ኢሉ።
ዝኾነ ሕቶ ለዘዎ ኣካል፡ ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ሕትኡ ከቕርብን ምላሽ ክረክብን ኣብ ዝኽእለሉ ክልል ድልየትካ ብሓይሊ ንምፍጻም ምንቅስቓስ'ውን ቕቡል ኣይኮነን ዝበለ መግለጺ መንግስቲ እቲ ክልል ሒዙ ዝወጽአ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፡ ኣብቲ ተግባር ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኢድ ዘለዎ ኣካል ብቐሊሉ ከምዘይሓልፎ ኣጠንቂቑ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ምዝባዕ ሰናይ ምምሕዳርን ጉድለት ፍትሕን፡ ንመንግስቲ እቲ ክልል ክገልፁ ዝቐነዩ እንትኸውን፡ ካብ ቆቦ ብዝመፅኡን ገለ ነበርቲ ኣለማጣን፡ ህዝቢ ኣላማጣ ናብ ክልል ኣምሓራ ክኣትው እዩ ዝግበኦ ዝብል ምልዕዓል የጉሁሩ ምህላዎም ይግለፅ።
ኣብ ዝሓለፈ: መንግስቲ ክልል ትግራይ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣይኮኑን ኣይውክሉዎን'ውን: ዝበሎም መንእሰያት ኣብ ቤት ፅሕፈት ኢቲቪ ቀሪቦም ኣልዒሎምዎ ዝተብሃለ ሕቶ መንነት ክፅብፀብ ከምዝተገበረ ዝዝከር እዩ።
እቶም መንኣሰይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ቀሪቦም የዛርቡና ብምባል ንዘቕረብዎ ሕቶ ቅኑዕ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይገልፁ::






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







