ሱዳናዊ ጥርጡር ኣብ 'መጥቃዕቲ' ህንጻ ፓርላማ ዌስትሚኒስተር

ጥርጡር ሱዳናዊ ሳልሕ ካተር

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ሱዳናዊ ሳልሕ ካተር

ምስቲ ትማሊ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ (ዌስትሚኒስተር) ዝተፈጸመን ግብረሽበራ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ናይ መኪና ምግጫው ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ሓደ ሳልሕ ካተር ዝተባህለ ሱዳናዊ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ መንግስታዊ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ኩነታት፡ እቲ ሱዳናዊ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ኣብ ደረት ጽርግያ ብብሽክሌታ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብምእታዋ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም።

ብድሕሪኡ ድማ እታ ንሱ ዝመርሓ ዝነበረ ፎርድ ፊየስታ ዝዓይነታ መኪና ኣብቲ ንጸጥታ ተባሂሉ ዝተተኽለ ሓጹር ህንጻ ዌስትሚኒስተር ተጋጭያ።

እቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዜግነት ዘለዎ ወዲ 29 ዓመት ሱዳናዊ፡ ብገበን ፈተነ ቅትለት'ውን ተኸሲሱ ከም ዘሎ ፓሊስ ለንደን ሎሚ ረቡዕ ገሊጹ።

ቁሱላት ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ክንክን እናተገብረሎም
መግለጺ ስእሊ, በቲ ፍጻመ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም'ዮም

ፓሊስ እቲ ፍጻመ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ስለዝመስል፡ ከም ሓደ ናይ ግብረሽበራ መጥቃዕቲ ጌሮም ጠሚተሞ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ስደተኛ ድሕሪ ምእታዉ፡ ዑቕባ ተዋሂብዎ ክነብር ከም ዝጸንሐ ይንገር።

ኣቶ ሳልሕ "ኖርማል ሰብ" ከም ዝነበረን፡ ዝኾነ ሕሉፍ ስነሓሳብ ከም ዘይነበሮን ሓዉ ይዛረብ።

ዓበደላ ካተር ብተወሳኺ ቤተሰቦም በቲ ዘጋጠመ "ደንጽይዎም" ከም ዘሎ ገሊጹ።

ንሱን ቤተሰቡን ካብ ዳርፉር ሱዳን ዝመጽኡ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

እታ ዝተጋጨወት መኪና እናተላዕለት

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ፍጻመ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ'ዩ ዝብል መበገሲ ሒዞም ፓሊስ የጻር'ዩ ኣለዉ

እቲ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ በቲ ኤም ኣይ 5 ዝተባህለ ጸረ-ሽበራ ትካል ዓዲ እንግሊዝ ዝፍለጥ ከም ዘይነበረን፡ እንተኾነ ግን ናይቲ ዝነብረሉ ከባቢ ፓሊስ ዝግደሰሉ ሰብ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

እቲ ግጭት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ መጀመርታ ንፓሊስ ክተሓባበር ፍቓደኛ ከም ዘይነበረ'ውን ስኮትላንድ ያርድ (ፓሊስ) ጠቒሱ።

ኣቶ ሳልሕ ካተር ኣብ 2010 ንዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ፡ ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብቲ ስፓርክብሩክ ዝተባህለ ካባቢ ከተማ በርሚንግሃም ይቕመጥ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ናብ ከተማ ለንደን ብምግዓዝ ኣብ ከባቢ ሃይጌት ክነብር ጸኒሑ።

ሓዉ ዓብደላ ከም ዝብሎ፡ ንዓዱ ተመሊሱ ስድርኡ ሪኡ ክመጽእ ክዳሎ ጸኒሑ።