ሱዳናዊ ጥርጡር ኣብ 'መጥቃዕቲ' ህንጻ ፓርላማ ዌስትሚኒስተር

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ምስቲ ትማሊ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ (ዌስትሚኒስተር) ዝተፈጸመን ግብረሽበራ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ናይ መኪና ምግጫው ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ሓደ ሳልሕ ካተር ዝተባህለ ሱዳናዊ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ መንግስታዊ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ኩነታት፡ እቲ ሱዳናዊ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ኣብ ደረት ጽርግያ ብብሽክሌታ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብምእታዋ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም።
ብድሕሪኡ ድማ እታ ንሱ ዝመርሓ ዝነበረ ፎርድ ፊየስታ ዝዓይነታ መኪና ኣብቲ ንጸጥታ ተባሂሉ ዝተተኽለ ሓጹር ህንጻ ዌስትሚኒስተር ተጋጭያ።
እቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዜግነት ዘለዎ ወዲ 29 ዓመት ሱዳናዊ፡ ብገበን ፈተነ ቅትለት'ውን ተኸሲሱ ከም ዘሎ ፓሊስ ለንደን ሎሚ ረቡዕ ገሊጹ።

ፓሊስ እቲ ፍጻመ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ስለዝመስል፡ ከም ሓደ ናይ ግብረሽበራ መጥቃዕቲ ጌሮም ጠሚተሞ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ስደተኛ ድሕሪ ምእታዉ፡ ዑቕባ ተዋሂብዎ ክነብር ከም ዝጸንሐ ይንገር።
ኣቶ ሳልሕ "ኖርማል ሰብ" ከም ዝነበረን፡ ዝኾነ ሕሉፍ ስነሓሳብ ከም ዘይነበሮን ሓዉ ይዛረብ።
ዓበደላ ካተር ብተወሳኺ ቤተሰቦም በቲ ዘጋጠመ "ደንጽይዎም" ከም ዘሎ ገሊጹ።
ንሱን ቤተሰቡን ካብ ዳርፉር ሱዳን ዝመጽኡ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA
እቲ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ በቲ ኤም ኣይ 5 ዝተባህለ ጸረ-ሽበራ ትካል ዓዲ እንግሊዝ ዝፍለጥ ከም ዘይነበረን፡ እንተኾነ ግን ናይቲ ዝነብረሉ ከባቢ ፓሊስ ዝግደሰሉ ሰብ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
እቲ ግጭት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ መጀመርታ ንፓሊስ ክተሓባበር ፍቓደኛ ከም ዘይነበረ'ውን ስኮትላንድ ያርድ (ፓሊስ) ጠቒሱ።
ኣቶ ሳልሕ ካተር ኣብ 2010 ንዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ፡ ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብቲ ስፓርክብሩክ ዝተባህለ ካባቢ ከተማ በርሚንግሃም ይቕመጥ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ናብ ከተማ ለንደን ብምግዓዝ ኣብ ከባቢ ሃይጌት ክነብር ጸኒሑ።
ሓዉ ዓብደላ ከም ዝብሎ፡ ንዓዱ ተመሊሱ ስድርኡ ሪኡ ክመጽእ ክዳሎ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







