ሰሙን ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ብስእሊ

ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሪቃውያን ከመይ ከምዝቐነዩ ብስእሊ ኣቢልና እነቕርበሉ " ሰሙን ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ስእሊ" ዳህሲስኩም ፍሽኽ በሉ።

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ፍልስጤም ንዝበጽሐ መቕተልቲ ብምኹናን ኣብ ኣፍደገ እታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ እራኤል ተቓውምኦም ኣስሚዖም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ፍልስጤም ንዝበጽሐ መቕተልቲ ብምኹናን ኣብ ኣፍደገ እታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ እራኤል ተቓውምኦም ኣስሚዖም።
ኬንያውያን ነበርቲ ናይሮቢ "ኣደታት ንደቀን ኣብ ሽቓቕ ከይደን ከጥብዋ ኣለወን" ንዝብል ሓሳብ በምቅዋም ኣብ ኣደባባያት ናይሮቢ ሰልፊ ወጺኤን።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኬንያውያን ነበርቲ ናይሮቢ "ኣደታት ንደቀን ኣብ ሽቓቕ ከይደን ከጥብዋ ኣለወን" ንዝብል ሓሳብ በምቅዋም ኣብ ኣደባባያት ናይሮቢ ሰልፊ ወጺኤን።
መለዓዓልቲ ናይጀርያውያን ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ክመዛበሉ ንዝተገበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ብምድጋፍ ኣንጻር ውሳነ መንግስቲ ተቓውምኦም ኣስሚዖም። እቶም ተመዛበልቲ ቅድሚ ካብ መረበቶም ምምዝባሎም ናብርኦም ከም'ዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ ዘለኹም'ዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መለዓዓልቲ ናይጀርያውያን ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ክመዛበሉ ንዝተገበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ብምድጋፍ ኣንጻር ውሳነ መንግስቲ ተቓውምኦም ኣስሚዖም። እቶም ተመዛበልቲ ቅድሚ ካብ መረበቶም ምምዝባሎም ናብርኦም ከም'ዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ ዘለኹም'ዩ ነይሩ።
ዜጋታት ናይ'ታ ከም ሃገር ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊ ላንድ ሃገሮም ነዚ ዝኣወጀትሉ መበል 27 ዓመት በዓል ጸምቢሎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዜጋታት ናይ'ታ ከም ሃገር ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊ ላንድ ሃገሮም ነዚ ዝኣወጀትሉ መበል 27 ዓመት በዓል ጸምቢሎም።
ኬንያውያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ጎር ማሂያ ጋንትኦም ምስ ኢንግሊዝያዊት ጋንታ ሃልሲቲ ኣብ እተጻወተትሉ ግዜ ደገፎም ብኸምዚ ክገልጹ ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኬንያውያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ጎር ማሂያ ጋንትኦም ምስ ኢንግሊዝያዊት ጋንታ ሃልሲቲ ኣብ እተጻወተትሉ ግዜ ደገፎም ብኸምዚ ክገልጹ ተራእዮም።
ገዳይም ተጋደልቲ ናጽነት ዝምባብዌ ንድምቀት ኣኼባ ሰልፊ ዛኑ ኣመልኪቶም ትልሂታዊ ምርኢትን ደርፍን ኣቕሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ገዳይም ተጋደልቲ ናጽነት ዝምባብዌ ንድምቀት ኣኼባ ሰልፊ ዛኑ ኣመልኪቶም ትልሂታዊ ምርኢትን ደርፍን ኣቕሪቦም።
ቡርንዳውያን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ሃገሮም ይቀየር ዶስ ኣይቀየር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ድምጾም ንምሃብ ናብ ናቑጣታት መረጻ ኣምሪሖም። ቡርንዳውያን ዘካይድዎ ዘለዉ መረጻ ፕሬዚደንት እታ ሃገር ፒሬ ኒኮረንዚዛ ኣብ ስልጣን ከጽንሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣመት ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቡርንዳውያን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ሃገሮም ይቀየር ዶስ ኣይቀየር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ድምጾም ንምሃብ ናብ ናቑጣታት መረጻ ኣምሪሖም። ቡርንዳውያን ዘካይድዎ ዘለዉ መረጻ ፕሬዚደንት እታ ሃገር ፒሬ ኒኮረንዚዛ ኣብ ስልጣን ከጽንሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣመት ኣሎ።
ፍልጥቲ ስነ ጥበባዊትን ዳይና ጽምብል ውድድር ድራማታትን ከድጃ ኒን ብሩንዲ ቡርንዳውያን መረጻ ቅድሚ ምግባሮም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲማ ኣብ ፈረንሳይ ብኸምዚ ደሚቃ ተራእያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፍልጥቲ ስነ ጥበባዊትን ዳይና ጽምብል ውድድር ድራማታትን ከድጃ ኒን ብሩንዲ ቡርንዳውያን መረጻ ቅድሚ ምግባሮም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲማ ኣብ ፈረንሳይ ብኸምዚ ደሚቃ ተራእያ
ተወዳደርቲ ዓውደ ምርኢት ጽባቐ ቱኒዝያ ኣብቲ ዝጽበየን ዝነበረ ውድድር ጸብለልታ ንምርኣይ ብበዓልቲ ሙያ ስነ ጽባቐ እናተኾሓላ እንከለዋ ዝተወሰደ ቅላዕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ተወዳደርቲ ዓውደ ምርኢት ጽባቐ ቱኒዝያ ኣብቲ ዝጽበየን ዝነበረ ውድድር ጸብለልታ ንምርኣይ ብበዓልቲ ሙያ ስነ ጽባቐ እናተኾሓላ እንከለዋ ዝተወሰደ ቅላዕ

ፍልፍል ስእልታትና ኤኤፍፒ፣ ጌቲ ኢመጅስ፣ ሮይተርስን ኢፒኤን እዮም።