ቅንያት ኣፍሪካ ብስእሊ

ኣፍሪካን ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ኣፍሪካውያንን ከመይ ቀንዮም?

መንፈሳውያን ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ነይረን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መንፈሳውያን ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ነይረን
ኣብ ዚምባብወ ሓደ ህፃን ካብ ቡምባ (ፓምፕ) ማይ እንትሰትይ። ካብ ዋና ከተማ ሃራሬ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቼጉቱ ዝተብሃለት ቦታ ብሶኒ ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዚምባብወ ሓደ ህፃን ካብ ቡምባ (ፓምፕ) ማይ እንትሰትይ። ካብ ዋና ከተማ ሃራሬ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቼጉቱ ዝተብሃለት ቦታ ብሶኒ ዝተወሰደ ስእሊ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬፕ ደርቂ ብምውቅዑ ማዩ ኣብ ዝነቐፀ ግድብ ዝሞተ ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬፕ ደርቂ ብምውቅዑ ማዩ ኣብ ዝነቐፀ ግድብ ዝሞተ ዓሳ
ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣይመስልን፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ፀበል እንትንፀግ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣይመስልን፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ፀበል እንትንፀግ።
እፍሪካውያን ስደተኛታት ነቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምውፃእ ዘውፅኣቶ ሕጊ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ተቓውሞኦም እንትገልፁ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እፍሪካውያን ስደተኛታት ነቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምውፃእ ዘውፅኣቶ ሕጊ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ተቓውሞኦም እንትገልፁ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት-ኣቢጃን ሕብሪ ዝሰተየ ዓለባ መንእሰይ። መንግስቲ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዓለባ ንምስፍሕፋሕ መብፅዓ ኣትዩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት-ኣቢጃን ሕብሪ ዝሰተየ ዓለባ መንእሰይ። መንግስቲ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዓለባ ንምስፍሕፋሕ መብፅዓ ኣትዩ'ሎ።
ጋናውያን ኣካል-ጉድኣት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዓለም-ለኸ ፈደሬሽን ኩዕሶ ተወዳዲሮም ነይሮም። ዕላማ እቲ ውድድር ዓቕሚ እቶም ኣካለ-ጉድኣት ንምርኣይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጋናውያን ኣካል-ጉድኣት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዓለም-ለኸ ፈደሬሽን ኩዕሶ ተወዳዲሮም ነይሮም። ዕላማ እቲ ውድድር ዓቕሚ እቶም ኣካለ-ጉድኣት ንምርኣይ እዩ።
ኣብ ዋና ከተማ ቶጎ - ሎሜ ሰብነቱ ሕብርታት ብንዴራ እታ ጋር ዝለኸየ መንእሰይ ተቓውሞ እንተስምዕ። ብተቐውምኡ ድማ ን50 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስልጣን ከይወረደ ይመርሕ ዘሎ ስድራ ኤያዴማ ካብ ስልጣን ክወርድ ይሓትት።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዋና ከተማ ቶጎ - ሎሜ ሰብነቱ ሕብርታት ብንዴራ እታ ጋር ዝለኸየ መንእሰይ ተቓውሞ እንተስምዕ። ብተቐውምኡ ድማ ን50 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስልጣን ከይወረደ ይመርሕ ዘሎ ስድራ ኤያዴማ ካብ ስልጣን ክወርድ ይሓትት።
ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ መሬት ዝደቀሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ መሰላተን ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከብቅዑ ተቓውሞአን ገሊፀን።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ መሬት ዝደቀሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ መሰላተን ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከብቅዑ ተቓውሞአን ገሊፀን።
ኣብ ዩጋንዳ ብዓርቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ 14 ሽሕ ተምሃሮ እዞም ክልተ ይርከብዎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩጋንዳ ብዓርቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ 14 ሽሕ ተምሃሮ እዞም ክልተ ይርከብዎም።
ብሽም ንጉስ ራምሰስ ካልኣይ ተሰሪሑ 3000 ዓመታት ዕድመ ዘቑፀረ መዘከርታ ሓወልቲ ካብ ዝነበረሉ ኣደባባይ ካብ ብኽለት ናብ ኣየር ናብ ዝፀረየ ቦታ እንትውሰድ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሽም ንጉስ ራምሰስ ካልኣይ ተሰሪሑ 3000 ዓመታት ዕድመ ዘቑፀረ መዘከርታ ሓወልቲ ካብ ዝነበረሉ ኣደባባይ ካብ ብኽለት ናብ ኣየር ናብ ዝፀረየ ቦታ እንትውሰድ።

ፍልፍላት ስእሊ AFPን ሮይተርስን