ተኹሲ ብምኽፋት መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ዕጡቕ 'ኣብ 2012 ካብ ሆስፒታል ሕሙማን ኣእምሮ ዝሃደመ'ዩ' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መረዳእታ ፖሊስ ከምዝሕበሮ፡ ኣብ ቴክሳስ 26 ሰባት ዝቐተለ ተጠርጣሪ፡ ብ2012 ኣብ ቴክሳስ ካብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕሙማን ኣእምሮ ዝሃደመ እዩ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሎምዎ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ድማ ዴቪን "ንዓርሱን ንኻልኦትን ሓደገኛ ምንባሩ" ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ነበርን ውላዳን መጥቃዕቲ መሰብጸሐ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣዘዝቱ ክሳብ ሞት ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ከምዝፍፅም ይሕነ (ይፍክር) ምንባሩ'ውን ተገሊፁ።
ኣዘዝቲ ፖሊስ፡ እቲ ቅድም ክብል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ጥራሕ ዕጥቂ ካብ ምሓዝ ክእገድ ምገበሮ ነይሩ በሃልቲ እዮም።
ኣብ ኒው ሜክሲኮ ካብ ዝርከብ ማእከል ምምሕያሽ ጥዕና ባህርያት ከምዝወፀ'ውን ይግለፅ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኬሊ፡ ካብቲ ማእከል ምህዳሙ ዝሓበረ ሰብ፡ "ብፀገም ጥዕና ኣእምሮ ይጥቃዕ ምንባሩ" ንፖሊስ ተዛሪቡ'ዩ።
ፌደራላዊ ቢሮ ምርመራ ኣሜሪካ ድማ፡ መንቀሊ ፍፃመ ቅትለት ንምርዳእ ሞባይል ኬለይ ንምኽፋት ይፅዕር ምህላው ኣፍሊጡ።
ወዲ 26 ዓመት ፈፃሚ ቅትለት፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ምስ ደቁ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ተራእዩ ምንባሩ ጋዜጣ ሁስተን ክሮኒክል ፀብፂቡ
መሓዛ ሕጋዊት ኣዲኡ ዝኾና ሚሸል ሺልድስ ኣብቲ ቦታ ምስተራእየ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ጥዕና ይምለስ ምህላው ከምዝገመታ ተዛሪበን።
ኣብ ገጽ-ፌስቡክ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞ ቤተ-ክርስትያን ዝተጠቅዑ ስእልታት፡ ህፃናት ንህዝባዊ በዓል 'ሃሎዊን' (በዓል ቀውዒ ሰልቲክ) ዘድምቑ ኣልባሳት ተኸዲኖም የርእዩ።
ካብ ግዳያት መጥቃዕቲ'ውን ኣብቶም ስእልታት ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







