ፈፃሚ ቅትለት ላስቬጋስ ፓዶክ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ሆቴል ካሜራታት ገጢሙ ምንባሩ ተረጋጊፁ

ዕዱማት ሙዚቃዊ ምርኢት እንትሃድሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ተኹሲ ፓዶክ ንምህዳም ይፀቓቐጡ ዝነበሩ ዕዱማት ሙዚቃዊ ምርኢት

ኣብ ላስቬጋስ ንሕልፈት ህይወት 58 ሰባትን ንመቁሰልቲ ልዕሊ 500 ሰባትን ምኽንያት ዝኾነ ስቴፈን ፓዶክ ኣብ ውሽጢ መደቀሲ ክፍሉ ካሜራታት ኣዳልዩ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ክልተ ካሜራታት ኣብ መእተዊ መደቀሲ ክፍሊታት ሆቴል፡ ሓደ ድማ ኣብ መዕፆ ኣብ ዝግጠም ብደገ ንዘሎ ሰብ ዘርእይ ክፍተት እዩ ገጢምዎም።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ድማ ነቶም ካሜራታት ዝገጠመ ምምፃእ ኣፈፀምቲ ሕግን ሓይልታት ፀጥታን ንምክትታል ክጥዕሞ ብዝብል እዩ።

ወዲ 64 ዓመት ፓዶክ ነቲ ቅትለት ንምንታይ ከምዝፈፀመ ፖሊስ ኣብ ምፅራይ ይርከብ። ኣቐዲሙ እኹል ቅድመ ምድላው ከምዝገበረሉ ግን ክግንዘቡ ኪኢሎም ኣለው።

ሰበስልጣን ላስቬጋስ ከምዘፍለጥዎ ቁፅሪ ዝሞቱ ካብ 59 ናብ 58 ዝነከየ ሓደ ካብ ሞንጎ ኣስከሬናት ናይ ስቴፈን ፓዶክ ብምንባሩ እዩ።

ኣዛዚ ፖሊስ ጆሴፍ ሎምባርዶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እኩል ቅድመ-ምድላው ዝተገበረሉ'ዩ፥ ንዝገብሮ ነገራት ኩሉ'ውን ብወነ ገምጊሙ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ስቴፈን ፓዶክ ኣብ ባሕቲ ኦክቶበር ንዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዝተጠቐመሎም ካላሽናት

ምንጪ ስእሊ, Boston 25 News

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምድሪ ቤት ሆቴል ዝተረኸቡ ካላሽናት

ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ታሪክ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ ዝተብሃለሉ ብተኩሲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ጉዳይ ሕጊ ምውናን ዕጥቂ እታ ሃገር ሕቶ ከለዓል ገይሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ዶናለድ ትራምፕ ብወገኖም ክዝተየሉ ዝግባእ ጉዳይ እንተልዩ ግዚኡ ሕዚ ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም።

ፖሊስ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ስቴፈን ፓዶክ 23 ክላሽናት (ጠመንጃታት)፥ ኣብ ገዝኡ ድማ ሽጉጣትን ካልኦት ተቐፃፀልቲ ነገራትን ረኺቡ።

ዝሓለፈ ሰንበት፥ ምርኢት ሙዚቃ ኣብ ልዕሊ ዝከታተል ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ተኹሲ ብምኽፋት ቅትለት እንትፍፅም፡ ኣቐዲሙ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ክላሽናቱ ብቕልጣፈ ክትኩሱ ምምሓያሻት ከምዝገበረሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።