ፈፃሚ ቅትለት ላስቬጋስ ፓዶክ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ሆቴል ካሜራታት ገጢሙ ምንባሩ ተረጋጊፁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ላስቬጋስ ንሕልፈት ህይወት 58 ሰባትን ንመቁሰልቲ ልዕሊ 500 ሰባትን ምኽንያት ዝኾነ ስቴፈን ፓዶክ ኣብ ውሽጢ መደቀሲ ክፍሉ ካሜራታት ኣዳልዩ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ክልተ ካሜራታት ኣብ መእተዊ መደቀሲ ክፍሊታት ሆቴል፡ ሓደ ድማ ኣብ መዕፆ ኣብ ዝግጠም ብደገ ንዘሎ ሰብ ዘርእይ ክፍተት እዩ ገጢምዎም።
ፖሊስ ከምዝሓበሮ ድማ ነቶም ካሜራታት ዝገጠመ ምምፃእ ኣፈፀምቲ ሕግን ሓይልታት ፀጥታን ንምክትታል ክጥዕሞ ብዝብል እዩ።
ወዲ 64 ዓመት ፓዶክ ነቲ ቅትለት ንምንታይ ከምዝፈፀመ ፖሊስ ኣብ ምፅራይ ይርከብ። ኣቐዲሙ እኹል ቅድመ ምድላው ከምዝገበረሉ ግን ክግንዘቡ ኪኢሎም ኣለው።
ሰበስልጣን ላስቬጋስ ከምዘፍለጥዎ ቁፅሪ ዝሞቱ ካብ 59 ናብ 58 ዝነከየ ሓደ ካብ ሞንጎ ኣስከሬናት ናይ ስቴፈን ፓዶክ ብምንባሩ እዩ።
ኣዛዚ ፖሊስ ጆሴፍ ሎምባርዶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እኩል ቅድመ-ምድላው ዝተገበረሉ'ዩ፥ ንዝገብሮ ነገራት ኩሉ'ውን ብወነ ገምጊሙ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Boston 25 News
ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ታሪክ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ ዝተብሃለሉ ብተኩሲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ጉዳይ ሕጊ ምውናን ዕጥቂ እታ ሃገር ሕቶ ከለዓል ገይሩ'ሎ።
ፕረዚደንት ዶናለድ ትራምፕ ብወገኖም ክዝተየሉ ዝግባእ ጉዳይ እንተልዩ ግዚኡ ሕዚ ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም።
ፖሊስ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ስቴፈን ፓዶክ 23 ክላሽናት (ጠመንጃታት)፥ ኣብ ገዝኡ ድማ ሽጉጣትን ካልኦት ተቐፃፀልቲ ነገራትን ረኺቡ።
ዝሓለፈ ሰንበት፥ ምርኢት ሙዚቃ ኣብ ልዕሊ ዝከታተል ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ተኹሲ ብምኽፋት ቅትለት እንትፍፅም፡ ኣቐዲሙ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ክላሽናቱ ብቕልጣፈ ክትኩሱ ምምሓያሻት ከምዝገበረሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







