ላስቬጋስ፡ ኣብ ማንዳላይ ብዝተኸፈተ ተኹሲ 50 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ላስቬጋስ ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ኣብ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ብዝተኸፈተ ተኹሲ፡ 50 ሰባት ሞይቶም፡ 406 ድማ ቆሲሎም።
እቲ ዕጡቕ ኣብ መበል 32 ደርቢ ማንዳላይ ቤይ ዝበሃል ሆቴል ኮይኑ'ዩ፡ ኣብቲ ከባቢ ምርኢት ሙዚቃ ኣብ ልዕሊ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰባት ተኹሲ ብምኽፋት መጥቃዕቲ ኣውሪዱ።
ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ወዲ 64 ዓመት ስቴፈን ፓዶክ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዓርሱ ከምዘጥፍአ ፖሊስ ገሊፁ።
ፖሊስ መጥቃዕቲ ምስ ዝፈፀመ ሰብ ሓቢራ ነይራ ንዝበላ፡ሜሪልዩ ዴንለይ ዝተብሃለት ውልቀ ሰብ የናዲ እኳ እንተነበረ፡ እታ ውልቀ ሰብ ካብ ኣሜሪካ ወፃኢ ብምዃና፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢዳ ክህሉ ከምዘይኽእል እናተገለፀ እዩ።
ቅድም ክብል ወሃቢት ቃል ሆስፒታል እቲ ከባቢ፡ ካብ'ቶም ዝቖሰሉ እቶም 14 ሰባት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዝርከቡ ገሊፀን ነይረን።

ፖሊስ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ድሕሪ ምብፅሑ ምንቅስቓስ ገለ ክፋል እታ ከተማ ንዝተወሰነ ግዜ ዕፁው ኮይኑ ነይሩ።
ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብዚ ሓደጋ ንምህዳም ኣብ ሆቴላት፣ ኣብያተ ብልዕን መዕርፎ ነፈርቲ ማካረን ላስቬጋስን ተዓቝቦም።
እዚ ዜና ምስተሰምዐ ኣንፈት ዝተወሰኑ በረራታት እውን ተቐይሩ።
እዚ ምርኢት ሙዚቃ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት እቲ ከባቢ ክካየድ ዝፀንሐ እንትኸውን 22 ሽሕ ሰባት ኣብቲ ምርኢት ተረኺቦም ነይሮም።
ዝተፈላለዩ መሰኻኽር ካብ ማንዳላይ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተኹስታት ከምዝተሰምዑ ገሊፆም።
ፖሊስ ግና ካብ ላስቬጋስ ወፃኢ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንስድራ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ፅንዓት ተመንዮም።
እዚ ዕጡቕ መን እዩ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, UNDATED
እዚ ምስሊ ብሰንበት ምሸት ኣብ ላስቬጋስ ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ዝነበሩ ሰባት፡ መጥቃዕቲ ራዕዲ ናይ ዘብፅሐ ወዲ 64 ዓመት ተጠርጣሪ ስቴፈን ፓዶክ እዩ።
ዓሪፍሉ ኣብ ዝነበረ ሆቴል፡ ቁፅሪ 32፡ ፖሊስ ናብ ክፍሉ ቅድሚ ምእታዉ ድማ፡ ነብሰ ቅትለት ፈፂሙ።
ፖሊስ ላስቬጋስ ሸሪፍ ጆሴፍ፡ "ብዙሕ ህዝቢ ንምቕታል ዝተሓሰበ፡ዝተራቐቐ ሰብ" ብምባል ገሊፆሞ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







