ረበሽቲ ምስልታት እናረኣዩ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያንን ካልኦትን ሰራሕተኛታት ፌስቡክ ዘቕርብዎ መረረ

ምስሊ ዓይኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ትካል ፌስቡክ ተቘጻጻሪ ትሕዝቶታት ኰይኑ ዘገልገለ ውልቀ ሰብ፡ ዝርብሹ ነገራት ኣብ ገጻት ተጠቀምቲ ከይረኣዩ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ብዝረኣዮም፡ ካብ ርእሰ ቅትለት ክሳብ ጭካነ ዝመልኦ ቅትለታት፡ ጥዕና ኣእምሮኡ ከምዝተጐድአ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ሰራሕተኛ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምቍጽጻር ትሕቶታት ዝሰርሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ፌስቡክ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝላብዑ ዘሰምብዱን ጽልኣት ዝተመልኦምን ትሕዝቶታት ኣብ ምቍጽጻር ብዙሕ ክሰርሕ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብቲ “ማሽን ካብ ምዃን ዘይፍለ” ናይ ስራሕ ሃዋህው ክብል ዝገልጾ፡ ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት፡ ተጠቀምቲ ዝርብሹ ትሕዝቶታት ከይበጽሖም ዝጽዕር እዚ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ህይወቱ ግን ጉድኣት ከምዝወረዶ ይዛረብ።

“ንወሲባዊ ልምደይ ኣደንዚዝዎ” ይብል።

“ምስ እንስሳት ዝፍጸም (ወሲብ) ትርኢ፣ ምስ ህጻናት ዝፍጸም ኣሎ፣ ምስ ተራ ሰባት እውን ኣሎ፣ ከምዚታት ብዙሕ እዩ። ኵሎም ከኣ ሓቂ እዮም።”

ዝረኣዮም ብዙሓት ናይ “ነፍሰ ቅትለት፡ ርእሰ ምጕዳእ፡ ኣካላቶም ዝቘርጹ ሰባት” ቪድዮታት ከምዝሃሰይዎ ይገልጽ።

“ዓይነይ ክድን ከብል እንከለኹ፡ ነቶም ትኬታት እየ ደጊመ ዝርእዮም” ይብል፤ ‘ትኬት’ ነቶም ኣብቲ ናይቲ ትሕዝቶ ዝቈጻጸር ሰብ ኮምፒዩተር ዝመጹ ትሕዝቶታት ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ቃል እዩ።

ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ተቘጻጸርቲ ትሕዝቶታት ፌስቡክ መብዛሕትኦም መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኰይኖም፡ ልዕሊ 10 ቋንቋታት ዝዛረቡን ካብ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ርዋንዳን ዝተመልመሉን እዮም።

ቈጺሩ ዘስረሖም ድማ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ፡ ኣብ ኬንያ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎን ሳማ ዝተባህለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2021 ሽሙ ናብ ሜጋ ዝቐየረ ፌስቡክ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ስርሓት ምቍጽጻር ልጣፋት ንሳማ ዝሃበ ክኸውን እንከሎ፡ወጻእታት ንምቕናስ ዝገበሮ እዩ ተባሂሉ ይውቀስ።

ሓንቲ ሰራሕተኛ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዙ ትሕዝቶታት ንምቍጽጻር ኣብ ዝሰልጠነትሉ፡ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ነገር ክትርኢ ከምዝተገበረት ትገልጽ።

“ናትና ካብቲ ስልጠና እዩ ዝጅምር፤ ሰባት ርእሰ ቅትለት እናፈጸሙ ክንርኢ ኣለና። እቶም ሰባት ይዝክሮም እየ። ኵሉ ሻብ ክዝክሮም እየ” ትብል እታ ተቘጻጻሪት።

“ሕጂ ድማ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ኣዝዮም ዝርብሹ ቪድዮታት እዮም ዝመጹና፤ ሰባት ምስ ህይወቶም እናተቓጸሉ፣ ሰባት ንሰባት እናጥቅዑ፣ ጃምላዊ ቅትለት።

“ዝዀነ ነገር ከመይ ከምዝጅምር ንርእዮ፤ ክጋደድ ከሎ ንርእዮ፣ ኵሉ እዩ ዝምዝገብ። ልክዕ ዓውደ ኲናት ከም ምርኣይ እዩ። ዝሓልፈካ ነገር የለን” ትብል።

ኣብ ጸልማት ኮፍ ዝበለ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቃለ ምስክርነት ናይቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት፡ ምስቲ ን ሳማን ሜታን ዝኸሰሰ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓባሪ ዳኒኤል ሞታውንግ ዘቕረቦ ክሲ ዝመሳሰል እዩ።

“ነቲ ስራሕ ሳማ ክቕበል እንከለኹ፡ ኣነን መሓዙተይን ዝበዝሕ መዓልትና ኣሳእልን ቪድዮታትን ዝሕረዱን ዝስውኡን ሰባት ወይ እውን ዝዕመጹ፡ ዝጥቅዑን ዝቕተሉን ህጻናት እናረአና ከምእነሕልፎ ኣይፈለጥኩን ነይረ።

“እቶም ምስሊታት ሕማቓት ኰይኖም እየ ረኺበዮም፤ እቲ ዝኸፍአ ግን፡ ካብ ዝዝክሮም፡ ኣብቲ ክፍሊ ፕሮዳክሽን ዝረኣኽዎ ቪድዮ ምቝራጽ ርእሲ እዩ” ክብል ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ።

ሞታውንጋ ኣብቲ ዘቕረቦ ክሲ ብዙሕ ነገራት እዩ ጠሊቡ፤ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብቲ ትካል ምብራሩ ንዝወረዶ “ጕድኣት”ን፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ንዝወረዶም ተቘጻጸርቲን “ናይ ዕድመ ልክዕ ሕክምናዊ ክትትል” ክረኽቡ ዝሓትት እዩ።

ሕክምና ጸቕጢ ኣእምሮ፣ ጭንቀትን ድሕሪ ሓደጋ ዘጋጥም ናይ ኣእምሮ ምርባሽን ከምዝገበረ ዝገልጽ እቲ ከሳሲ፡ ህይወቱ ከምዝተበላሸወ እዩ ዝገልጽ።

“ክሓዊ ዝኽእል እንተዀይነን ብኸመይ ከምዝሓዊ ኣይፈልጥን” ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከይዲ ፍርዲ፡ ጠበቓታት ሜታ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ስልጣን ኣለዎዶ ዝብል ክርክር ከልዕሉ እንከለዉ፡ ጠበቓታት ሳማ ግን እቲ ክሲ ከቛረጽ ጠሊቦም።

እቲ ቤት ፍርዲ ዛጊት ውሳነ ኣይሃበን።

ኣብ 2020 ካብ ተቘጻጸርቲ ትሕዝቶ ኣሜሪካ ክሲ ዝቐረበሉ ፌስቡክ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ እናሃለዉ ንዘጋጠሞም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ 52 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ።

ኣብ ኬንያ ተቘጻጻሪ ትሕዝቶ ኰይኑ ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ፡ ሳማ፡ ትምህርቲ “ጥዕና ኣእምሮ” ከምዝህብ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ምስቲ ትሕዝቶታት ክነጻጸር እንከሎ እኹል ከምዘይኰነ ተዛሪቡ።

“መዓልታዊ ምስኡ ኢኻ እትውዕል፤ ገዛኻ ምስከድካ እትርሰዖ ነገር ኣይኰነን፤ ኣብ ሕልምኻ ትርእዮ። ብቐጻሊ ሕማቕ ነገራት ጥራይ ስለእትርኢ ነዚ ዓለም ዘለካ ኣመለኻኽታ እውን ይቕየር” ይብል።

ካብ ቢቢሲ መብርሂ ክህብ ዝተሓተተ ሜታ፡ ነቲ ምስ ዳኒኤል ሞታውንግ ዘለዎ መስርሕ ፍርዲ ምኽንያት ብምግባር ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

ምልክት ሜታ ኣብ ሞባይል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሳማ ግን ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝዀነ ምላሽ ኣይሃበን፤ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ግን ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጋዜጣ ታይም ንዘቕረበሉ ተመሳሳሊ ክሲ፡ “ሓሶትን መጋገይን” ክብል ዝመለሰ ኰይኑ፡ እቲ ትካል ”ብዛዕባ ስምዒትን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ሰራሕተኛታቱ ኣዐርዩ ከምዝግደስ” ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ሰሙን 37.4 ሰዓታት ከምዝሰርሕን፡ መዓልታዊ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ናይ ምግብን ጥዕናዊ ዕረፍትን ከምዝወስድን ዝገልጽ ሳማ፡ ሰራሕተኛታት ናይ ሓደ ንሓደ ኣገልግሎት ምኽሪ እንተደልዮም ኵሉሻብ ተበጻሒ ከምዝዀነ ኣብ ድህረ ገጹ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሞታውንግ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ዋላ'ኳ ትሕዝቶ ናይ ምቍጽጻር ስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተዀነ፡ ሜታ ግን ንኻልእ ትካል ብኩንትራት ከምዝሃቦ ጠቒሱ። በዚ ድማ እቲ ስራሕ ከም ሕሱር ከምዝተወሰደን እቲ ትካል ንስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ተቘጻጸርቲ ዘውጸኦ ዝነበረ ልዑል ወጻኢታት ክቕንስ ከምዝገበሮን ገሊጹ።

ጠበቓ ሞታውንግ ብወገኑ እቶም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ 240 ተቘጻጸርቲ ይትረፍ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ንትሕዝቶታት እታ ኣስታት 10 ሚልዮን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዘለዋ ኬንያ'ኳ እኹላት ከምዘይኰኑ ይገልጽ።

ሓደ ተቘጻጻሪ ትሕዝቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ዋላኳ ሳማ ስልጠናታት ጥዕና ኣእምሮ ክወስዱ ዘበረታተዖም እንተኾነ፡ ገሊኦም ኣማኸርቲ ግና ውልቃዊ ምስጢሮም ይሕልዉልና እዮም ኢልና ኣይንኣምንን ኢሉ።

“ብዛዕባ እቶም ትሕዝቶታትን እንታይ ከምዝስመዐካን ይሓቱኻ፤ ጽኒሑ እቲ ነቲ ኣማኻሪ ዝተዛረብካዮ ካብ ካልኦት ሰባት ትሰምዖ” ኢሉ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት እኹል ደሞዝ ከምዘይክፈሎም ዝገለጹ ኮይኖም ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት “ እቲ ስራሕ ኩሉ ነገርካ እዩ ዝጠልብ፡ ኣእምሮን ስምዒትን። እቲ ዝኽፈለና ነቲ እንሰርሖ ፈጺሙ ዝምጥን ኣይኰነን። ኵሉ ሰብ ከመይ ድልየታቱ ከምዘማልእ እዩ ዝጭነቕ” ኢሉ።

ሳማ ኣብ ድህረ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ነቲ ንሰራሕተኛታቱ እዅል መሃያ ኣይከፍልን ዝብል ክሲ ይነጽጐ።

“ትሕዝቶታት ናይ ምቍጽጻር ስራሕ ከቢድ ብምዃኑ፡ ነቲ ስራሕ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ሰለስተ ዕጽፊ እቲ ዝተሓተ መሃያ ከምኡ ድማ ክልተ ዕጽፊ እቲ ማእከላይ መሃያ ኬንያ ኢና እንኸፍሎም” ይብል።