ምንካይ ሰራሕተኛታት ፌስቡክን ትዊተርን ብመንፅር ኢትዮጵያ እንታይ ትርጕም ይህልዎ?

ማርክ ዙከርበርግ

ምንጪ ስእሊ, NURPHOTO

መግለጺ ስእሊ, ማርክ ዙከርበርክ

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም ኣዝዩ ገዚፍ ቅልውላው ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

ቍጽሪ ሓደ ቢልዮነር ዓለም ኤሎን መስክ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ዝወሰዶ ቀዳማይ ስጕምቱ፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ 4 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ይገብረለይ ኣሎ ዝበሎ ቍጽሪ ሰራሕተኛ ምንካይ እዩ ነይሩ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ክልተ ቢልዮን መዓልታዊ ንጡፋት ተጠቀምቲ ንዘለዎ ፌስቡክ ዝውንን ኩባንያ ሜታ’ውን ሰራሕተኛታት ናይ ምንካይ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ፌስቡክ ኣስታት 11 ሽሕ ሰራሕተኛታት ንምንካይ መደብ ከምዘለዎ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን እቲ ኩባንያ ማርክ ዙከርበርግ ዕላዊ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

እተን ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንዓለማዊ ቅልውላው ቍጠባ ከም ምኽንያት ምንካይ ቍጽሪ ሰራሕተኛታተን ይጠቕሳ።

ማሽናት በብእዋኑ ነቲ ደቂ ሰባት ዝሰርሕዎ ስራሕ ተኪኦም ክሰርሑ ይረኣዩ ምህላዎ ርዱእ’ዩ።

ብፍላይ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ንሓይሊ ሰበን ብ’ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ’ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ክትክኣኦ ምጅማረን፡ ነቲ ዝርአ ዘሎ ምንካይ ዓቕሚ ሰብ ብዙሓት ከም ምኽንያት ይጠቕስዎ።

ንምዃኑ ሜታን ትዊተርን ዝገብርዎም ዘለዉ ምትዕርራያት፡ ብመንጽር ጐንጺ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት እንታይ ጽልዋ ከስዕብ ይኽእል? ክንብል ሕቶ ኣልዒልና።

መንቀሊ እቲ ስግኣት?

ኤሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኤሎን መስክ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ዘለዎ ማሕበራዊ መራኸቢ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንዝፍጠሩ ግጭታት ብምጕህሃር ብተደጋጋሚ ይንቀፍ።

ሰራሕተኛ ፌስቡክ ነበር ፍራንሲስ ሃውገን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብምቕራብ፡ እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ጐንፅታት ዘለዓዕሉን ስኑዓትን መልእኽትታት ክገትእ ከምዘይከኣለ መስኪራ ነይራ።

ኣብ ማእከል ደማዊ ግጭታትን ኲናትን ኣብ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ዝያዳ ጐንፅታት ዘጓሃህር ትሕዝቶ ብግቡእ ክቈጻጸር ከምዘይከኣለ ብተደጋጋሚ ዝንቀፍ ወናኒ ፌስቡክ ሜታ፡ እቲ ሓሲብዎ ዘሎ ንምካይ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ መስርሕ ምቍጽጻር ትሕዝቶ ጽልዋ ከሕድር'ዩ ዝብል ስክፍታታት ኣንቂሉ’ሎ።

ኣማኻሪትን ተመራማሪትን ድሕነት ኢንተርነት ከምኡ ድማ ዲጂታላዊ መሰላት ዝዀነት ሰላማዊት ተዘራ፡ ትዊተር ክሳብ ሎሚ ብዘካየዶ ምንካይ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብስፍሓት ከምዝፀለዎም ትዛረብ። ስጕምትታት ፌስቡክ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት የብላን።

“ዓበይቲ ኩባንያታት ቀንዲ ዕላማአን መኽሰብን ምዕባይ ስለዝዀነ ተመሳሳሊ መስርሕ’ዩ ዘለዎም። ስለዚ እቲ ሕጂ ካብ ሜታ ዝሰማዕናዮ ጉዳይ [ዜና ምንካይ ሰራሕተኛታት] ብርግጸኛነት ንኽፍሊ ምክትታል ትሕዝቶ ዝፀልዎ እዩ። ስክፍታይ ኣብቲ ትሑት እቶት ዘለዎ ግን ከኣ ሰፊሕ ዝዀነ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ንዘሎ ጸገም ብዝያዳ ከጋድዶ እዩ” ትብል።

እዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ምንካይ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ምጅማር፡ ነቲ ዘካይድዎ ምክትታል ትሕዝቶታት ኣብ ክንዲ ብሰብ ብ’ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ’ ክገብራኦ ይመርጻ ብዝብል ክንቀፋ ጸኒሐን’የን።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብቛንቋታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝዝርጋሕ ጽሑፋት እቲ ስርዓተ 'ሰብሰርሖ ብልሒ' ንውሑዳት ቃላት ብጅምላ ብምርኣይ ኣብ ዝህቦ ውሳነ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል።

ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ድንጋገ ዘይጠሓሱ ሰባት ስጕጉምቲ ብምውሳድ፡ ኣካታዕቲ ንዝዀኑ ትሕዝቶታት ድማ ዓውዳዊ ትርጕሞም ካብ ዘይምርዳእ ስጕምቲ ብዘይምውሳዱ ካብ ብዙሓት ነቐፌታታት ይቐርበሉ።

ክፍሊ ምክትታል ትሕዝቶ ትዊተር፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዝተኣሳሰር ዝገብሮ ምክትታል ትሕዝቶ ጸገም ከምዘለዎ በዓልቲ ሞያ እቲ ዓውዲ ሰላማዊት ትዛረብ።

ትዊተር ናይ ጽልእን ንኻልኦት ዘነኣእሱ ንጥፈታትን ንምልላይ መዓልታት ከምዝወስደሉ እትገልፅ ሰላማዊት፣ ሓደ ትሕዝቶ ከኸትሎ ዝኽእል ጕድኣት ምስ በፅሐ ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ምጅማሩ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተረድእ።

ስለዚ፡ እዞም ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ነቲ ተኸታታሊ ትሕዝቶን ኣብ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕን ሓይሊ ሰበን እንተ ኣጕዲለን፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብዙሕ ጸገማት ከምጽኣለን እዩ ዝብል ስግኣት ወሲኹ’ሎ።

"ኣብተን ኣብ ሚድያ ዘሎ ግንዛበ ትሑት ዝዀነለን ሃገራት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ኣብ እዋን ግጭት ልዑል ተራ ኣለዎ። ስለዚ ምንካይ ሰራሕተኛታት ምቍጽጻር ትሕዝቶ ብፍላይ ካብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ርኡይ ፀገማት ሒዙ እዩ ዝመጽእ።

"ስለዚ፡ ሜታ [ፌስቡክ] ንትሕዝቶ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ክኢላታት ክቕንስ እዩ ኢለ ንምእማን ክፅገም እየ" ትብል ሰላማዊት።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጣበቕቲ ዲጂታዊ መሰላት ብፍላይ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስርዓት ክትትል ትሕዝቶ ብዝምልከት ተሓታቲ ክገብርዎ ጸኒሖም እዮም።

እንተዀነ፡ ሜታ መኽሰበይ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ክትትል ትሕዝቶታት ከይተንከፎ ከምዘይተርፍ እታ በዓልቲ ሞያ ግምታ ተቐምጥ።

ፌስቡክ ነዚ ኣብ ግምት ከየእተወ ነቲ ምንካይ ሰራሕተኛታት እንተፈጺምዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጽልኢ ዘረባ፡ ስኑዕ ሓበሬታን ሓደገኛ ትሕዝቶን ብዝያዳ ክጓሃሃር ኣብ ምግባር ዝዓበየ ግደ ከም ዝህልዎ ድማ ተጠንቅቕ።

እዞም ስጕምትታት እንታይ ከኸትሉ ይኽእሉ?

ኩባንያ ሜታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኩባንያ ሜታ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ ክንኪ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ

እዞም ኩባንያታት ብቛንቋታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝፍነዉ ትሕዝቶ ዝግበር ምክትታል ዘካይዱ ሰራሕተኛታት እንተነክዮም፡ ነቲ ዋላ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ዘሎ ዓቕሞም ብምድኻም፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጸቕጢ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ተወሳኺ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ኣማኻሪትን ተመራማሪትን ድሕነት ኢንተርነት ከምኡ ድማ ዲጂታላዊ መሰላት ዝዀነት ሰላማዊት ትገልፅ።

ዋላ'ኳ ሓፈሻዊ ውጽኢት ናይቲ ዝወስድዎ ስጕምቲ ምግማት ዘይከኣል እንተዀነ፡ ብፍላይ መንግስታት ንስልጣኖም ዝፈታተን ብድሆ እንተ ኣጋጢምዎም፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ምዕጋት ክበጽሑ ከምዝኽእሉ እያ ትዛረብ።

መንግስታት ዩጋንዳን ኢትዮጵያን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምእጋድ ታሪኽ ዝጸንሐን ሃገራት’የን።

ናይጀርያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንዝጠቅዖ ጽሑፍ ኣልዩ፣ ምስ ተገንጸልቲ ወጊኑን፣ ኣካታዒ ትሕዝቶ ዕሽሽ ኢሉ፣ ብዝብሉ ክስታት ንኣዋርሕ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ኣጊዳቶ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ስራሕ ዳግም ንምጅማርን ኣብታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ክኽፈትን ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

መንግስታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ተኽእሎኦም ትሑት'ኳ እንተዀነ ብፍላይ ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶ፡ ኣብ ባይታ ከኸትልዎ ንዝኽእል ሳዕቤን ብምስጋእ ስጕምቲ ክወስዱ ዘይሕሰብ እዩ ምባል ዝከኣል ኣይኰነን ትብል ሰላማዊት።

ንጥፈታት ክትትል ትሕዝቶ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘቐምጥዎም ሕግታት ተጠቀምቲ ዝተመርኮሰ እዩ።

እቶም ነዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውንኑ ኩባንያታት ብፍላይ ኣብ እዋን መረጻ፡ ንጸረ-ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ከይውዕሉ ብዝብል ሓያሎ ሚልዮናት ወጻኢ ብምግባር’ዮም ዝሰርሑ።

ፌስቡክ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ መረጻ፡ ጎንጺ ዘበግሱን ጸረ-ዲሞክራሲ ትሕዝቶታትን ንምቍጽጻር ዘካየዶ ጻዕሪ ዝዝከር እዩ።

ስለዚ ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ትሕዝቶ ምክትታልን ካብ ስራሕ ምስጓጉ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝተራእየ ምዕባለ ከምዘዳኽም እታ ተመራማሪት ትዛረብ።

እንተዀነ ነቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ መረዳእታ ጥራይ መሰረት ብምግባር፡ ሓፈሻዊ ውጽኢት ንምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ወሲኻ ትሕብር።

መፍትሒኡ እንታይ እዩ?

ተጠቀምቲ ትዊተር እናበዝሑ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ሰራሕተኛታት ይጐድሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተጠቀምቲ ትዊተር እናበዝሑ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ሰራሕተኛታት ይጐድሉ

ኣባላት ሲቪል ማሕበራት ይዅኑ ተጣበቕቲ ዲጂታዊ መሰላት፡ ነቲ ፌስቡክ ዘካይዶ ምንካይ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሃብዎ ኣይመስሉን።

ይዅን እምበር ኣብቲ ዓውዲ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ናይ ዓመታት ልምዲ ዘለዋን ሳምራዊት፡ እቲ ምንካይ ዓቕሚ ሰብ ብፍላይ ኣብ ምክትታል ትሕዝቶ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ጸቕጢ ኣብ ግምት ከእትውዎ ከምዝግባእ ትምዕድ።

ጐንጺ ዘስዕቡ ትሕዝቶታት ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ግዚ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ እንተዘይኣልዮም፡ ተሓተትቲ ዝዀኑሉ ስርዓት ንምምዕባል ሲቪክ ማሕበራትን መንግስታትን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ ድማ ትብል።

ፌስቡክ ኣብ ምክትታል ትሕዝቶ ዝሓሸ ርሕቀት ከምዝተጓዕዘ እትገልጽ እታ በዓልቲ ሞያ፡ ኣብዚ እዋን ዝያዳ ሓደገኛ ዝዀኑ ከም ቴሌግራም ዝኣመሰሉ ሜላታት ቆላሕታ ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።

ይዅን እምበር እቲ ቀንዲን ነባሪን መፍትሒ፡ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰፊሕ ግንዛበ ምፍጣር ከምዝዀነ ትኣምን።

እዚ ድማ ተግባራት ምርግጋጽ ሓበሬታ፣ ናይ ጽልእን ስብእና ዘነኣእስን ቃላት ምልላይ፣ ከምኡ’ውን ዜጋታት ንልክዕነት ሓደ ዜና ናይ ምዕቃን ዓቕሚ ከዕብዮ ምምሃር የጠቓልል።