ብበዓልስልጣን ኣላጊፆም ዝተብሃሉ ‘ቲክቶከራት’ ብኩርማጅ ክግረፉ ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ክልተ ከዋኽብቲ ቲክቶክ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ንሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ድሕሪ ምቅላዶም፡ ብመግረፍቲ ክቕፅዑ ተፈሪዶም። ነቲ ቤት ፍርዲ ከጽርዩ’ውን ተገዲዶም።
ሙባረክ ዒሳ መሓመድን መሓመድ ቡላን ንኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ግዝኣት ካኖ-ናይጄርያ፡ ዓብደላሂ ጋንዱጀ ብምጽላም’ዮም ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም።
ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ፡ ዓማዊሉ ነቲ ፍርዲ ከምዘይቃወምዎ ገሊጹ።
ኣብ ናይጀርያ፡ ኮሜዲ (ቀልዲ) ብምጥቃም ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ነቐፌታታት ዝህቡ ከዋኽብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቁጽሮም እናወሰኸ ይርከብ።
ሙባረክ ዒሳን ሙሓመድ ባላን፡ ነቲ ኣመሓዳሪ፡ መሬት ብምዝማት፡ ብብልሽውናን ኣብ ስራሕ ብምድቃስን ዘላገጹሉ ቪድዮ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቲክቶክን ፌስቡክን ድሕሪ ምዝርግሖም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።
ወዳ ኣሕመድ ወዳ ዝተብሃለ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ሰባት ንስም እቲ ኣመሓዳሪ ከምዘጸለሙን እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ሰላም ህዝቢ ናይ ምዝራግ ዓቕሚ ከምዘለዎን ገሊጹ።
ገበኖም ተኣሚኖም ምሕረት ክግበረሎም እንተሓተቱ’ኳ፡ ዳኛ ግን ነፍሲ ወከፎም 20 መግረፍቲ ክግረፉ፤ 10 ሽሕ ገንዘብ ናይጀርያ ናይራ (20 ፓውንድ) መቕጻዕቲ ክኸፍሉን ን30 መዓልታት ቀጽሪ ቤት ፍርዲ ከጽርዩን ኣዚዙ።
ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ግዝኣት ካኖ-ናይጄርያ፡ ዓብደላሂ ጋንዱጀ ብግልጺ ይቕሬታ ክሓቱ ተበይንዎም።
ጠበቓኦም በሽር ዩሱፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፍርዲ ''ዘይማእሰርቲ'' ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዘይቃወምዎ ሓቢሩ።
ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ተጠቀምቲ ቲክቶክ ቕልጡፍ ወሰኽ ከምዘርኣየት ይግለፅ።
እዞም ተጠቀምቲ ቲክቶክ ንሰበስልጣን መንግስቲ ሓዊሱ ንፍሉጣት ሰባት ዝምልከት ስእሊ ወይ ቪድዮ ብምድላው የላግጹሎም፤ ብኸምዚ ድማ ብዙሓት ሰዓብቲ ንምስሓብ ኮሜዲታት የዳልዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







