ኣቶ ታከለ ኡማ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሚኒስተራት ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም

እቶም ኣርባዕተ ሚኒስትራትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዎት ሚኒስተራት ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ኣባላቱ ካብ ስልጣኖም ከም ዝተፋነዉ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት እታ ሃገር፡ ሎሚ 06 ጥሪ 2015 ስሩዕ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣርባዕተ ሚኒስተራት ከም ዝተሰነዩ ሓቢሩ።

ብዚ መሰረት፡ ኣቶ ታከለ ኡማ፣ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፣ ኣቶ ዑመር ሑሴንን ኣቶ ተፈሪ ፍቅሬ 'ብኽብሪ' ካብቲ ቤት ምኽሪ ተኣልዮም ኣለዉ።

እቶም ሚኒስተራት ነቲ ከገልግልሉ ዝጸንሑ ሓላፍነት ክረኽቡ ዝኸኣሉ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ብምዃኖም ስለዝነበረ፡ ካብ ቤት ምኽሪ እንተተኣልዮም፡ ናይ ሚኒስትሪ ስልጣንኖም እውን ከም ዝተዛዘመ ዘመልክት እዩ።

እንተኾነ እዞም ኣብ ላዕለዎት መንግስታዊ ጽፍሕታት ዝጸንሑ ውልቀሰባት ንምንታይ ከም ዝተሰነዩን ቀጻሊ ዕጫኦም እንታይ ከም ዝኾነን ኣይተገልጸን።

ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ንኣርባዕተ ዓመታት ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኮይና ክተገልግል ጸኒሓ እያ።

ቅድሚኡ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት መንግስታዊ ጽፍሕታትን ኣገልጊላ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ምክትል ከንቲባ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ታከለ ኡማ፡ ንዓመታት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ሚኒስተር ዕደና ኮይኑ የገልግል ነይሩ።

ኣቶ ዑመር ሑሴን ብወገኑ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኮይኑ ንሚኒስትሪ ሕርሻ ክመርሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣቶ ተፈሪ ፍቅሬ ድማ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ሚኒስተራት ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ኣብቲ መሰነይታ ተረኺቦም።

ካብቶም ዝተሰነዩ ኣርባዕተ ሚኒስተራት፡ እቶም ክልተ ኣምባሳደራት ኮይኖም ተመዚዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክምደቡ ትጽቢት ይግበር።

ኣቶ ዑመር ሑሴንን ኣቶ ተፈሪ ፍቅሬን ኣብ ዝሓለፈ 21 ታሕሳስ 2015 ብፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኮይኖም ከም ዝተመዘዙ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀጻሊ መደቦም ኣብ ዲፕሎማሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት እዩ።

ወይዘሮ ዳግማዊትን ኣቶ ታከለን ግን ቀጻሊ መደቦም እንታይ ከም ዝኸውን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ ነዚ ንምጽራይ ዝገበሮ ፈተነታት እውን ኣይሰመረን።

ኣቶ ታከለ ኡማ፡ ን'ኢትዮጵያ ብምግልጋለይ ክብሪ ይስመዐኒ' ክብል ኣብ ትዊተር ገጹ ኣስፊሩ።