ኣብ ትግራይ፡ ‘ህጹጽ’ ልግሲ ደም የድሊ ኣሎ

ከረጢት ደም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ተደራረብቲ ጸገማት ጥዕናን ኲናትን ንዘጋጠመ ሕጽረት ደም ንምፍታሕ፡ “ህጹጽ” ምልጋስ ደም ከም ዘድሊ ባንኪ ደም መቐለ ሳይት ኣፍሊጡ።

ብሕጽረት መግብን ሓሰኻ መዓናጡን [hookworm] ዝተፈጥረ ዋሕዲ ደምን ሰኣን ሕክምናን መድሃኒትን ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘጋጠመ ከበድቲ ጸገማት ናይ ደም ሓገዝ ዝሓቱ ብዙሓት እዮም።

ኣብዚ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ወገናት ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ሓገዝ ደም ዝሓትሉ ኩነታት ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣተሓባበሪ ባንኪ ደም መቐለ ኣቶ ሳምሶን የማነ፡ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ከቢድ ሕጽረት ደም የጋጥመን ከም ዘሎ ሓቢሩ።

“ብዙሓት ወገናት ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ናይ ደም ሓገዝ ዘድልዮም ካባና ሓገዝ ዝሓትሉ ኩነት እዩ ዘሎ። እተን ሆስፒታላት ከቢድ ሕጽረት ደም የጋጥመን ብምህላው፡ መጥባሕቲ ይደናጎ ኣሎ። እቲ ሕብረሰተብ’ውን ኣብ ኲናት ስለ ዝጸንሐ፡ ብዙሓት ናይ ሰራዊት ኣባላት ኣለው፤ ዝሓርሳ ኣዴታት’ውን ኣለዋ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ዕጽዋን ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ትካላት ጥዕና እቲ ክልል ኩለ መዳያዊ ጸገማት ቀረባት ሕክምናዊ ናውትን መድሃኒትን ክገጥም፣ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ከብላ ጸኒሐን እየን።

ባንኪ ደም መቐለ’ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022፡ ደም ከም ዝስኣነን ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ከም ዝበጽሐን ገሊጹ ነይሩ።

ሓደ ሰብ ዝለገሶ ደም ን35 መዓልቲ ጥራይ ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ከድሕን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

“ሕዚ እቲ ተጠቃምነት ወሲኹ እዩ ዘሎ። ብፍላይ እቶም ብኲናት ዝተጐድኡ፡ ቀጻሊ መጥባሕቲ ስለ ዝግበረሎም፡ ደም ይሓቱ’ዮም። ኣብ ግዝያዊ ማእከላት መዕቈቢ ዝርከብ ብዙሕ ዝተመዛበለ ሕብረተሰብ ኣሎ፣ ኣብ ገጠራት’ውን ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና ስለ ዘየለ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጥዕንኡ ተጐዲኡ፡ ደኺሙ ናብ ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል መቐለን ዝመጽእ ሰብ ብዙሕ’ዩ ዘሎ” ክብል ኣቶ ሳምሶን ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 14 ሽሕ ከረጢት ደም ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ ዝገልጽ ኣቶ ሳምሶን፡ ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ 5 ሽሕን 200 ከረጺት ደም ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝውዓለ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ድማ፡ 15 ሽሕ ከረጢት ደም ክእክብ መደብ እኳ እንተለዎ፡ ኣብዚ እዋን ግን እቲ ሕብረተሰብ ደም ኣብ ምልጋስ ዝሒሉ ኣሎ- ይብል።

“ብዝትካእ ደም ዘይትካእ ህይወት ከነድሕን ይግባእ” ዝብል ኣቶ ሳምሶን፡ “ ሰብ ንምድሓን ድሉዋት ክንከውን ይግባእ” ይብል።

ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 65 ዘሎ፣ ክብደት ሰብነቶም ድማ ልዕሊ 45 ኪሎ ግራም ዝዀኑ፣ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝልግሱ’ውን ሰለስተ ወርሕን ልዕሊኡን ዝዀኖም ሰባት ኣብ ዝዳሎ ፕሮግራማት፣ ነቑጣታት ደም ልገሳ ይኹን ክሊንካት ባንኪ ደም ብምኻድ ክልግሱ ተላብዩ።

“መሓዙትና ጸገም ደም ከጋጥሞም ንርኢ ኣለና”

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምልጋስ ደም ብ1969 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ጀሚሩ። ውድብ ጥዕና፡ ጠለብ ደም እታ ሃገር ንምምላእ ሓደ ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ደም ክልግስ ይመክር።

በዚ መሰረት፡ ኣስታት 1.1 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን፡ ስሩዕ ለገስቲ ደም ክዀኑ ትጽቢት ይግበር።

ባንኪ ደም መቐለ ሳይት፡ እዚ ሕጂ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሕጽረት ደም ንምፍታሕ፡ ሕብረተሰብ ደም ንክልግስ ክጽውዕ እንከሎ፡ ኣብታ ከተማ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ወፍሪ ምልጋስ ደም ተኻይዱ’ዩ።

እዚ ፕሮግራም ምልጋስ ደም፡ መንደራት መቐለ ብዝብል ዝፍለጥን ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣን ከምኡ’ውን ካልኦት ማሕበራዊ ጸገማት ንምቕራፍ ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ወፍርታት ንምሕጋዝ ኣብ ፌይስቡክ ዝነጥፍ ጉጅለ መናእሰይ ዘወሃህዶ ዘሎ’ዩ።

መንእሰይ ተስፋልደት ሓደ፡ ካብቶም ኣወሃሃድቲ እቲ ወፍሪ ኰይኑ፡ ንፈለማ እዋን ደም ከም ዝለገሰ ይዛረብ።

“ኣነ ደም ለጊሰ ኣይፈልጥን፤ ግንዛበ እውን ኣይነበረንን። ሕዚ ግን መሓዙትና፡ ብዙሕ ናይ ደም ጸገም ከጋጥሞም ንርኢ ስለዘለና ደም ብምልጋስ ህይወት ሰብ ካብ ሓደጋ ከም ዝድሕን ብተግባር ንርኢ ኣለና። ስለዝኾነ ብዝትካእ ደም ዘይትካእ ህይወት ሰብ ዘይነድሕን ብዝብል ኢና ነቲ ወፈራ ኣበጊስናዮ” ይብል።

መንእሰይ ኣማኑ ብወገኑ፡ “ደም ምሃብ ከም ግቡእና ገይርና እንተንወስዶ ዝብል መልእኽቲ ከሕልፍ እየ ዝደሊ፤ ምኽንያቱ እቲ ደም ኣብቲ ዝተጐድአ ቤተሰብካ ድዩ ዓርክኻ ክበጽሕ ስለ ዝኽእል፡ ደም ናይ ምልጋስ ባህልና ክዓቢ ኣለዎ። ሕብረተሰብ ጥቕሚ ደም ንክርድኦ ድማ እቶም ደም ዝእክቡ ሰባት ናብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ክኣትው ይግባእ” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ሕጽረት ባጀትን መሳለጢታትን ከም ዘለውዎ ዝገልጽ ባንኪ ደም መቐለ፡ እቲ ትካል ነቲ ደም ዝልግስ ሰብ [ዶነር ሪፍሬሽመንት] ዝወሃብ ከም ለስላሳ፣ ብስኩትን ማይን ዝኣመሰሉ ነገራት ከም ዘይብሉ ኣተሓባባሪ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ሳምሶን የማነ ገሊጹ።

እቲ ሕጽረት ክፍታሕ እንተዀይኑ፡ እቲ ሕብረሰተብ ደም ናይ ምልጋስ ባህሊ ከማዕብል ኣለዎ ብምባል፡ ብውሑዱ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ብስሩዕ ናብ ክሊኒካት ብምኻድ ክተሓባበር ተማሕጺኑ።