ጥዕና፡ ን80 ግዜ ደም ዝለገሰት ኢትዮጵያዊት ነርስ

ምንጪ ስእሊ, @LIA_TADESSE
ሓደ ውልቀሰብ ኣዝያ ዝተዳኸመት በዓልቲ ቤቱ ከሐክም ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ይኸይድ። ሓካይም ድማ ሕክምና ክገብሩላ ይጅምሩ።
ጸኒሖም ነቲ ውልቀሰብ ጸዊዖም፡ በዓልቲ ቤቱ ህጹጽ ክልተ ዩኒት ደም [ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ግዜ ሓንቲ ዩኒት ደም ጥራሕ'ዩ ክልግስ ዝኽእል] ከም ዘድልያ ይሕብሩዎ።
ንሱ ከኣ ኣለሻ ደም ካብቲ ሆስፒታል ኣብ ጎኒ ስታድየም ናብ ዝነበረ ባንኪ ደም ይኸይድ።
"በዓልቲ ቤተይ ካብ እትመውት ናተይ ደም ወሲድኩም ደም ሃቡዋ" ኢሉ ይምሕጸን ከም ዝነበረ ሰራሕተኛ ሃገራዊ ባንኪ ደም ዝኾነት ሲስተር ኣሰጋሽ ጎሳ ትዛረብ።
"ኣመና ተጨኒቑ ነይሩ" ብምባል " . . . 'በዓልቲ ቤተይ . . . ኣደ ደቀይ ክትመውት'ያ። ንሳ ካብ እትመውት ኣነ ክመውት' እናበለ ሰሚዐዮ" ትብል።
ኣብቲ እዋን ደም ከም ዘድልዮም ዝሓተቱ ሰባት ቅድሚ ምርካቦም ንኣዝማዶም ወይ'ውን መሓዙቶም ናይቲ ዝወስዱዎ ደም መተካእታ ምስሃቡ'ዮም ደም ዝረኽቡ።
በዚ ምኽንያት'ዩ እዚ ውልቀሰብ ብጭንቂ ዝተወጠረ።
ንሱ ይሃብ እንተተባህለ'ውን፡ ሓንቲ ዩኒት ደም ጥራሕ'ዩ ክልግስ ዝኽእል። ይኹን'ምበር ክህብ ኣይኽእልን።
ናይቲ ውልቀሰብ ጭንቀት፣ ድኻምን ካልኦትን ተደሚሮም ደም ክልግስ ዘይኽእለሎም ምኽንያታት ብዙሓት ነይሮም።
"ኣብ ክንዳኻ ኣነ ክልግስ'የ ኢለዮ" ትብል ሲስተር ኣሰጋሽ።
ድሕሪ'ዚ፡ ናታ ታሪኽ ምልጋስ ደም ክጽሓፍ ጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ 80 ግዜ ደም ለጊሳ ኣላ።
ሲስተር ኣሰጋሽ ጎሳ ትብሃል። ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ "ሲስተር ኣሰጋሽ ነርስን መሪሕ ለጋሲት ደም ኣደን እያ" ክትብል ኣብ ቀረባ ገሊጻታ ነይራ።
ኣብ ሃገራዊ ባንኪ ደም ንልዕሊ 20 ዓመታት ክትሰርሕ እንከላ፡ ሕብረተሰብ ደም ንክልግስ ትምህርቲ ምሃብ ቀንዲ ስርሓ እዩ።
ቅድም ኢሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ሓደ ግዜ ደም ክልግሳ'ዩ ዝምከር ነይሩ።
"ኣነ ግን ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ'ውን ሰለስተ ወርሒ'የ ዝልግስ ነይረ" ብምባል ተውግዕ።
እዚ ተቐይሩ ሕጂ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ምሃብ ተፈቒዱ ኣሎ።
"ግቡእ ጥንቃቐ እየ ዝገብር፤ ክማልኡ ዝግብኦም ነገራት ኣማሊአ ስለ ዝቐርብ 'ሕጂ ደም ክትልግሲ ኣይትኽእልን' ተባሂለ ዝተመለስኹሉ ግዜ የለን" ኢላ።

ቢቢሲ፡ ንምዃኑ እቲ ዝለገስኽዮ ደም ናብ መን ከም ዝበጽሕ ትፈልጢ'ዶ?
ሲስተር ኣሰጋሽ፡ ደም ንመን ከም ዝወሃብ ኣይፍለጥን፤ እቲ ደም ተኣኪቡ ናብ ሆስፒታል'ዩ ዝኸይድ። ንዘድልዮ ሰብ ድማ ይወሃብ።
ቢቢሲ፡ ስለምንታይ'የ ደም ለጊሰ ኢልኪ ተጣዒስኪ ትፈልጢ'ዶ?
ሲስተር ኣሰጋሽ፡ የለን፤ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ህይወት ሓደ ሰብ ክድሕን ምሕጋዝ ዓብዪ ነገር'ዩ። ሓሚመ ደም ካብ ዝወሃበኒ ክህብ'የ ዝመርጽ።
ልዕሊ ኹሉ ናይ ሕልና ዕግበት ኣለዎ። እቲ መጀመርታ ዝሓገዝኩዎ ውልቀሰብ ኩል ግዜ'ዩ ዘሐጉሰኒ። ንሱ ተጨኒቑ ምስ ርኣኹዎ ብምሕጋዘይ ሕጉስቲ'የ። ንኻልኦት ሓገዝ ብምግባርናን ሰራሕተኛ ባንኪ ደም ብምዃነይን ሕጉስቲ'የ።
ቢቢሲ፡ ስለምንታይ ደም ትልግሲ ዝበለኪ ኸ ኣሎ'ዶ?
ሲስተር ኣሰጋሽ፡ የለን። ኣደይ ደም ዘድለዮ ሰብ ክህሉ እንከሎ ካልእ ሰጊኡ ኣይህብን ክብል እንከሎ ንሳ ትህብ ነይራ።

ዶክተር ሊያ ብትዊተር ናብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ንመለስ።
"ሲስተር ኣሰጋሽ፣ ነርስ፣ ኣውራ ለጋሲት ደም ኣደ ብምዃን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ንመበል 80 ግዜ ደም ለጊሳ ኣላ። እዚ ኣብ ሃገርና ብቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ለገስቲ ደም ክብረወሰን ዝሓዘ'ዩ። እንኳዕ ደስ በለኪ፤ ነመስግን" ኢላ ናእድኣ ገሊጻትላ።
"ክጅምር እንከለኹ፡ ኣብዚ ቑጽሪ ክበጽሕ'የ ዝብል ግምት ኣይነበረንን" ትብል ሲስተር ኣሰጋሽ።

ምንጪ ስእሊ, @LIA_TADESSE
ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዝሓዙዎ ደረጃ ክትወዳደሪ ትሓስቢ'ዶ? ኢልና ሓቲትናያ።
ሲስተር ኣሰጋሽ፡ [ስሓቕ] ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ'የን ዝወዳደራ። ንሕና ንጠንስ፣ ንወልድን ነጥቡን ኢና። ኣብዚ ግዜ ደም ክንልግስ ኣይንኽእልን። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምጥዋብ ጠጠው ምስ ኣበለት ድሕሪ ሓደ ዓመት'ያ ደም ክትልግስ ዝፍቀደላ። ስለዚ ብውሑድ 11 ወይ 12 ግዜ ክትህብ እትኽእለሉ ዕድል ትስእን ኣላ ማለት'ዩ። ብምባል ክትወዳደር ከም ዘይትሓስብ ተዛሪባ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደ ሰብ ሰኣን ደም ክመውት የብሉን ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሓንቲ ሃገር ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ካብ ሚኢቲ ሓደ ሰብ ደም ክልግስ ከም ዘለዎ የቐምጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ቑጽሪ ለገስቲ ደም ፍርቂ ሚሊየን ኣይበጽሐን።
"ገሊኦም ሰኣን ግንዛበ ምዕባይ ደም ክልግሱ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን" እትብል ሲስተር ኣሰጋሽ፡ "ደም ካብ ምቕባል ምሃብ እዩ እቲ ዝዓበየ ነገር" ትብል።
ወሲኻ ኩሉ እቲ ደም ዘድልዮ ሰብ "ኣደይ፣ ሓፍተይ ወይ መቕርበይ እንተኾነኸ? ኢሉ ክሓትት ይግባእ። ደም ብምልጋስ ህይወት ሰብ ምድሓን ዝነዓቕ ኣይኮነን" ኢላ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንምዃኑ እቲ ደም ንምልጋስ ምኽንያት ዝኾነኪ ውልቀሰብ ወይ'ውን በዓልቲ ቤቱ ተራኺብኩም ትፈልጡ'ዶ? ኢልና ሓቲትናያ።
"ኣይፈልጥን፤ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኾኑ ኣይፈልጥን" ኢላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







