'ጓለይ ንምቕባር ጉልበት ስኢነ’ - ብደርቂ ዝተጠቕዐት ሶማልያዊት ኣደ

ወዲ 11 ዓመት ዳሂር፡ ንብዓቱ ኣብቲ ብጥሜት ዝጎድጎደ ምዕጉርቱ እናወረደ "ካብዚ ክድሕን ጥራይ እየ ዝደሊ" በለ ብትሑት ድምጺ።
"ንብዓትካ ንሓውኻ ኣይመልሶን'ዩ። ኩሉ ጽቡቕ ክኸውን'ዩ" ክትብል እታ ድኽምቲ ኣዲኡ ፋጡማ ዑመር ክተጽናንዖ ፈቲና።
ፋቱማ፡ ካብ ቡሎ ሲየር ዝተባህለት ቁሸት ምስ ትሽዓተ ደቃ ብእግሪ ብውሑዱ ን15 መዓልታት ተጓዞም ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዮም ባይዶዋ በጺሖም።
ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ከተማ ባይዶዋ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ሓመድ ዝመልኦ ቆላ ኣብ ዝተሰርሐ ግዝያዊ ዳስ ይነብሩ።
ስድራ ፋጡማ ባይዶዋ ምስ በጽሑ ነዊሕ ከይጸንሑ ወዲ 10 ዓመት ወዳ ሳላት ብጥሜት ሞይቱ።
ሬስኡ ድማ ካብቲ ግዝያዊ ዳሶም ሒደት ሜትሮታትርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ መሬት ተቐቢሩ።
"ብወደይ ክሓዝን ኣይክእልን እየ። ግዜ የለን። እቶም ካልኦት ብህይወት ንኽጸንሑ ስራሕን መግብን ክረክብ ኣለኒ" ትብል ፋጡማ ነታ ጓል ትሽዓተ ወርሒ ንእሽቶ ጓላ ቢለ ሓቚፋ ነታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላ ማርያም ክትስዕል ከላ ተጠውያ እናረኣየታ።
ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ናይ ሓመድ መንገዲ፡ ናብ ገማግም ባሕርን ርእሰ ከተማ ሶማል ሞቓዲሾን ገጽ፡ ካልኦት ተመዛበልቲ ስድራቤታት ብዛዕባ መግቢ ንምድላይ ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞታት ዝያዳ ዘሕዝን ዛንታታት የዘንትዉ።
'ጓለይ ንምቕባር ጉልበት ስዒነ’
ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ንኣሽቱ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ይገልጽ። እዚ ድማ ምስቲ ልዑል መጠን ሞት፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተዓወጀ ኣዋጅ ጥሜት ድሮ ከምዝደንጎየ ከመልክት ዝኽእል’ዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ለውጢ ክሊማ ዘጋደዶ ተኸታታሊ ድርቂ፡እቲ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘመናት ዝጸንሐ ጓሳዊ ኣነባብራ ንኸብቅዕ ጠንቂ ከይኸውን የስግእ ኣሎ።
ፋጡማ፡ ወዲ 10 ዓመት ወዳ ሳላት ጥራይ ኣይኮነን ብጥሜት ዝሞታ። ብተመሳሳሊ ሰለስተ ዓመት ዝመልኣ ጓላ ፋርሂር እውን ብጥሜት ሞይታታ እያ።
"ጓለይ ኣብ ቅድሚይ ክትመውት ርእየያ፡ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን" ትብል።
"ን10 መዓልታት ሓዚለያ ጸኒሐ። ክንቀብራ ጉልበት ኣይነበረናን። ኣብ ወሰንጽርግያ ገዲፍናያ። እቶም ኣዛብእ ክጽግዑ ንሰምዕ ነይርና።"
"ዝሓዝክዎ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ገዛዝተረፈ ነገር የለን። እተንከብቲ ሞይተን እየን። ግራውቲ ደረቕ'ዩ" ትብል ጓል 50 ዓመት ሓቢባ መሓመድ። ናብ ቁሸታ ፈጺማ ከምዘይትምለስ ትዛረብ።

ሓቢባ ከምቶም ካልኦት ተመዛበልቲ፡ ቁሪ ለይቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ጨናፍር፡ በትሪታትን ቁርጽራጽ ካርቶንን ፕላስቲክን ገይራ ሓሙሽተ ቆልዑ ንዘለዎ ቤተሰባ ዳስ ክትተክል ተጸሚዳ ነይራ። ብድሕሪኡ እያ ንገለ ካብቶም ደቃ መግብን ሕክምናዊ ሓገዝን ክትደልይ ዝጀመረት።
ኣብቲ መተኣናገዲ እቲ ቀንዲ ሆስፒታል እታ ከተማ፡ ዶክተር ዓብደላሂ ዩሱፍ ካብ ዓራት ናብ ዓራት እናዞረ ዝምርምሮም ደቀቕትን ዝደኸሙን ሕሙማቱ መብዛሕትኦም ካብ ክልተ ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም።
ኩሎም ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ እዮም። ገሊኦም ብነድሪ-ሳምቡእ ብዙሓት ድማ ብሓድሽ ለበዳ ሕማም ዕንፍሩር ይሳቐዩ ነይሮም።
ንምብካይ ዝኾን ጉልበት ዝነበሮም ዕሸላት ውሑዳት እዮም። ብሰንኪ እቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣዝዩ ጽንኩር ጥሜት ዘስዕቦ ሕበጥ፡ ሓያሎ ህጻናት ቆርበቶም ኣዝዩ ዝተጎድአ እዩ።
ዶክተር ዓብደላሂ፡ "ኣዝዮም ብዙሓት ህጻናት ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብጽሖም እዮም ዝሞቱ" ይብል።
'ዘስካሕክሕ'ዩ፡ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ'
ሰበስልጣን ሶማልን ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብዚ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ዝመጽእ ዘሎ ጥሜት ኣመልኪቶም ንኣዋርሕ መጠንቀቕታ ከስምዑ እኳ እንተጸንሑ፡ ዶክተር ዓብደላሂ ግን ድሮ ኣብ ሆስፒታሉ ንህጻናት ዝኸውን መመላእታ መግቢ ሓዊሱ ሕጽረት መሰረታዊ ነገራት ከምዘሎ ይገልጽ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ቀረብ ንስእን። ሰባት ይሞቱ ስለዘለዉ ብሓቂ ዘስካሕክሕ'ዩ፡ ሓገዝ ክንህቦም ድማ ኣይከኣልናን። ምምሕዳር ከባቢና ነዚ ጉዳይ ኣጸቢቑ ኣይሕዞን'ዩ። ንቲ ደርቂ ይኹን ንመጓዓዚ ተመዛበልቲ መደብ ከይገበረ እዩ ጸኒሑ" ይብል ኣብ ገጹ ብስጭት እናተረኣየ።
ሓደ ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ድማ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ይኣምን።
"ካብዚ ብዝዛይድ ክንቅልጥፍ ኣለና፡ ልክዕ... ከምኡ'ውን ዝያዳ ቅኑዕን ውጽኢታዊን ክንከውን ይግባእ" ይብል ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት ግዝኣት ደቡባዊ ምዕራብ ዝኾነ ናሲር ኣሩሽ። ዝያዳ ኣህጉራዊደገፍ ድማ ቁልፊ ምዃኑ ኣጽኒዑ ይገልጽ።
"እቲ ዘድልየና ሓገዝ እንተዘይተረኺብና፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ'ዮም። እቶም ሕጂ ንገብሮም ዘለና ነገራት ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ክንገብሮም ይግባእ ነይሩ። ኣብ ክውንነት፡ ደንጕና ኢና። ገለ ነገር [ቀልጢፉ] እንተዘይተፈጺሙ ኣብዚ ከባቢ መቕዘፍቲ ዝወርድ ይመስለኒ።"
ጥሜት ብወግዒ ናይ ምእዋጅ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ንምግላጽ ዘጸግም መረድኢታትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝተመርኮሰ ክኸውን ይኽእል።
"ብመሰረቱ፡ ቴክኒካዊ መስርሕ" ክትብል ዝገለጸቶ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሞቓዲሾ ኬት ፎስተር፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ድርቂ "ካብቶም ዝሞቱ 260 ሽሕ ሰባት፡ እቶም ፍርቂ ቅድሚ ጥሜት ምእዋጁ" ከምዝሞቱ ተመልክት።
ሶማልያ ዝያዳ ምወላ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ኣህጉራዊ ጻዕሪ ዝመርሕ ልኡኽ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን ዓብዲሻኩር፡ ብፍላይ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝገበሮ ሓድሽ ምወላ ኣመስጊኑ "ተስፋ ሂቡና" ኢሉ።
ወሲኹ ግን ብዘይ ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ሓደ ክፋል ሶማልያ ከባብያዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ካብ ቁጽጽር ክወጽእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
"ስግኣት ከምዘሎ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና... ምላሽ ማሕበረሰብዓለም ግን እኹል ኣይነበረን" ይብል።
ኣንስቲ ይሃድማ፡ ሰብኡት ይጸንሑ
ግምታት እኳ እንተተፈላለየ፡ ብዝሒ ህዝቢ ባይዶዋ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብግምት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ናብ ኣስታት 800 ሽሕ በጺሑ እዩ።
እቲ ዘገርም ድማ ዳርጋ ኩሎምእቶም ተመዛበልቲ ቂ ኣንስትዮ እየን።
ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ካብዝፈርስ ኣትሒዙ እታ ሃገር ኣብ ኲናት እያ ዘላ። እቲ ብዝተፈላለየ መልክእ ዘጋጥም ግጭት፡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክቃለሱ ዝገብርን ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ ክፋል እታ ሃገር ዝጸሉን እዩ።
ሓዲጃ ኣቡካር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቲ ብዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ መሬት ኣምሊጣ እያ ናብ ባይዶዋ ኣትያ።
"ሕጂ'ውን እንተኾነ እቶም ዝተረፉ ስድራይ ይድውሉለይ እዮም። ውግእ ኣሎ - ኣብ መንጎ መንግስትን ኣልሸባብን። ኣዝማደይ ሃዲሞም ኣብ ጫካ ተሓቢኦም ኣለዉ" ትብል ኣብ ሓደ ንእሽቶ ሆስፒታል ኣብ ጥቃ ዝሓመመ ወዳ ኮፍ ኢላ።
ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ሰብኡትን ዓበይቲ ኣወዳትን ካብቲ እቶም ዕጡቓት ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት ከይወጹ ከምዝተዓገቱን፡ እቲጉጅለ ንዓመታት ዘረፋ ከምዝፈጸመን ሓቢረን።

ምንጪ ስእሊ, BBC/ ED HABERSHON
ልዕሊ ፍርቂ እቲ ብድርቂ ዝተሃስየ ህዝቢ፡ ኣብቶም ኣል-ሸባብ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ከምዝርከቡ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ንዝኾነ ይኹን ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ተረባሕቲ ከይኾኑ ሓገዝ ዝዓግት ጽኑዕ ሕግታት መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ፡ እቲ ሓገዝ ናብ ብዙሓት ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕርታት ክተሓላለኽ ገይርዎ ኣሎ።
"ኣብ ከበባ ዝርከቡ ህዝብታት ንርኢ ኣለና። ሓደ ሓደ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ" ይብል ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሶማልያ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ ) ዝመርሕ ቻርለስ ንዙኪ።
ምስ ንኣሽቱ ናይ ውሽጢ ሃገር መሻርኽቲ ብምትሕብባር ተበጻሕነት ንምዕባይ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣህጉራውያን ትካላትን ሰበስልጣን ሶማልያን፡ ናብቶም ኣብ ከበባ ዝርከቡ ገለ ከባቢታት ብኣየር ሓገዝ ክድርብዩ ይውጥኑ ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ዝኾነ መግቢ ወይ ገንዘብ ናብ ኣልሸባብ ከምዘይበጽሕ ውሕስነት ምሃብ ዳርጋ ከምዘይከኣል ይኣምን።
"ገርሁ ኣይንኹን፡ [ኣል-ሸባብ] ንኹሉ ግብሪ የኽፍል፡ ዋላ'ውን ካብ ጥረ ገንዘብዝግበር ወፈያ።"
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብዓመጽን ምፍርራሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ብወግዓዊ ብብልሽውና ዝና ዝረኸበት ሃገር ፍትሒ ብምሃብ ዝና መስሪቱ እዩ።
ኣልሸባብ፡ ኣብ ከባቢ ባይዶዋ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ቁሸታት ነበርቲ ንንግድን መሬትን ዝምልከት ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ብስሩዕ ዝጥቀሙሉ መርበብ ቤትፍርዲ ሸሪዓ መስሪቱ እዩ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ናዕቢ፡ ሕጂ ብማእከላይ መንግስቲ ብብዝሒ ዝድገፉ ማሕበረሰባትን ናይ ዓሌታት ዕጡቓትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ነቲ ጉጅለ ካብ ዓሰርተታት ከተማታትን ዓድታትን ኣባሪሮም እዮም።
እቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ንዝያዳ ትስፉውነት ደሪኽዎ’ኳ እንተኾነ፡ እዚግን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጥሜት ክሕግዝ ድዩ፡ ወይስ ኣቓልቦ መንግስቲ ሶማልያ ዘዘናግዕ ጥራይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, BBC/ ED HABERSHON
"ክሕግዝ፡ ወይ ድማ ዘይክሕግዝ ይኽእል። ዝያዳ [ሲቪላዊ] ምምዝባል ክፈጥር ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ወይ ድማ መንግስቲ ዝያዳ ከባቢታት ሓራ ከውጽእን ሰባት ዝያዳ ተበጻሕነት ክህልዎም ይኽእል'ዩ። ስለዚ፡ ብኹሉ ኩነታት ኢና ንዕዘቦ ዘለና" ይብል ሚኒስተር እቲ ከባቢ ናሲር ኣሩሽ።
ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝቐጸለ ግጭትን ሸለልትነትን በሰላ ዘለዋ ባይዶዋ ባዕላ፡ ዋጋታት መሰረታዊ ኣቑሑት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ።
"ሓርጭ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ - ኩሎም ብሓደ ዓይነት መጠን ወሰኾም እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ መግቢ ክንዘልል ኣለና። ብዛዕባ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ሰሚዐ እየ። ሰባት ሱር ጠንቂ ናይዞም ጸገማት ንሱ እዩ ይብሉ" ትብል ጓል 38 ዓመት ሹክሪ ሞኣሊም ዓሊ ናብቲ ደረቕ ዒላኣን መኻን ዝኾነ ናይ ኣሕምልቲ ቦታኣን እናተጓዕዘት።
ኣብዚ ዞባ ዝርግሐን ጥሜት ንምክልኻል ዝግበር ቃልሲ ቅልጡፍ ትኹረት ዘድልዮ ክኸውን እንከሎ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ እውን ብዛዕባ መጻኢ ዝያዳ ህላወኣዊ ሕቶታት ንምምላስ ይጽዕር ኣሎ።
"ነቲ ድርቂ ምላሽ ምሃብ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ምቅላስ፡ ከምኡ'ውን [ኣህጉራዊ] ፋይናንስ ፍትሒ ክሊማ ንምርካብ ጎስጓስ ምግባር በዳሂ ዕማም'ዩ" ይብል ዓብዲራሕማን ዓብዲሻኩር።
"መንእሰይ ህዝቢ፡ ገዚፍ ዲያስፖራ፡ ንጡፍ ናይ ስራሕ ፈጠራ ክእለትን ኣለና። ስለዚ እዚ ተስፋ ይህበና እዩ። በዳሂ'ዩ፡ ኣማራጺ ግን የብልናን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







