ኣብ ኣትላንቲክ ልዕሊ 60 ስደተኛታት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተሰጊኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ገማግም ባሕሪ ኬፕ ቨርደ ዝተረኸበት ጀልባ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት ልዕሊ 60 ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።
ህጻናት ዝርከብዎም 38 ሰባት ዝደሓኑ ኰይኖም፡ ኣብ ደሴት ሳል ካብ ባሕሪ ተደጊፎም ገሊኦም ድማ ተጸይሮም ክወጽኡ ተራእዮም።
ዳርጋ ኩሎም ኣብታ ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ባሕሪ ዝጸንሐት ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ሰኔጋላውያን ከም ዝዀኑ ይግመት።
ሰብ መዚ ኬፕ ቨርደ፡ ተወሳኺ ሞት ስደተኛታት ንምክልኻል ዓለምለኻዊ ስራሕ ክስራሕ ጸዊዖም።
ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከም ዝጸብጸቦ፡ እታ ጀልባ ብሰኑይ እያ ንፈለማ እዋን ተራእያ።
ኣብ መጀመርታ እኳ እታ ጀልባ ከምዝጠሓለት ተዘሪቡ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ክትጥሕል ክትብል ከም ዝተረኸበት ተገሊጹ።
እታ ካብ ገማግም ደሴት ሳል 320 ኪሜ ርሒቓ ዝነበረት ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነበረት ስፔናዊት ጀልባ ብዝመጸ ሓበሬታ ደሃያ ከም ዝተረኸበ ፖሊስ ገሊጹ።
ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ካብ 12 ክሳብ 16 ዕድሚኦም ኣርባዕተ ህጻናት ከም ዝርከቡዎም ወሃቢ ቃል ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰኔጋል፡ እታ ጀልባ ብ 10 ሓምለ ካብ ገጠር ፋስ ቦየ 101 ሰባት ጽዒና ከምዝተበገሰት ብሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣመሓዳሪ እታ ቁሸት ሞዳ ሳምብ ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ስደተኛታት ኣብታ ቁሸት ዝዓበዩ ኮይኖም ብዙሓት ሰባት ኣዝማዶም ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ እንተኾይኖም ንምፍላጥ ይጽበዩ ኣለዉ።
ካብቶም ስደተኛታት ዜጋታት ሴራልዮንን ጊኒ ቢሳውን ከምዝርከቡዎም ተገሊጹ ኣሎ።
ሰብ መዚ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝርከቡላ ደሴት ሳል፡ ሕክምና ይገብሩሎም ከም ዘለዉ እውን ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ኬፕ ቨርደ እኳ እንተተረኸቡ፡ መዕለቢኦም ግን ናብታ ሃገር ኣይነበረን። ናብተን ብብዙሓት ኣፍ ደገ ኣውሮጳ ከምዝኾና ዝሕሰባ ስፔናውያን ደሴታት ካናሪ እዮም ተበጊሶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትካል ስደተኛታት ከም ዝገልጾ፡ ናብዘን ደሴታት ዝግበር ጉዕዞ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሓደገኛ መገዲታት ሓደ እዩ።
ዋላኳ ዋሕዚ ስደተኛታት በብእዋኑ ዝፈላለ እንተዀነ፡ ካብ 2020 ክሳብ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን ብውሑድ 67 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ደሴታት ካናሪ በጺሖም።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ልዕሊ 2,500 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
እንተዀነ እዚ መጠን ሞት፡ ብኣይኦኤም ጥራሕ ዝተመዝገበ ከም ዝዀነ እዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።
እቲ ጉዕዞ ዘይስሩዕን ምስጢራውን ብምዃኑ ሓቀኛ ብዝሒ ግዳያት እቲ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣዐርዩ ዝዛየደ ከም ዝዀነ ይግመት።
መንቀሊ ስደት መብዛሕተኦም ሰባት ድኽነት ከም ዝዀነ ይእመን።
ብዙሓት ኣብ ኣውሮጳ ዝሓሸ ህይወት ከም ዝነብሩን ብድሕሪት ንዝገድፍዎም ስድርኦም ክጥውሩ ከም ዝኽእሉን ይሓስቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







