'ኣብ መርከብ' ምንባር ዝጀመሩ ሓተትቲ ዑቕባ ህይወቶም እንታይ ይመስል?

ገለ ካብቶም ቀዳሞት ጕጅለ ደቂ ተባዕትዮ ናብታ ከም 'ቢቢ ስቶክሆልም’ ተባሂላ እትፍለጥ መርከብ ዝተሰቕሉ፡ ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታት ጻንሒቶም ገሊጾም።
ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጽንሒ ቤት ማእሰርቲ ከምዝመስል ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ከምቲ መንግስቲ ዝሓሰቦ፡ ኣብታ መርከብ ክሳብ 500 ሰባት ንምትእንጋድ እኹል ቦታ ከምዘየለን ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ግን፡ ካብ ሓደሽቲ ስደተኛታት ዝመጽእ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ባርጅ [መጽንሒት መርከብ] ንከፋሊ ግብሪ ዝሓሸ ዕድል ከም እትህብ ይገልጽ።
እታ ኣብ ፖርትላንድ ፖርት ዶርሰት ተገቲራ ዘላ መርከብ [ባርጅ]፡ ብመሰረት እቲ መንግስቲ ወጻኢታት መንበሪ ዑቕባ ንምንካይ ዝሓንጸጾ መደብ ውሕስነት ዝረኸበት ናይ መጀመርታ ውጥን እያ።
ብሰንኪ ስክፍታታት ድሕነት፡ ድሕሪ ብዙሕ ምድንጓያት፡ ብሰኑይ እቶም ቀዳሞት 15 ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ‘ቢቢ ስቶክሆልም’ መርከብ ተሰቒሎም ኣለዉ።
እቶም ካብ 18 ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ውጽኢት ሕቶ ዑቕባኦም እናተጸበዩ ኣብዚ ክጸንሑ እዮም።
ካብ መንጐኦም፡ ሓደ ቢቢሲ መንነቱ ዘይረቝሖ ኣፍጋኒስታናዊ ሓታቲ ዑቕባ፡ "ድምጺ እቲ ማዕጾን ሓለዋን፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣልካትራዝ ዝኣተኹ መሲሉ እዩ ዝስመዐኒ" ኢሉ።
"ዓርከይ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ሰንቢዱ፡ ዝጥሕል ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዕዎ። ካባና ኣብዚ ብሓኪም ንጭንቀት ከቢድ መድሃኒት ዝተዋህቦም ሰባት ኣለዉ።"
ንሱ፡ ንእሽቶ ክፍሊ ከምዝተዋህቦን፡ እቲ መመገቢ ኣዳራሽ ድማ ትሕቲ 150 ሰባት ጥራይ ከምዝሕዝን ገሊጹ።
እቲ ሰብኣይ፡ "ከም ቤት ማእሰርቲ፡ [እታ መርከብ] መእተዊን መውጽእን ኣፍደገ ኣለዋ፡ ኣብ ገለ እዋናት ድማ፡ ብኣውቶቡስ ክንከይድ ኣለና። ነዊሕ ርሕቀት ድሕሪ ምዝዋር ድማ፡ ብእግርና ወስወስ ናብ እንብለሉ ቦታ ክንከይድ ንኽእል ኢና። ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ዝስምዓና" ክበል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, PA Media
24 ሰዓት ጸጥታ
ኣብ መርከብ ቢቢ ስቶክሆልም 24/7 ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።
ሓተትቲ ዑቕባ፡ ካርድ መለለዪ መንነት ሒዞም፡ ንኽድይቡን ንኽወርዱን ብቅዲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዝሰርሕ መፈተሺ ክሓልፉ ኣለዎም።
ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብጸጥታዊ ምኽንያት ብኣውቶቡስ ናብቲ መውጽኢ ወደብ ክኸዱ ኣለዎም።
ኣብኡ ዝተነብረ ናይ ግዜ ገደብ [እዋን እቶ እቶ] የለን፡ እንተደንጒዮም ግን "ናይ ድሕነት ጻውዒት" ይግበረሎም እዩ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት መሰረታዊ ክንክን ጥዕና፡ ዝተወደበ ንጥፈታትን መዘናግዕን ብምሃብ ንሃለዋቶም ከምዝግደስ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ጉጅለ ደቂ ተባዕትዮ ትማሊ ሰኑይ እዩ መጺኡ።
ትካል ግብረ ሰናይ Care4Calais ንተወሳኺ 20 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ፖርትላንድ ንምግዓዝ ዝኣበዩን ነቲ ውሳነ ዝተቓወሙን፡ ሕጋዊ ኣገባባት ይኽተል ከምዘሎ ገሊጹ።
ብሰሉስ ጸሓፊ ቍጠባ ሚኒስተር ገንዘብ፡ ኣንድሪው ግሪፊትስ፡ ናብታ መርከብ ምግዓዝ "ምርጫ ኣይኮነን፡ ሰባት ከምኡ እንተዘይመሪጾም ድማ፡ ካብ ስርዓት ደገፍ ዑቕባ ወጻኢ ክዀኑ እዮም" ክብል ኣጠንቂቝ።
"ብዙሓት ካባና ቅድሚ ትሽዓተ ክሳብ 11 ኣዋርሕ ብነፋሪት ናብ ብሪጣንያ ዝኣተና ኢና። ገለና ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዑቕባ ሓቲትና። ብጃልባ ኣይመጻእናን" ይብል እቲ ኣፍጋኒስታናዊ።
"ናብኡ ክንከይድ እንተዘይተሰማሚዕና ሓገዛትናን ሕክምናዊ ደጋፋትን ክቋረጽ ዘጠንቅቕ ደብዳበ ካብ ዝመጸና ክልተ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ።"
"ኣብ መንጐና መድሃኒት ዝወስዱ ሰባት ኣለዉ፤ ተቐቢልናዮ። ንኽልተ ሰሙን ተጸቢና፡ ግን ድማ መቐየርታ ክዳን'ውን ንምምጻእ ግዜ ኣይረኸብናን።"
ካልእ ብሰኑይ ኣብታ መርከብ ዝተሰቐለ ሰብኣይ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብነፋሪት ከምዝኣተወን፡ በዓልቲ ቤቱ ገና ኣብ ኢራን ከምዘላን ተዛሪቡ። ንሱ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ከምዝጸንሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ - ቢቢሲ መንነቱ ዘይገልጾ ሰብኣይ- "እንቋቝሖ፡ በርበረ፡ ጃምን ሓርጭን" ዝሓዘ "ጽቡቕ" ቍርሲ ከምዝበልዐ ገሊጹ።
መንግስቲ ንልዕሊ 50 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሆቴላት ንምቕማጥ ኣብ መዓልቲ 6 ሚልዮን ፓውንድ የውጽእ ከምዘሎ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ "እዚ፡ መንግስቲ ወጻኢታት ክቡራት ሆቴላት ንምንካይን ናብ ዝያዳ ስርዓት ዘለዎን ዘላቒን ንምስግጋር ዝኣተዎ መብጽዓ ኣማራጺታት መንበሪ ኣባይቲ ንቕድሚት ንምምጻእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣካል እዩ" ኢሉ።
"እዚ ነቲ ከም ብመንግስቲ ስኮትላንድ ዝኣመሰላን ካልኦት ኣውሮጳውያን ጐረባብትና ዝወሰድዎ ዘለዉ ተመኵሮ ዝተወስደን፡ ንከፋሊ ግብሪ እንግሊዝ ዝሓሸ ዕድል ዝህብን ዝተፈተነን ኣገባብ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝብሎ፡ ክሳብ ቀውዒ፡ ኣስታት 3 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሆቴላት ወጻኢ ኣብ ዝዀኑ ቦታታት - ከም በዓል ባርጅ [መርክብ]፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ቦታታት ነበር ወዘርስፊልድ፡ ኣብ ኤሰክስን ስካምፕተን፡ ኣብ ሊንከንሻየርን ንምስፋር ዕላማ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, PA Media




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







