‘ሬሳ ስደተኛታት ኣብ መርበብ ዓሳ ይረክብ ኣለኹ’

ቍጽሪ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ስደተኛታት ይውስኽ ኣሎ፤ ብኡ መንጽር ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ሰባት’ውን ይውስኽ።
ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ስደት ንምቍጽጻር ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ጸገም ናይቶም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ዘሕዝን ኣሰር ይገድፍ ኣሎ።
ገፋፍ ዓሳ ኦሳማ ዳባቢ ስርሑ ክጅምር እንከሎ ጭንቀት ይስምዖ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ኣክንዲ ዓሳ ሬሳታት ይረክብ። ንመጀመርታ ግዜ ፈሪሐ ነይረ፡ ድሕሪኡ ደረጃ ብደረጃ ለሚደዮ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ሬሳ ካብ መርበበይ ምውጻእ ዳርጋ ዓሳ ምውጻእ ኰይኑ።"
እቲ ወዲ 30 ዓመት ገፋፍ ዓሳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ሬሳታት 15 ስደተኛታት ኣብ መርበቡ ከም ዝረኸበ ይዛረብ።
"ሓደ ግዜ ሬሳ ህጻን ረኺበ። ህጻን ከመይ ኢሉ ንዝዀነ ነገር ተሓታቲ ክኸውን ይኽእል?"
ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ገፈፍቲ ዓሳ ጀላቡኦም ብብዙሕ ገንዘብ ንኣሰጋገርቲ ሰባት ከም ዝሸጡ ይዛረብ።
"ብዙሕ ግዜ ኣስገርቲ ሰባት፡ ንምእማኑ ብዘጸግም ገንዘብ ጃልባይ ክሸጠሎም ይሓቱኒ። ንጃልባይ ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን ሓደ ሰብ እንተጥሒሉ ንነብሰይ ፈጺመ ይቕረ ኣይምበልኩዋን፤ ስለዝዀነ ኵሉ ግዜ እኣቢ እየ" ይብል ዳበቢ።

ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ 13 ሽሕ ስደተኛታት ካብተን መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝጽዕና ጀላቡኦም ተገዲዶም ናብ ገማግም ባሕሪ ከም ዝተመልሱ ጸብጻብ ሃገራዊ ሓለዋ ቱኒዝያ የመልክት።
ኣብ መንጐ ጥሪን ሚያዝያን ናይዚ ዓመት፡ ኣስታት 24 ሽሕ ሰባት ብግዝያዊ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ከም ዝበጽሑ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ቱኒዝያ ኣብዚ እዋን፡ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝዓበየት መበገሲት ኰይና ኣላ።
ሊብያ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ስደተኛታት ዝብገሱላ ሃገር'ኳ እንተነበረት፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዓመጽን ብጕጅለ ገበነኛታት ዝፍጸም ጭውያታትን ግን ብዙሓት ንቱኒዝያ ክመርጹ ይድርኾም ኣሎ።
እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብውሕዱ 78 ሰባት ዝሞቱላን 500 ዝግመቱ ድማ ደሃዮም ዝጠፍኡላን ጀልባ ግን ካብ ሊብያ እያ ተበጊሳ።

ብዙሓት ካብተን ዝመረታን ዝበስበሳን መራኽቦም ወይ ገለ ኣካለን ኣብ ማይ ጥሒለን ወይ ድማ ኣብ ጐድኒ ወደብ ስፋክስ ኣብ ዝርከብ ዓበይቲ ኵምራታት ተደራሪበን ይርከባ። እዚ ድማ ሕሱም መዘኻኸሪ ሓደጋታት ስደት እዩ።
ካልእ ጽኑዕ መዘኻኸሪ ኣብቲ ኣብ ወሰን ከተማ ዝርከብ መካነ መቓብር ይርከብ።
መስርዕ ሓድሽ ዝተዃዕተ መቓብራት ኣብ ዝተዘርግሐ ክፋል ናይቲ መቓብር፡ ባዶ ኰይኖም ነቲ ዝቕጽል ሓደጋታት ባሕሪ ሓደጋ ይጽበዩ።
ግን እዅል ኣይኰነን። ምሉእ ብሙሉእ ንስደተኛታት ዝተወፈየ ካልእ ሓድሽ መካነ መቓብር ክስራሕ ውጥን ተታሒዙ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ፡ ሬሳ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ተረኺቡ እዩ።
ኣብ መላእ ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመ ነታ ከተማ ዓቢይ ጸገም የስዕበላ ኣሎ።
ዳይረክተር በዓል መዚ ጥዕና እቲ ዞባ ዶክተር ሃተም ቸሪፍ፡ ብቐሊሉ ክንድዚ ዝኣክል ሞት ዘአንግድ መሳለጥያታት ከም ዘየለ ይዛረብ።

ካብ ስፋክስ ንሰሜናዊ ምዕራብ ብመኪና ሰለስተ ሰዓት ኣብ ዝወስድ ከባቢ፡ ኣማኢት ኣባላት ውሑዳን ጸለምቲ ቱኒዝያ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ኣብ ደገ ኣብያተ ጽሕፈት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ማእከላይ ቱኒዝ ኣብ ንኣሽቱ ቴንዳታት ዓሪዶም ኣለዉ።
ኣብ ለካቲት ፕረዚደንት እታ ሃገር ካይስ ስዒድ ድሕሪ ዘስምዖ ዓሌታዊ መደረ ኵሎም ካብ ገዝኦምን ኣብታ ከተማ ካብ ዝነበሮም ስራሕን ከም ዝተባረሩ ይፍለጥ።
ንሱ፡ "ብዙሓት" ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ይኣትዉ ከም ዘለዉን፡ ኣካል ናይቲ ዲሞግራፊ ንምቕያር ዝተገብረ "ገበናዊ" ውጥን ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ ዘረባ፡ ካራ ዝሓዙ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ይንገር።
"ገለ ኣወዳት ዓረብ ናብዚ መጺኦም የጥቅዑና እዮም። ፖሊስ ኣብዚ እንተጸኒሕና ከም ዝሕልዉና ይገልጹ። ካብዚ ከባቢ ወጻኢ እንተኼድና ግን ውሑስ ኣይኰናን" ይብል ሓደ ኣብ ቅልጽሙ ብኻራ ዝተወግአ፡ መበቆሉ ካብ ሴራሊዮን ዝዀነ ስደተኛ።
እዚ ዘተሓሳስብ ኵነታት፡ ቀጻሊ ማእሰርቲ ተቓወምትን ምሽርሻር ሲቪላዊ መሰላትን ብፕረዚደንት እታ ሃገርን፡ ብሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝዛይድ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ኰይኑ ኣይረአን።
ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 47 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ስለዝዀነ ገለ ክግበር ዝሓቱ ጠለባት እናወሰኹ መጺኦም’ዮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ብሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሌየን ዝምራሕ ልኡኽ ኣስታት 1 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ፋይናንሳዊ ደገፍ ክህብ ከም ዝኽእል ቃል ኣትዩ’ዩ።
እዚ እንተ ጸዲቝ፡ ኣስታት ዕስሪት ናይዚ ገንዘብ ኣብ ምምካት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝውሰድ ስጕምትታት ክውዕል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ገለ ክግበር ዘለዎ ጠለባት ኣዕዚዙ’ዩ።
ምስዚ ኵሉ ግን ኣዝዮም ተስፋ ዝቖረጹ ብዙሓት ስደተኛታት ስለዘለዉሉ ሰባት ብኮንትሮባንድ ምስግጋር ንነጋዶ ኣዝዩ መኽሰብ ስለዘለዎን፡ ዋሕዚ ንኣሽቱ ጀላቡ ደው ምባል ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
ካብ መላእ ኣፍሪቃን ገለ ክፋል ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ዕስለ ስደተኛታት ኣብ ጽላል ዘለዎ ቦታታት ጐደናታት ስፋክስ ብጕጅለ ይእከቡ።
ገሊኦም ዝተወሰነ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣለዎም፤ ገሊኦም ግን ንመግቦምን መጽለልን ክኸፍሉ እኳ ዘይክእሉ እዮም።
ብዙሓት ወይ ፓስፖርቶም ዝጠፍኦም ወይ ድማ ዝተሰረቘም ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገሮም ዝወጹን ፓስፖርት እውን ዘይነበሮምን እዮም።
ኵሎም ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ሞት ሰሚዖም እዮም፤ እንተዀነ ተስፋ ምቝራጽ ዓብሊሉ ንሓደጋ ክጋጠሙ ዝተዳለዉ ይመስሉ።
ሓደ ካብ ጊኒ ዝመጸ መንእሰይ ነዚ ብንጹር ይገለጾ።
"ገንዘብ ይዅን ፓስፖርት ስለዘይብልና ናብ ዓድና ክንምለስ ኣይንኽእልን፣ ኣይፈርህን እየ። ጠምየ እየ፡ [ኣብ ሃገረይ] ከቢድ ድኽነት ኣሎ፡ ወለደይ ድማ ዋላ ሓንቲ የብሎምን። ደቀይ ብኸምዚ ኵነታት ክዓብዩ ኣይደልን፣ ክኸይድ ኣለኒ።"
እቲ ዘሕዝን ግን እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ ባህጊ ዝሓሸ ህይወት፡ ብዙሕ ግዜ ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







