ብዛዕባ ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ስለምንታይ ኣሉታዊ ርእይቶ ይወሃብ?

ምንጪ ስእሊ, FOCUS DUNN SPORTS PHOTOGRAPHY
ንደቂ ኣንስትዮ ስፖርተኛታት ብፍላይ ድማ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብዛዕባ ሰብነተን ዝተፈላለየ ኣሉታዊ ርእይቶታት ክወሃብ ምስማዕ ሓዱሽ ነገር ኣይኰነን።
ፍራን ከርቢ፡ ዴይዚ ክሌመንትስን ሻርሎት ዊልኪን ካብተን ኣብ ንእስነተን ከይተረፈ ኣሉታዊ ርእይቶ እናሰምዓ ዝዓበያ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ እየን።
ኣከፋፋሊት ቸልሲ ፍራን ከርቢ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ዘርኣየቶ ብቕዓት ንምግላጽ “ፍራን ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ተጻዊታ፡ ከመይ ዝበለ ጸወታ! ሎሚ ግን ገዛፍ ትመስል” ዝብል ርእይቶ ከምዝተወሃባ ሓቢራ።
ጓል 21 ዓመት ዴይዚ እውን፡ "ገዚፍ ሰለፍ ከምዘለኒን ኣእጋረይ ክሳብ ክንደይ ድልዱላት ምዃነንን ዝገልጹ ማእለያ ዘይብሎም ርእይቶታት ሰሚዐ’የ" ትብል።
"ንእሽቶ ኰይንካ ክሳብ ክንድኡ ክትጭነቕ ትጅምር። በቃ ሰባት ቅርጺ እግረይ ከይርእዩ ስለዝጭነቕ ጸቢብ ክዳን ክለብስ የብለይን ኢለ ሓሲበ ነይረ።"
ጓል 21 ዓመት ሻርሎት፡ ብዛዕባ ኣካላታ ዝወሃብዋ ርእይቶታት ካብ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት ኣይዓገትዋን፡ "ግን ብርግጽ ብዛዕባ ዝበልዖ መግቢ ዝያዳ ክሓስብ ገይሩኒ" ክትብል ብኸመይ ከምዝጸለዋ ትዛረብ።
"ኣብ ዙርያ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ልሙድ ነገር'ዩ። ብርግጽ ፍራን ዝበለቶ ዘሰንብድ ኣይኰነን።"
ኣብ በርሚንግሃም ምስ ስቶርብሪጅ ኤፍ ሲ እትጻወት ዴይዚ፡ ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ብዝተወሰነ መልክዕ ክትጥመት ኣለዋ ዝብል ኣረኣእያ ወትሩ ዝነበረ ኰይኑ ይስምዓ።
"መልክዐን ብቑዓት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ ምዃን ኣይዓግተንን።"
ንሳ፡ ኣብ ስፖርት ኣብ ዙርያ ምንጽጻር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝዓሞቐ ጉዳይ ኣሎ ኢላ እያ ትሓስብ።
"ኣዋልድ ኩዕሶ ክጻወታ ኣብ ዘይፍቀደሉ ቤት ትምህርቲ እየ ተማሂረ። በቃ ኣወዳት ኩዕሶ እግሪ ይጻወቱ፡ ኣዋልድ ኩዕሶ መርበብ ይጻወታ" ትብል።
ኣብ ምሉእ ግዜ ንእስነታ ምስ ጋንታታት ልምዓት ከተማ በርሚንግሃም ዝተጻወተት ሻርሎት ብወገና፡ "ምቹእ ዓይነት ኣትሌት" ዝብል ኣረኣእያ ከምዘሎ ትኣምን።
"ከምኡ'ውን ሰብነቶም እንታይ ይመስል፡ ግን ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ምዃኑ ርዱእ'ዩ" ትብል።
"ተመሳሳሊ ክኸውን ዝኽእል ኣይመስለንን። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ግዜ ዝተፈላለየ ዓይነት፡ ቅርጽን ዓቐንን ኣሎ።"

ምንጪ ስእሊ, ADAM REAPA
ክብረወሰን ኣመዝጋቢት ሸቶ ክለብ ቸልሲ ዝዀነት ፍራን ኪርቢ፡ ሕዚ ዓለምለኸ ተመኩሮ ዘለዋ ተጻዋቲት ስለዝዀነት ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ከተልዕል "ዝዀነ ፍርሒ" ከምዘይስምዓ ትገልጽ።
"እናዓበኹ ከለኹን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እናረኣኹን ንነዊሕ እዋን ብግህሰት ክሳቐ ጸኒሐ እየ፡ ግን ኣይልመድን እዩ፡ ሕዚ'ውን ዝስምዓካ ነገር ኣሎ።"
ካብተን ምስ ብዛዕባ ኣካላተን ዝወሃቡ ኣሉታዊ ርእይቶታት ዝቃለሳ ደቂ ጋንታ ስክፍታታት ዝገልጹ መልእኽቲታት በጺሖምዋ እዮም።
"ኩሉ ሰብ ዝተፈለየ ስለዝዀነ" ብኸመይ ከምዝምክትኦ "ሓደ ንጹር መልሲ የለን"፤ እንተዀነ፡ ደገፍ ምርካብ ግን ኣገዳሲ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓ።
ዴይዚ’ውን መስርሕ ደገፍ ምህላው ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ትኣምን።
"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዝቃለሳ ብዙሓት ሰባት ኣለዋ፡ እኹል ደገፍ የለን ዝብላ ብዙሓት’የን።"
እቶም ዝወሃቡ ኣሉታዊ ርእይቶታት ንምምካት "ዝሓሸ ዝኸውን ሰባት ብዛዕብኡን ከምኡ'ውን እቲ ጸወታን እቲ ዝወሃብ ደገፍን ብኸመይ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ብዝምልከት ክዛረቡን ክገልጹን እንከለዉ እዩ" ትብል።
ሻርሎት፡ ካብ ዝቐርብወን ሰባት ምኽሪ ምርካብ ኣማራጺ ክኸውን ከምዝኽእል ትዛረብ።
"ንኣዋርሕ ምስኡ ኣብ ዝቃለስሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ንኣስታት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ንኣሰልጠንቲ ዘዘራረብኩ ኣይመስለንን።"
"ኣሰልጠንቲ ብዛዕባ'ዚ ክተዘራርብኦም ከለኽን ክግደሱልክን እዮም" ዝብል ርእይቶ ትህብ።
"ምስ ሰባት ብፍላይ ድማ ምስ ኣዕሩኽትኽን ተዘራረባ፡ ኩሎም ኣብ ጎንኽን ደው ክብሉ እዮም።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







