ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ዝሰርሐት ዳኛ ኣብ ሃገራ 'ኣመንዝራ' ተባሂላ ተጸሪፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ካብተን ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ዝመርሓ ቀዳሞት ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ዝኾነት ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ኣብ ሃገራ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ጸርፊን ኣካላዊ ምፍርራሕን ተፈጺምዋ፤ ገለ ደገፍቲ’ውን "ኣመንዝራ" ክብሉ ጸሪፎማ።
ሳሊማ ሙካንሳንጋ ብቀዳም ኣብ መንጎ ኪዮቩ ስፖርትን ጋሶጊ ዩናይትድን 0 ብ 0 ዝተዛዘመ ጸወታ ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ኣጻዊታ ነይራ።
እንተኾነ ግን "ጸብጻባት እቲ ጸወታ ከም ዝተጸርፈት ይሕብሩ" ክብል ወሃቢ ቃል ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳ ጁልስ ካራንዋ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ኣብቲ ጸወታ ብደገፍቲ ዝተፈጸመ ምግፋዕን ፈተነ መጥቃዕትን ይምርምር ኣሎ፤ ድሕሪ መርመራ ድማ ብኮሚተ ዲሲፕሊን ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ይገልጽ።
ጉጅለ ደገፍቲ ኪዮቩ ስፖርት፡ ንሙካንሳንጋ "ኣመንዝራ" ብምባል ብተደጋጋሚ ጭርሖታት ከም ዘስምዑ ኣብቲ ጸወታ ዝተረኽቡ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
“ድሕሪ ጸወታ ሰራሕተኛታት ጸጥታ ገለ ካብኣቶም ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከይገብሩላ ጣልቃ ክኣትዉ ተገዲዶም” ይብል ጁልስ ካራንዋ።
ፕረዚደንት ደገፍቲ ስፖርት ኪዮቩ ሄመዲ ሚናኒ ኣብ ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሳሊማ ዝተፈጸመ "ምግፋዕን ጸርፍን" ብምኹናን ይቕሬታ ሓቲቱ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቐጠር፡ ሙካሳንጋ ኣካል ናይታ ንዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ዝመርሐት ፈላመይቲ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ደያኑ እያ ነይራ።
እዛ ጓል 34 ዓመት፡ ራብዐይቲ ዳኛ ኰይና ኣብ መንጐ ሻምፕዮን ዓለም ፈረንሳን ኣውስትራልያን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ድሕሪ ምምራሓ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ንፈለማ እዋን ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ'ያ።
ሳሊማ ነዚ ዕድል ከም ዝተመዘዘት ድሕሪ ምፍላጣ፡ "ቅድሚ ሕጂ ተፈጺሙ ስለዘይፈልጥ ክብርን ፍሉይ ዕድልን'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ምግላጻ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ዝተሳተፈት ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ እያ ነይራ።
እታ ካብ 2012 ጀሚራ ዳኛ ፊፋ ዝዀነት ሳሊማ፡ ኣብ ህይወታ ገና ብኣጋኡ ዘጋጠማ ንጽገት ተጻዊራ ታሪኽ ክትሰርሕ ከም ዝኸኣለት ዝፍለጥ እዩ።
ሳሊማ፡ "ንዓወት ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና" ትብል።
ንሳ፡ "ጸገማት፡ ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ኣለዉ። ብሓያል ኣተሓሳስባ፡ ተወፋይነትን ምሉእ ተሳትፎን ካብ ምቅላስ ሓሊፍና ንገብሮ ነገር የለን - ሽዑ ክንዕወት ኢና"።
“ስለዚ እቲ ክትሰርሖ ዝግባእ ምስራሕ'ዩ" ክትብል ሰባት ኵሉ ግዜ ብኣኻ ሕጕሳት ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ትዛረብ።
"ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ሰባት 'እወ ልክዕ እያ' ክብሉ እዮም" ብምባል ዘይሕለልን ዘይጸዓድን መንፈስ ከምዘለዋ ትገልጽ ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







