ኣፍካ ማይ ዘምዑግ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022

ብሽክለታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዓመተ 2022፡ 24 ሰነ ከምኡ’ውን 26 ሰነ ክካየድ ምዃኑ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር 24 ሰነ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 26 ሰነ ኸኣ ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቅድድም፡ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ውድድር ዓቢ ሽም ረኺቦም ዘለዉ ከም ብዓል ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ መርሃዊ ቅዱስን ካልኦት ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምትን ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር “ንሕና ትጽቢትና ብምልኦም እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምትና ክምጽኡ እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ናይ ብዓል ቢንያም [ኣብ ኣስመራ ስለ ዘሎ]፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን መርሃዊ ቅዱስን ሎሚ ኣስመራ ክኣትዉ’ዮም። ሓደጋ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር’ውን ‘ሪካቨር’ ገይሩ ክወዳደር ምዃኑ ኣንፊቱልና ኣሎ” ኢሉ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ ብምስዓብ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ክለባትን ብውልቅን ዝወዳደሩ ኩሎም ተቐዳደምቲ’ውን ነዚ ውድድር ድልዋት ምህላዎም ገሊጹ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ዝፈልዮ፡ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ውድድራትን ጂሮታትን ዓወታት ዝተጎናጸፉ ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ስለዝኾነ እዩ።

ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2022 ዝተፈላላየ ዓወታት’ዮም ሓፊሶም።

ለላህመቱ’ኳ እንተጠቐስና፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ዙር ርዋንዳ እዚ ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ኣብ ናይ ግዜ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣንበሳ ዓቐበት እቲ ውድድር፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኣንገደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ምዃኑ ይዝከር።

ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ፡ ጎቦታት ኤርትራን ዳናጉኡ ስሒሉ፡ ብ27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቨልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።

ብ17 ግንቦት’ውን ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተዓዋቲ እቲ መድረኽ ብምዃን ኣብ ግራንድ ቱር ቀዳማይ ዝወጽአ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ፡ እቶም ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዓወት ዝተጎናጸፈሉ ውድድራት ብመስኮት ተለቪዥን ብኣንክሮ ክዕዘብዎ ዝጸንሑ ደገፍቱ ኣብ ኣስመራ ክዕድር ክርእይዎ ኸኣ ኣፍካ ማይ ዘየምዑግ ኣይኮነን።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ምስ ወጽአ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 25 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብቲ እዋን ምስ ጋንታ ኣስታን ዝወዳደር ዝነበረ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚ መርሃዊ ቅዱስ ከመዝተዓወተ ዝዝከር ኮይኑ፡ መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ ኣብ 24 ሰነ ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ክብሩ ንምዕቃብ’ዩ ክወዳደር።

ዓሚ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣድያም ተስፍኣለም ምዕዋታ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየድ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ጴጥሮስ መንግስ፡ ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዳናይት ፍጹም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ካብ ማእከላይ ዕድመ፡ ጁንየር፡ ድማ ሚልክያስ ቅዱስን ሞናሊዛ ኣርኣያን’ዮም ተዓዊቶም ነይሮም። 

ኣብቲ 24 ሰነ ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ካብ ጸጸራት ናብ ጻዕዳ ክርስትያን ኣብ ዝወስድ ጽርግያ እዩ ክካየድ።

እቲ 26 ሰነ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ክኣ ካብ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ፡ ማይ ጨሆት፡ ጎደና ዓፍዓበት፡ ፈርቶ፡ ቤት ትምህርቲ ባርካ ሓሊፉ ብኢንሹራን ገይሩ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከርም [ሓንቲ ዙር 11.1 ኪሎሜተር ] ዝዛዘም ከምዝኾነን ንተቐዳደምቲ በብዲቭዥኖምን ጾቶኦምን ዝተፈላላየ ርሕቀት ተሰሊዕሎም ከም ዘሎ ኣቶ ገብረትንሳኤ ገሊጹ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ናትናኤል ቢንያም ሄኖክ መርሃውን ናሆምን

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ግዜ ውድድር

ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓደ ዙር 9.17 ኪሎ ሜትር

ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ክልተ ዙር 18 ኪሎ ሜትር

ኢሊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርባዕተ ዙር 36 ኪሎ ሜትር

ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ግዜ ውድድር

ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ክልተ ዙር 18 ኪሎ ሜትር

ደቂ ተባዕትዮ ናይ እሊትን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣርባዕተ ዙር 36 ኪሎ ሜትር

ቅድሚ ሕጂ ብናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ

2021፡ መርሃዊ ቅዱስ

2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን

2019: ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሁር

2018: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2017: መኽሰብ ደበሳይ

2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2014: ናትናኤል ብርሃነ

2013: መትከል ክፍላይ

2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2011: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

ኣብ ዓመተ 2021 ናይ ግዜ ዕዉት ዝኾነ መርሃዊ ቅዱስ ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበ ማልያ ገይሩ ውድድር እናኣካየደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣብ 27 ሰነ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብዚ እዋን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ብምዃን ውድድራቱ ዘካይድ ዘሎ ዳዊት የማነ ንመርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን ኣኸቲሉ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2021 ምዃኑ ይዝከር።

ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተቐዳዳማይ ጋንታ ሰንበል ኤፍሬም ገብረህይወት’ዩ ቻምፕዮን ኮይኑ ነይሩ።

ናይ ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር

ሲንየር ደቂ ኣነስትዮ፡ 6 ዙር 60.6 ኪሎ ሜትር

ደቂ ኣንስትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን፡ 11 ዙር 111.1 ኪሎሜትር

ናይ ጽርግያ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር

ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ 11 ዙር 111.1 ኪሎሜትር

ት ደቂ ተባዕትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን 17 ዙር፡ 171.1 ኪሎሜር ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ቀዳማይ ኮይኑ ዝዛዘመ ተቐዳዳማይ፡ ብዘይካ እቲ ዝረኽቦ ክብሪ ቻምፕዮንነት ምስ ዝኾነት ጋንታ ኮይኑ ኣብ ዝገብሮ ውድድራት ባንዴራ ኤርትራ ዘለዋ ማልያ ገይሩ'ዩ ዝወዳደር።

ኣብ ዓመተ 202 ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነ ዳዊት የማነ

ምንጪ ስእሊ, shabait

ቅድሚ ሕጂ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ

2021፡ ዳዊት የማነ

2020፡ ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን

2019: ናትናኤል ብርሃነ

2018: መርሃዊ ቅዱስ

2017: ሜሮን ብርሃነ

2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2015: ናትናኤል ብርሃነ

2014:ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር

2013: ሜሮን ተሾመ

2012: ዳንኤል ተክለሃይማኖት

2011: ፍረቃልሲ ደበሳይ