ነፋሪት ውግእ ሩስያ ብጌጋ ናይ ገዛእ ርእሳ ከተማ ደብዲባ

በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቖሰላን ኣብ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ጉድኣት ከምዝበጽሐን ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቖሰላን ኣብ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ጉድኣት ከምዝበጽሐን ይግለጽ

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሓንቲ ነፋሪቱ፡ ብጌጋ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ከተማ ቤልጎሮድ ቦምባታት ከምዝደርበየት ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ቪያቸስላቭ ግላድኮቭ፡ እቲ ነትጒ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስታት 20 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ዓቢ ጕድጓድ ከም ዝፈጠረ ገሊጹ።

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቖሰላን ሓያሎ ህንጻታት ከምዝተሃስየን'ውን ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ኤስዩ-34 ብዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ነትጒ ዝዓረፈሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ክስተት ትማሊ ሓሙስ ምሸት ሰዓት 22፡15 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከምዝተፈጸመ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን። መርመራ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ስእልታትን ቪድዮታትን በቲ ነትጒ ዝተሃስዩ ኣፓርታማታት የርእዩ።

370 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ ቤልጎሮድ ካብ ዶብ ዩክረይን ኣስታት 40 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።

ካብታ ካልአይቲ ከተማ ዩክረይን ካርኪቭ፡ ንሰሜን ቁሩብ ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ኣትሒዛ፡ ነበርታ ብፍርሒ ኣብ ስግኣት እዮም ዝነብሩ።

ነፈርቲ ሩስያ ናብ ዩክረይን ኣብ ዝኸዳሉ እውን ብሰማይ እታ ከተማ ብቐጻሊ ይበራ።