ምልሓዅ ወተሃደራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ እዩ - ፔንታጎን

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ንኲናት ዩክረይን ዝምልከቱ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ ልሒኾም ምውጻኦም ንሃገራዊ ድሕነት፡ “ኣዝዩ ከቢድ” ሓደጋ ከምዝዀነ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ፔንታጎን ገሊጹ።
እቶም ሰነዳት ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ከምኡ'ውን ቻይናን መሓዙት ኣመሪካን ተኣፋፊ መረዳእታታት ዝሓዙ እዮም።
ሰብ መዚ፡ እቶም ሰነዳት ንላዕለዎት ሓለፍቲ ብዝቐርብ ኣገባብ ዝተዳለዉ ከምዝዀኑ ገሊጾም ኣለዉ።
ምንጪ ናይቶም ዝለሓዂ ሰነዳት ንምፍላጥ ምርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።
እቶም ገሊኦም ለውጢ ተገይሩሎም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝተገለጹ ሰነዳት፡ መጀመርታ ኣብ ከም ትዊተር፡ 4ቻንን ቴሌግራምን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ተዘርጊሖም።
ካብቶም ንኲናት ዩክረይን ዝምልከቱ ደቀቕቲ ሓበሬታታት ብተወሳኺ፡ ገሊኦም ሰነዳት ንመሓዙት ኣሜሪካ ዝዀና ሃገራት ዝምልከት ተኣፋፊ መረዳእታ ከምዝሓዙ እዩ ዝግለጽ።
ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ንሲኤንኤን ከምዝገለጽዎ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ እቶም ዝሰለኹ ሰነዳት ድሮ ንገለ ውጥናታ ቀይራቶም ከምዘላ ሓቢሮም።
ገሊኦም ሰነዳት ድማ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዞባ ኢንዶ-ፓስፊክን ዘለዉ ጉዳያት ምክልኻልን ድሕነትን ዝገልጹ ከምዝዀኑ ተገሊጹ።
ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ እቶም ሰነዳት “ንሃገራዊ ድሕነት ዓቢይ ሓደጋን ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምውዛዕ ተኽእሎ ዘለዎምን” እዮም ኢሉ።
ሓጋዚ ጸሓፊ ፔንታጎን ክሪስ ሚገር “ዛጊት እቲ ጉዳይ ከመይ ከምዝተፈጠረን ስፍሓቱን ንምርምሮ ኣለና” ኢሉ።
እቲ በዓል መዚ፡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ እቶም ሰነዳት ሓቀኛ እዮም ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ን ዝቐረበሉ ሕቶ ገሊኦም “ዝተቐየሩ ይመስሉ” ካብ ምባል ወጻኢ ምላሽ ኣይሃበን።
ጐድኒ ጐድኒ ፕንታጎን፡ ዋይት ሃውስን ካልኦት ኣካላት መንግስትን፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ እውን ነቶም ሰሊኾም ዝወጹ ሰነዳት ይምርምሮም ኣሎ።
ክሪስ ሚገር፡ እቶም ሰነዳት ዝተሓተሙሉ ቅርጺ፡ “ምስ እቶም ምስ ሩስያን ዩክረይንን ዝተሓሓዙ ወፍሪታት ካልኦት ርኽበታት ስለያን ዝምልከት ንላዕለዎት ሓለፍቲ ዝቐርቡ ዝነበሩ ጸብጻባት ዝመሳሰሉ እዮም” ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ብዛዕባ እቶም ሰሊኾም ዝወጹ ሰነዳት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ዝፈለጠ ኰይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን ኣብ 6 ሚያዝያ ሓጺር መብርሂ ሂቡ ነይሩ።
እቲ ፍጻመ ኣሜሪካ ንመሓዙታ ኣብ ሓለዋ ምስጢርን ተኣማንነትን ጠንካራ ቅዋም ከምዘለዋ ክትገልጸለን ከምዘገደዳ እውን ክሪስ ሚገር ተዛሪቡ።
ኣፈኛ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ እቶም ሰነዳት ንፕረዚደንት ባይደን ሓበሬታ ከምዝተውሃቦ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቶም ዝለሓኹ ሰነዳት ኣብ ቁጽጽር ኣትዮም እንተኾይኖምን ካልኦት እውን ገና ዝወጹ እንተሃልዮምን ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ “ኣይፈልጥን” ክብል መሊሱ።
ቢቢሲ ዛጊት ንልዕሊ 20 ካብቶም ሰነዳት ዝረኣየ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ብዛዕባ ኣወፋፍራን ቅድሚ እቲ ሰራዊት ዩክረይን ክጅምርዎ ትጽቢት ዝግበር መጥቃዕቲ ዘሎ ቁመና ክልቲኦም ኣካላትን ዝገልጹ እዮም።
ንኣብነት ገለ ሰነዳት፡ ብዛዕባ ኣሜሪካ ንዩክረይን እትህባ ዘላ ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ስልጠናን ከምኡ ድማ ብዙሓት ኣሃዱታት ዩክረይን መዓዝ ድሉዋት ከምዝዀናን ወተሃደራዊ ቀረብ መዓስ ከምዝበጽሕን ዝገልጹ እዮም።
እዞም ሰነዳት ኣብቲ ዓውድ ኲናት ከፈጥርዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ጽልዋ ተሓቲቱ ንምምላስ ፍቓደኛ ዘይኮነ ክሪስ ሚገር፡ “ሰራዊት ዩክረይን ኣብዚ ኲናት ዓቕሞምን ተወዳዳርነቶምን ኣርእዮም እዮም” ኢሉ።
“እቲ ፕረዘደንትን ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻልን ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ኣብ ጎኖም ከምዝኾኑ ግልጺ ገይሮም እዮም” ክብል እውን ወሲኹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







