ሰሜን ኮርያ፡ ጓል ኪም ንፈለማ ግዜ ንህዝቢ ተቓሊዓ፤ ስለምንታይ?

ምንጪ ስእሊ, KCNA VIA REUTERS
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ንፈለማ ግዜ ምስ ንእሽቶ ጓሉ ን ህዝቢ ተራእዩ፤ ነቲ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ህላወኣ ክዝርጋሕ ዝነበረ ወረ ኣረጋጊጹ።
እታ ስማ ኪም ቹ-ኤ ክኸውን ከም ዝኽእል እትግመት ጓል፡ ኣብቲ ኣቦኣ ብዓርቢ ዘካየዶ ምዕዛብ ፈተነ ስግረ-ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ምስኡ ነይራ።
ክልቲኦም ኣቦን ጓልን ኣብቲ ብኣሜሪካ ዝተወገዘ ፈተና ሚሳይል ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ተራእዮም።
ኪም መራሒ ናይ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ምስጢራውያን ሃገራት ዓለም ኰይኑ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ’ውን ዝፍለጥ ብዙሕ የለን።
ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ‘ታ ሃገር ዝተዘርግሐ ኣሳእል ኪምን ጓሉን፡ ክልቲኦም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክዕልሉ፡ ምስ ሰበስልጣን ክዘራረቡ፡ ሚሳይላት ክምርምሩን ካብ መርኣዪ ስፍራ ነቲ ፈተነ ክዕዘቡን ዘርኢ እዩ።
ንተንተንቲ ሰሜን ኮርያ፡ ካብቲ ንኣሜሪካ ክሃርም ዝኽእል ተባሂሉ ዝሕሰብ፡ ዕዉት ፈተነ ዝሓየለ ስግረ-ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ንላዕሊ፡ ግልጸት ጓል ኪም ጆንግ ኡን ኣዝዩ ኣገዲስዎም ኣሎ።
እዚ ግን ስለምንታይ?
ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይቲ ስርዓትን መደብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋርን ተተሓሒዙ፡ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ስለዘልዕል።
ቀዳማይ፡ ተካኢት ኪም ጆንግ ኡን ኰይና ሓደ መዓልቲ ንሰሜን ኮርያ ክትመርሕ ተሓርያ ዶ ትኸውን? ክኸውን ዘይክእል ነገር ኣይኰነን - ብርግጽ። ኣብዚ ስድራቤታዊ ስርወ መንግስቲ፡ ኪም ሓደ ካብ ደቁ ልጓም መንግስትነት ክሕዙ ክደሊ እዩ።
ካልኣይ፡ ስለምንታይ ሕጂ ክትቃላዕ ተደልዩ? ገና ኣዝያ ንእሽቶ እያ ዘላ። ስልጣን ክትሕዝ የዳልዋ ኣሎ እንተዀይኑ፡ እቲ ጥዕና ከምዘይብሉ ዝግመት ወዲ 38 ዓመት መራሒ፡ ጥዕናኡ ከምቲ ዝበሃል ሕማቕ እዩ ማለት ድዩ? ጥዕናኡ ምስ ምርግጋእ እቲ ስርዓት ተተሓሒዙ፡ ጠንቂ ዝዓበየ ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ስለዝግመት፡ ኣርእስቲ ብዙሕ ግምታት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ሳልሳይ፡ ብዛዕባ መደባት ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ኸ እንታይ ይነግር?
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ መደባት ከምትቃላዕ ምግባር፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ መደባት ምምዕባል ኣጽዋር እታ ሃገር ወሳኒ ተራ ክትጻወት ምዃና ዝእምት እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኪም ጆንግ ኡን፡ ኑክሌሳዊ መደባቱ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ከምዘይገድፍ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ኸኣ፡ መደባቱ ክሳብ ዝቕጽል ወለዶ ክጸንሕ ምዃኑ ንዓለም ዝነግር እዩ።
ማይክል ማደን ዝተባህለ፡ ተንታኒ ሰሜን ኮርያ ካብ ማእከል ስቲምሰን ዋሽንግተን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቹ-ኤ ካብ 12 ክሳብ 13 ዓመት ዕድመ ምዃና ከም ዝኣምን ገሊጹ።
ኣብ ህዝቢ ምቕራባ፡ ሚስተር ኪም፡ "ራብዓይ ወለዶ ተኸታታሊ ስልጣን ብመስመር ዝመጽእ እዩ" ኢሉ ዘመልክት ዘሎ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, KCNA VIA REUTERS
ዝሓለፈ መስከረም፡ ቹ-ኤ ኣብ ጽምብል ሃገራዊ መዓልቲ እታ ሃገር ብቪድዮ ከምዝተራእየት ሓያሎ ክኢላታት ሰሜን ኮርያ ተዛሪቦም ነይሮም።
እዚ ግን ግምታት ስለዝነበረ፡ መሪሕነት ሰሜን ኮርያ ብሓቂ ጓል እቲ መራሒ ምዃና ኣየረጋገጸን።
ህላወ ቹ-ኤ ንፈለማ ግዜ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ 2013 ኰይኑ፡ ኣሜሪካዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ነበር ደኒስ ሮድማን፡ ኣብ እዋኑ ኣዛራቢ ዝነበረ መገሻ ናብ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ምክያዱ እዩ።
ሮድማን ምስ ስድራቤት እቲ መራሒ ጽቡቕ ግዜ ከም ዘሕለፈን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ከም ዝተዛነየን፡ "ንጓሎም ቹ-ኣይ ከም ዝሓቘፈን" ገሊጹ ነይሩ።
ክኢላታት ከም ዝግምትዎ፡ ሚስተር ኪም ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን፡ ብሓፈሻ ሰለስተ ቈልዑ ክህልውዎ ይኽእሉ፤ ቹ-ኤ ድማ እታ ዝዓበየት ክትከውን ትኽእል።
መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ ስድራኡ ምንም ዝፍለጥ ነገር ዘየለ ኣዝዩ ምስጢራዊ እዩ፤ በዓልቲ ቤቱ ሪ ሶል-ጁ እውን፡ ድሕሪ መርዓኦም ከይተረፈ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ብምስጢር ተታሒዛ እያ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







