ካብ ፖል ፖግባ ገንዘብ ክምንዝዕ ውዲት ኣሊሙ ዝተብሃለ ዓብዪ ሓው ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ፖል ፖግባ ምስ ሓዉ ማትያስ ፖግባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ኣከፋፋሊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ፡ ብምፍርራሕ ገንዘብ ንምውሳድ ውዲት ኣሊሙ ዝተብሃለ ሓዉ ማትያስ ፖግባ ተኸሲሱ።

ማትያስ ፖግባ፡ ካብ ሓዉ ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ጁቬንቱስን ገንዘብ ክምንዝዕ ውዲት ወድዩ ብዝብል ክሲ ተኸሲሱን ተኣሲሩን ኣሎ።

ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት’ውን ብሰንኪ ምጭብርባርን ገበናዊ ምትሕብባርን ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ መርመራ ከምዝርከቡ ምንጭታት ቤት ፍርዲ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስን ኤጀንስ ፍራንስ ፕረስን ሓቢሮም።

ጠበቓ ማትያስ ፖግባ ያሲን ቡዝሩ ግን፡ ዓሚሉ ንጹህ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

ንሱ ንፈረንሳዊ ማዕኸን ዜና 'ቢኤፍኤም' ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነዚ ውሳነ ክንካትዐሉ ኢና" ኢሉ።

ወዲ 32 ዓመት ማትያስ ፖግባ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብኢንተርነት ዝተዘርግሐን ብዛዕባ ወዲ 29 ዓመት ኣከፋፋሊ ጋንታ ጁቬንቱስ "ዝቃልዑ ምስጢራት" ከምዘውጽእ መፈራርሒ መልእክቲ ዘሕለፈን ቪድዮ ኢድ ከምዝነበሮ ተኣሚኑ እዩ።

ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ፖል ካብ ዝተወደበ ጕጅለ ወረበላታት ዒላማ ምጭብርባርን ምፍርራሕን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈረንሳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምርመራ ከካይዱ ምጅማሮም ይግለፅ።

ንሱ ብ16 ሓምለ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ቱሪን ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ዒላማ ናይቲ 13 ሚልዮን ዩሮ (11.29 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ውዲት ምጽላም ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ 2018 ምስ ፈረንሳ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ዝነበረ ፖግባ፡ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብዚ ክራማት ብናጻ ዝውውር ናብ ጁቬንቱስ ተሰጋጊሩ'ሎ።

ዒላማ ዝተወደቡ ወረበላታት

ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ጋንታ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ፡ ብውዱባት ወረበላታት ዝምታን ምፍርራሕን ይወርዶ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ዉሩይ ተጻዋታይ ማእከል ሜዳ፡ ብመንገዲ ጠበቃታቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ጉዳይ ናብ ሰብ መዚ ከምዝሓበረ ኣፍሊጡ'ዩ።

ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንገለ ምንጭታቱ ብምጥቃስ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ክምርምርዎ ጀሚሮም ምህላዎም ዝገለጽ ዜና ኣቃሊሑ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንፖል ፖግባ ዓቢ ሓዉ ዝኾነ ማትያስ ፖግባ ብቪድዮ፡ ብዛዕባ ሓዉ [ፖል ፖግባ] “ዓቢ ምቅላዕ” ኢሉ ዝገለጾ ምስጢር ከቃልዕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ማትያስ ፖግባ፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከይሃበ፡ እቲ ብዛዕባ ፖል ፖግባ ከቃልዖ ሓሲቡ ዘሎ ምስጢር ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝክር።