ሽወደን፡ 672 ቶን ዝኽብደቱ ቤተክርስትያን ከምዘለዎ ይግዕዝ ኣሎ - ስለምንታይ?

 ምግዓዝ እቲ ቤተ ክርስትያን ክልተ መዓልታት ክወስድ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ምግዓዝ እቲ ቤተ ክርስትያን ክልተ መዓልታት ክወስድ'ዩ

ሰብ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ገዛ ንምቕያር ኣቑሑቱ ኣብ መኪና፡ ዓረብያ ወይ ካልእ ጥርኒፉ ክኸይድ ንቡር'ዩ።

ኣብ ሽወደን ዘጋጠመ ነገር ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ'ዩ።

113 ዓመት ዘቝጸረ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ሓደጋ ምህማም ስለዘስገአ ካብቲ ንዓመታት ተደኲንሉ ዝጸንሐ ቦታ 5 ኪሎሜተር ግዒዙ ኣብ ካልእ ቦታ ክትከል'ዩ።

እዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ኪሩና ኣብ እትብሃል ከተማ ብ1912 ዝተሰርሐ ኣዝዩ ዓቢ ቤተ ክርስትያን ካብ መሰረቱ ተበርቍቑ ብሓገዝ ማሽነሪ'ዩ ናብቲ ተመዲብሉ ዘሎ ቦታ ክግዕዝ።

እታ ማሽን እተበዝሐ ኣብ ሰዓት 500 ሜትሮ ጥራይ'ያ ክትንቀሳቐስ፣ በዚ ኸኣ እቲ ቤት ክርስትያን ናብቲ ሓድሽ ቦታኡ ንኽበጽሕ ክልተ መዓልታት ክወስደሉ ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

እታ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ከባቢኣ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዕደና ሓጺን ይካየድ ብምህላዉ ሓደጋ ምህማም ከየጋጥም ዓቢ ስግኣት ኣሎ።

እቲ ቤት ክርስትያን ካበይ ናበይ ከምዝግዕዝ ዘርኢ ካርታ

ኣብ ምዕቓብ ባህሊ እትነጥፍ ሶፍያ ላግሎፍ ማታ፡ ንምግዓዝ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ነዚ ንዓመታት ኢና ክንጽበ ጸኒሕና፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ እንሆ ይኸውን ኣሎ" ኢላ።

ንምግዓዝ እቲ ቤተ ክርስትያን ብሓላፍነት ዘፈጽም ዘሎ ስቴፈን ሆልምብላድ ጆንሰን ዝተበሃለ ሓላፊ ከኣ "ብዙሕ ምድላዋት ኢና ገይርና፣ ኣዝዩ ታሪኻዊ'ዩ፤ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣዝዩ ዓቢ'ዩ ክሳብ ሕጂ ከኣ ዝዀነ ዘይተጸበናዮ ነገር ኣየጋጠመናን፣ ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርና'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ካብ መፋርቕ 2010 ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኣገደስቲ ህንጻታት ብሰንኪ ስግኣት ምህማም ዓንዮም ኣብ ካልእ ድሑን'ዩ ዝተበሃለ ቦታታት ተሃኒጾም'ዮም፤ ገለ ገለ ፍዅስ ዝብሉ ከኣ ከምዝግዕዙ ተገይሮም።

እቲ ቤተ ክረስትያን ኣብ 1912'ዩ ተሃኒጹ

ምንጪ ስእሊ, Robert Ylitalo

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ 1912'ዩ ተሃኒጹ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅዋም ሽወደን ኣብ ትሕቲ ህናጻታት ዕደና ክካየድ ኣየፍቅድን'ዩ።

ሓላፊ ምዕባለ ትሕተ ቅርጺ እታ ከተማ ዝዀነ ሮበርት ይሊታሎ፡ "እቲ ዝፍጠር ነቓዓት ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድኣት ከየውርድ ስግኣት የለን፡ ወይ ገዛውቲ ከይፈርስ'ውን ኣይኮነን፡ እንተኾነ ከም መስመር ማይ፡ ኤለትሪክን ረሳሕ ፈሳስን በቲ ምንቓዕ መሬት ክዓኑ ይኽእል'ዩ ስለዚ እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ከይዓነወ እንከሎ ሰባት ክግዕዙ ኣለዎም"ኢሉ።

እቲ ኣብታ ጥቃ ከተማ ዝዕድን ዘሎ ትካል ኤልከይኤቢ'ዩ ዝብሃል፣ ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ከኣ ኣብቲ ትካል'ዮም ዝሰርሑ።

ንብምሉኡ ምግዓዝ ናይታ ከተማ ንምሽፋን ከኣ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ሰሊዑ ኣሎ።

እቲ ኣብ ምግዓዝ ዝርከብ ቤተ ክርስትያ ቍመቱ 35 ሜትሮ፤ ጐድኑ 40 ሜትሮ ኰይኑ 672 ቶን'ዩ ዝምዘን።

ኣብ ሓደ እዋን'ውን ኣብ ሽወደን ቅድሚ 1950 ካብ ዝተሃነጹ ህንጻታት እቲ ዝመልክዐ ተባሂሉ ተመሪጹ ነይሩ'ዩ።

ክንድዚ ዝኣክል ህንጻ ቅርጹ ከይተተንከፈ ምንቅሰቓስ ዘይተለመደ ነገር'ዩ።

ከመይ ይግዓዝ ኣብ ዝብል፡ ብዙሓት መሃንድሳት'ዮም ተሳቲፎም።

ንምግዓዝ እቲ ቤተ ክርስትያን ብሓላፍነት ዘፈጽም ዘሎ ስቴፈን ሆልም ብላድ ጆንሰን "እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዚ ዓቢ ህንጻ ንምግዓዝ ጽርግያ ምድላው'ዩ ነይሩ"

"ነቲ ዝነበረ ጽርግያ፡ ዓንዲታት ኤለክትሪክ፡ መብራህቲ ትራፊክ [ሴማፎሮ] ቢንቶታትን ኣሊና ብ24 ሜትሮ ከምዝገፍሕ ገይርና ኢና ነቲ ቤተ ክርስትያን ከነግዕዞ" ኢሉ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ታሪኻዊን ጥንታውን ዝኾነ ኣብ መንደቕ ዝተለጠፈ ዓበይቲ ቅርጽታት ኣለዎ፤ ነዚ ብሓይሊ ንምፍንቓሉ ምስ ዝፍተን ክዓኑ ስለዝኽእል፡ ከምዘለዎ ከይተተንከፈ ከምዝንግዕዝ'ዩ ዝግበር ዘሎ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ብሓገዝ ዓቢ ማሽነሪ'ዩ ዝግዕዝ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቤተ ክርስትያን ብሓገዝ ዓቢ ማሽነሪ'ዩ ዝግዕዝ ዘሎ
ውሽጣዊ ክፋል እቲ ቤተ ክረስትያን ብሓገዝ ሓጻዊን'ዩ ተደጊፉ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, LKAB

መግለጺ ስእሊ, ውሽጣዊ ክፋል እቲ ቤተ ክረስትያን ብሓገዝ ሓጻዊን'ዩ ተደጊፉ ዘሎ

ኣብ ምዕቃብ ባህሊ እትነጥፍ ሶፍያ ላግሎፍ ማታ "እዚ ቤተ ክርስትያን ንልዕሊ ሓደ ዘመን ከም መአከብን ማእከል መንፈሳዊ እምነትን ኰይኑ'ዩ ከገልግል ጸኒሑ" ኢላ።

ህጻን እንከላ ምስ ዓባያ ናብቲ ቤት ክርስትያን ንመጀመርታ ዝኸደትሉ መዓልቲ ብምዝካር ከኣ "እቲ ምግዓዝ ናይ ሓጎስን ሓዘንን ተዘኵሮና ዝቐስቐሰ'ዩ ነይሩ፣ ነቲ ዘለና ተዘክሮ ሒዝና ከኣ ናብ ሓድሽ ቦታን ሓድሽ መጻእን ንግዕዝ ኣለና" ኢላ።

ኣብታ ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ካብ ኣባላት ኣገልገልቲ ዝዀነት ለና ትጃበርግበ ብወገና "እዚ ቤተ ክርስትያን ካብቲ ብልክዕ ዝግብኦ ቦታ'ዩ ዝግዕዝ ዘሎ፣ ናብ ካልእ ክግዕዝ ከምዘለዎ ኵልና ይርድኣና'ዩ፡ ናብራ ናይዚ ኣብዛ ከተማ ዘሎ ሰብ ኣብ ዕደና ዝተመርኰሰ'ዩ። ናብቲ ሓድሽ ክንነብረሉ ዝተወሃበና ቦታ ቤተ ክርስትያንና ምሳና ይግዕዝ ምህላዉ ሕጕስቲ'የ፣ ካብቲ ቀንዲ ቦታኡ ክግዕዝ ክትርእዮ እንከለኻ ግን የቐንዙ'ዩ" ኢላ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ጕዕዞኡ ክጅምር እንከሎ ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታፍ ዝርከቦም ዕዱማት ኣጋይሽን በጻሕትን ከሰንይዎ ትጽቢት ይግበር።

ሃገራዊ ተለቪዥን እታ ሃገር'ውን ንብምሉኡ እቲ ጕዕዞ ብቐጥታ ከመሓላልፎ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።