ኤርትራ፡ ሓደ ፓስተር ንልዕሊ10 መዓልታት ክቕበር ከምዘይተኻእለ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PM
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፈ ሓደ ፓስተር (መራሒ ቤተክርስትያን) ብሰንኪ እምነቱ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ክቕበር ከምዘይተኽኣለ ነቲ ስድራቤት ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ፓስተር ተስፋይ ስዩም ካብ ዝዓርፍ 11 መዓልታት'ኳ እንተኣቝጸረ ንኣስከሬኑ መዕረፊ ዝኸውን ግቡእ ስፍራ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ይግለጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ካብ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን መሰረተ ክረስቶስ ዝዀነ ፓስተር ሚኪኤል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፓስተር ተስፋይ ሓደ ካብ መስረት'ቲ እታ ቤተክርስትያን ምንባሩን ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሑን ገሊጹ።
ነዚ ኣመልኪትና ካብ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል መልሲ ንምርካብ ፈቲንና ዛጊት ምላሽ ኣይተረኽበን።
በቲ ኵነታት ዝጸበቦም ቤተሰብ ክሳብ ናብ “ዝለዓሉ ሓለፍቲ ጸጥታ” እንተበጽሑ'ውን ዛጊት መፍትሒ ከምዘይረኸቡ ፓስተር ሚኪኤል ሓቢሩ።
ፓስተር ተስፋይ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ከምዝተፈትሐ ዝገልጽ ፓስተር ሚኪኤል፡ ኣብ ሆስፒታል ደምበ ሰምበል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝጸንሐን ብሰንበት 9 ሚያዝያ ከምዝዓረፈን ሓቢሩ።
እንተዀነ ብሰንኪ እምነቱ፡ ስነስርዓት ቀብሩ ኣብ መበቆል ዓዱ ጐዳይፍ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝባዊ መቓብር ሓዝሓዝ ንምፍጻም ፍቓድ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉን ፓስተር ሚኪኤል ኣረዲኡ።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኰይነን፡ ተኸተልቲ ካልኦት ኣብያተ እምነታት ንማእሰርቲ፡ ምስጓግን ተነጽሎን ከምዝቃልዑ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር ሰዓብቲን መራሕቲን ናይተን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ እምነቶም ክእሰሩ ምጸንሖም ይፍለጥ።
ኣብ መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ብሕቡእ ተኣኪቦም ዝነበሩ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ ዝርከብዎም ከባቢ 30 ዝዀኑ ምእመናን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ጸብጻባት ሓቢሮም ኔሮም።
ገለ ካብቶም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ናብ ሓሽፈራይ ዝበሃል ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝተወሰዱ’ውን ይግለጽ።
ኤርትራ ኣባል ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት'ኳ እንተዀነት፡ ኣብ ጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ነጻነት ሃይማኖትን ብተደጋጋሚ እያ እትኽሰስ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ "ኣዝዩ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ" ክብል ምጥንቃቝ ይዝከር።
ሰብመዚ ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐርበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላት "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ብምባል ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ፓስተር ተስፋይ ስዩም ድሕሪ ምዕራፉ ኣስከሬኑ ናብ ገዛ ተወሲዱ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ኣብ ሆሰፒታል ተመሊሱ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ።
ዕድመኡ ናብ 60 ከምዝገማገም ዝግለጽ ፓስተር ተስፋይ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ቈልዓን እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







