ፈረንሳ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋራታ ክትጥቀመሉ ትሓስብ ኣላ ድያ?

ነትጒ ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1971 ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ኣብ እትርከብ ደሴን ሙሩርዋ ኣቶል ዝተኻየደ ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ፈረንሳ

ዓለም፡ ፖለቲካ ህውከት ዝመልኦ ቅንያት እያ ተሕልፍ ዘላ።

እቲ ኣብ መንጐ ዶናልድ ትራምፕን ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ዝተርኣየ ዲፕሎማስያዊ ሃልኪ፡ ንዓለም ኣደሚሙ እዩ።

እቲ ኣብ ኦቫል ሃውስ 'ዝተዋረደ' መራሒ ዩክረይን፡ ብቐጥታ ናብ ኤውሮጳ ዝገሸ ኰይኑ፡ ኤውሮጳ ሓይሊ ምክልኻሎም ንምሕያል ይዘራረቡ ኣለዉ።

ነዚ ስዒቡ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ካብ ድቃሶም ይበራበሩ ዘለዉ ይመስሉ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ቦምባታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብፃዕቒ ይዘንብ ኣሎ።

ንፈረንሳ ሓዊሱ፡ እዞም ወሰንቲ ተዋሳእቲ ኣካላት፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዳግማይ ዝርርብ እንታይ ይጣጥኑ ኣለዉ?

ካብተን ሒደት ሓንቲ ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ፀጥታ ዝዀነት ፈረንሳ፡ ናብ ኒኩሌራዊ ኣፅዋራት ገፃ ተዙር ኣላ ድያ ዝብሉ ጥርጣተታት ይለዓሉ ኣለዉ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ነቲ ናይዚ ሰሙን ፍፃመታት ብከምዚ ዝስዕብ ተንቲኖምዎ ኣለዉ።

መስመር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ፡ ገፁ ናብ ሩስያ ዘዞረ 'ሓድሽ' ምምሕዳር

ኣመኑኤል ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ገፁ ናብ ሩስያ ከብ ዘዙር ጀሚሩ፡ ካብ ተቓወምቱ ሰፊሕ ነቐፌታ የተኣናግድ ኣሎ።

ብፍላይ ዶናልድ ትራምፕን ምክትሉ ጄዲ ቫንስን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዘርእዩዎ 'ዘሕፍር' ዲፕሎማስያዊ ፍፃመ ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኰነን።

እዚ በዚ ኣየብቀዐን፤ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንዩክረይን ዝህቦ ዝነበረ ወተሃደራውን ስለያውን ሓገዝ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።

እዚ ድማ ዩክረይን፡ ካብ'ቲ ዝቕፅል ዘሎ ወራር ሩስያ ንነብሳ ክትከላኸል ዘለዋ ዓቕሚ ኣዝዩ ዝድርት እዩ።

ተቓወምቲ ትራምፕ ብወገኖም፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ሩስያ ምውጋኑ፡ ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ሕቶ ኣእትዮሙዎ ኣለዉ።

እቲ ምምሕዳር፡ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ንዘለንስኪ ስምምዕ ማዕድናት ክፍርምን ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ከተግብርን፡ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ከም ዝዀነ እዩ ዘመኻኒ።

ልኡኽ ትራምፕ ጀነራል ኪት ኬሎግ፡ ምስሓብ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣመሪካ፡ ምስ 'ልጓም በቕሊ'ን በትሪ ወስ ምባልን ኣነፃፂሩ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ፍፋመታት፡ ገለ ካብ ላዕለዎት ጉጅለ ፖሊሲ ወጻኢ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ዩክረይናውያን መዘነኦም፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርርብ ክካየዱ ምዃኖም ፀብፃባት የመልክቱ።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕቲታት ቦምባታት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝጸንሐ እገዳ ከጽንዕ ምዃኑ እንተገለፀ'ኳ ከም ምስሉይነት እዩ ዝረአ።

እዚ ምምሕዳር ነቶም መሻርኽቱ ዝበሃሉ ብተደጋጋሚ ክነቅፍ እኳ እንተጸንሐ፡ ንበዓል ሩስያ ካብ ምንቃፍ ግን ተቖጢቡ ፀኒሑ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ታሚ ብሩስ፡ ብዛዕባ'ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዩክረይን ዘይሕሰብ ዝብበሎ፡ ምውፋር ዓቃብ ሰላም ኤውሮጳ ዝሃቦ ርእይቶ ተሓቲቱ።

ኣብ ምዕራባውያን፡ "ንድርድር ቦታ ዘይብሉ ዕላማ ጽልኢ" ክብል ገሊጽዎ።

ትራምፕ ንዘለንስኪ ብዝምልከት ብተደጋጋሚ "ንሰላም ድሉው ኣይኰንኩን" ክብል እኳ እንተገለጸ፤ ብሩስ ብዛዕባ መደረታት መራሕቲ ወይ ሚኒስተራት ወጻኢ ሃገራት ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ፡ ንምምቕቓል ምዕራባውያን ብታሕጓስ ትቛመት ኣላ

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ናይ እገዳ ምፅናዕ ምፍርራሕ ክሳብ ዘስምዕ፡ ኩሉ ጸቕጢ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ንሩስያ፡ ንመጥቃዕቲ ዘለዋ ድሌት ንምግታእ ንእሽቶ ምኽንያት እውን ኣይሃበን።

ኣመሪካ፡ እቲ ወራር ካብ ዝጅምር ንደሓር ክትገበሮ ዝፀንሐት ወተሃደራዊ ሓገዛትን ስለያን ምቁራጻ፡ ንዩክረይን ዓቢ ክሳራ ኰይኑ፡ ንሩስያ ድማ ዓቢ ዕድል እዩ።

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ፡ ሞስኮ ከምቲ ልሙድ ነቲ ወራር ክትቅጽሎ ሕጉስቲ ምዃና ይሕብር።

እቲ ቀዳማይ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ዕላምታቱ ምዕዋትን ተወሳኺ መሬት ዩክረይን፡ ብወራር ምጉባጥ ዘርኢ እዩ።

ደገፍቲ ዩክረይን ዝዀኑ ሓይልታት ብድርድር ወይ ብዓቃቢ ሰላም ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዝካየድ ዘሎ ጸቕጢ ንምቅላል ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ድማ ፍረ ኣይረኸበን።

ትራምፕ ዝመርሓ ኣመሪካ "ድሕሪ ደጊም ኣብ ጎንና ደው ከይትብል ትኽእል እያ፡" ዝብል መግለጺ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንእዝኒ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዘሕጕስ ሙዚቃ እዩ ነይሩ።

ፑቲን ኮፍ ኢሉ ነቲ ኣብ ምዕራባውያን ዝረአ ዘሎ ሃጓፋት ዘስተማቕረሉ ግዜኡ እዩ።

ንዓሰርተታት እንተዘይኰይኑ ንዓመታት ክሰርሕሉ ዝፀንሐ ኩነታት እዩ።

ነዚ ድማ ኣብ ዓውደ ውግእ ብዝትኰስ ጥይት ዘይኮነስ፡ ብዘደንቕ ምግልባጥ ናይቲ ዝዓበየ መሓዛ ዩክረይን ዝተረኽበ እዩ።

ወከልቲ ዩክረይንን ኣመሪካን ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክራኸቡ እዮም።

ሩስያ ድማ፡ ነቲ ዘተ ብልዑል ዓርሰ-እምነትን ብቐረባ ትኹረትን ትከታተሎ ኣላ።

ዩክረይን፡ ዘለንስኪ ምስቶም 'ዘቆናፀቡዎ' ንልዝብ ኮፍ ክብል ክግደድ እዩ

ዘለንስኪ ምስ ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ዘሕለፎ ድራማ ዝመስል ፍፃመ፡ ከምኡ ድማ ንዕኡ ስዒቡ ዝመፅአ ደው ምባል ወተሃደራዊ ሓገዝን ሓበሬታ-ስለያን ንዩክረይን ቀሊል ኣይኰነን።

"እቲ ኣየር ብጨና ጥልመት ዝተመልአ'ዩ። እቲ ፕረዚደንት ሓዊሱ መላእ ሃገር ኣብ ሕማቕ ስምዒት ጥሒሉ ኣሎ" ክብል፡ ሓደ ምስ ዩክረይን ቅርበት ዘለዎ ዲፕሎማት ገሊጹ።

እዚ ኩሉ ኰይኑ'ውን፡ ከምቲ 'ድኻስያ ተበዲሉ ይቕረታ ይሓትት' ዝበሃል፡ ዘለንስኪ ተመሊሱ ንትራምፕ ዝሰደዶ ናይ "ይቕሬታ" ደብዳቤ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ኮንግረስ ዘንበበ ዀይኑ፤ ግናኸ ነጺጉዎ።

ኣብ ክንድኡስ፡ ነቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝገበርዎ ዘተ "ተስፋ ዘቑርጽ" ኢሉዎ።

ዘለንስኪ ነቲ ወራር ንምግጣም፡ ደገፍ ኤውሮጳ ንምርካብን ዳግማይ ስራሕ ክጅምር ነይርዎ።

ኤውሮጳ፡ ነቲ ናይ ምትሕብባር መንፈስ'ኳ እንተኣረጋገጹ፡ እቲ ዝተፀበዮ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ተወፋይነት ግን ኣይረኸበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ባሕርን ኣብ ኣየርን ውሱን ተኹሲ ደው ምባል ክድግፉ ዘለንስኪ ጸዊዖም እዮም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ከይተረፈ ነቲ ሓሳብ ደጊፉዎ።

ልኡኻት ዩክረይንን ኣመሪካን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝረኸብሉ መንገዲ፡ ናብ ሰላም ከም ዝመርሕ ውሑስ ኣይኮነን።

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ ኒዩክለራዊ ኣጽዋራታ ክትጥቀመሉ ትኽእል ድያ?

ናይ ኤውሮጳ ኣኼባታት ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ኩሎም ክትከታተል ዘጸግም እዩ ነይሩ።

መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ዝተኣማመኑሉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ፀግዒ፡ ሃንደበት ክፈርስ ከም ዝኽእል ይግንዘቡ ኣለዉ።

አመሪካ ኢዳ ኣብ ዝሰሓበትሉ ኣጋጣሚ፡ ኤውሮጳ ንዩክረይን ክትሕግዛ ኣለዋ ዝብል ሰፊሕ ምርድዳእ ኣሎ።

ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ስምምዕ ሰላም እንተተበጺሑ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝዋፈር "ልፍንቲ ዓቃቢ ሰላም" ዝብል ሓሳብ የቕርባ ኣለዋ።

ቅድም ክብል፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ኤውሮጳ ካብቲ "ንጹርን ህሉውን ሓደጋ" እትብሎ ብኸመይ ንነብሳ ክትከላኸለላ እያ ዝብል ሕቶታት ናይ ብዙሓት ስግኣት ከምዝዀነ ]ተዛሪባ እያ።

ሕብረት ኤውሮጳ ምክልኻሉ ንምጥንኻር ብብዙሕ ቢልዮናት ዩሮ ዝግመት ውጥን ይዘራረብ ኣሎ።

ሩስያ ነዚ ሓሳብ ክትሰምዖ እትደሊ እንተዘይኰነ'ኳ፤ ማክሮን ግን መፃኢ ሰሉስ ወተሃደራዊ ኣዘዝቱ ፀዊዑ፤ ሓደ ውጥን ንምምሃዝ ገለ ይፍሕጥር ኣሎ።

ኣመሪካ ክትሕግዝ እንተዘይደልያ፡ "ድሉዋት ክንከውን ኣለና" ክብል ማክሮን ተሓንዩ እዩ።

ማክሮን ኣብ ኒዩክለራዊ ፖሊሲ ፈረንሳ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ፓሪስ ከስምዕ እዩ፤ እዚ ሩስያ ጥራይ ከይኰነት ዝተረፈት ዓለም ክትሰምዕ እትደሊ ዜና ኣይኰነነ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ ስጉምቲ ትራምፕ ተስፋ ዝቐበፀት ኤውሮጳ ኣይትገብሮ ኣይበሃልን።

ከም ሊትዋንያ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ሃገራት እዚ ምርጫ ኣይኮነን።

እቲ ክትዕ ተጀሚሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፖላንድ ዶናልድ ታስክ "ናይ ገዛእ ርእስና ኒዩክለራዊ ኣጽዋር" እንተዝህልዎም፡ ዝያዳ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ብቕሉዕ ኣመልኪቱ ኣሎ።